ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
82 ኣምላኽ ኣብ መለኮታዊ ኣኼባ ይቐውም፣+
ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ኸምዚ ኢሉ ይፈርድ፦+
2 “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ብዓመጻ እትፈርዱ፡+
ንእኩያትሲ እተዳልዉ፧+ (ሴላ)
3 ንትሑትን ንዘኽታምን ተጣበቑሎም።+
ንረዳኢ ኣልቦን ንነዳይን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።+
4 ንትሑትን ንድኻን ኣናግፍዎም፣
ካብ ኢድ እኩያት ኣድሕንዎም።”
5 ኣይፈልጡን፡ ኣይርድኡን እውን እዮም፣+
ኣብ ጸልማት ይመላለሱ ኣለዉ፣
ኵሉ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ።+
6 “ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ ኢኹም፣+
ኵላትኩም ደቂ እቲ ልዑል ኢኹም።
7 ግናኸ፡ ከም ሰብ ክትሞቱ፡+
ከም ዝዀነ መስፍን እውን ክትወድቁ ኢኹም’ ኢለ።”+
8 ኦ ኣምላኽ፡ ኵሎም ኣህዛብ ናትካ እዮም እሞ፡
ተንስእ፡ ንምድሪ ፍረዳ።+