ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ቈረንቶስ 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ኣመሓድርቲ እሙናት ኪዀኑ ይግባእ (1-5)

      • ትሕትና ክርስትያናት ኣገልገልቲ (6-13)

        • “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” (6)

        • ክርስትያናት ንዓለም ምርኢት እዮም (9)

      • ጳውሎስ ንመንፈሳውያን ደቁ ይሓልየሎም (14-21)

1 ቈረንቶስ 4:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 13:11፣ ሮሜ 16:25, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2012፡ ገጽ 11-12

    1/8/2000፡ ገጽ 14-16

1 ቈረንቶስ 4:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2012፡ ገጽ 12-13

1 ቈረንቶስ 4:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 21:2፣ ሮሜ 14:10፣ እብ 4:13

1 ቈረንቶስ 4:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 7:1
  • +ምሳ 10:9፣ 2ቈረ 10:18፣ 1ጢሞ 5:24, 25

1 ቈረንቶስ 4:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 12:3፣ 2ቈረ 12:20፣ 3ዮሃ 9
  • +1ቈረ 1:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2008፡ ገጽ 7

1 ቈረንቶስ 4:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 3:27

1 ቈረንቶስ 4:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 20:4, 6
  • +2ጢሞ 2:12፣ ራእ 3:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2008፡ ገጽ 22

    1/1/1994፡ ገጽ 29-30

1 ቈረንቶስ 4:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 10:33
  • +ሮሜ 8:36፣ 1ቈረ 15:32፣ 2ቈረ 6:4, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2009፡ ገጽ 24

    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡

    8/2001፡ ገጽ 1

1 ቈረንቶስ 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 3:18

1 ቈረንቶስ 4:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ፊል 4:12
  • +2ቈረ 11:27
  • +ግብ 14:19፣ 23:2፣ 2ቈረ 11:24

1 ቈረንቶስ 4:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 18:3፣ 20:34፣ 1ተሰ 2:9
  • +ሮሜ 12:14፣ 1ጴጥ 3:9
  • +ማቴ 5:44

1 ቈረንቶስ 4:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንልምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጴጥ 2:23

1 ቈረንቶስ 4:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓለውቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ገላ 4:19፣ 1ተሰ 2:11

1 ቈረንቶስ 4:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 11:1፣ ፊል 3:17፣ 1ተሰ 1:6

1 ቈረንቶስ 4:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መገድታተይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ጢሞ 1:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2018፡ ገጽ 14

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2017፡ ገጽ 30-31

1 ቈረንቶስ 4:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

1 ቈረንቶስ 4:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 13:10

ሓፈሻዊ

1 ቈረ. 4:1ማቴ 13:11፣ ሮሜ 16:25, 26
1 ቈረ. 4:4ምሳ 21:2፣ ሮሜ 14:10፣ እብ 4:13
1 ቈረ. 4:5ማቴ 7:1
1 ቈረ. 4:5ምሳ 10:9፣ 2ቈረ 10:18፣ 1ጢሞ 5:24, 25
1 ቈረ. 4:6ሮሜ 12:3፣ 2ቈረ 12:20፣ 3ዮሃ 9
1 ቈረ. 4:61ቈረ 1:12
1 ቈረ. 4:7ዮሃ 3:27
1 ቈረ. 4:8ራእ 20:4, 6
1 ቈረ. 4:82ጢሞ 2:12፣ ራእ 3:21
1 ቈረ. 4:9እብ 10:33
1 ቈረ. 4:9ሮሜ 8:36፣ 1ቈረ 15:32፣ 2ቈረ 6:4, 9
1 ቈረ. 4:101ቈረ 3:18
1 ቈረ. 4:11ፊል 4:12
1 ቈረ. 4:112ቈረ 11:27
1 ቈረ. 4:11ግብ 14:19፣ 23:2፣ 2ቈረ 11:24
1 ቈረ. 4:12ግብ 18:3፣ 20:34፣ 1ተሰ 2:9
1 ቈረ. 4:12ሮሜ 12:14፣ 1ጴጥ 3:9
1 ቈረ. 4:12ማቴ 5:44
1 ቈረ. 4:131ጴጥ 2:23
1 ቈረ. 4:15ገላ 4:19፣ 1ተሰ 2:11
1 ቈረ. 4:161ቈረ 11:1፣ ፊል 3:17፣ 1ተሰ 1:6
1 ቈረ. 4:172ጢሞ 1:13
1 ቈረ. 4:212ቈረ 13:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ቈረንቶስ 4:1-21

1 ቈረንቶስ

4 ሰብ ንዓና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም ኣመሓደርቲ ቕዱስ ምስጢራት ኣምላኽን ይቝጸረና።+ 2 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣመሓደርቲ እሙናት ኰይኖም ኪርከቡ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። 3 ንዓይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብሰብኣዊ ቤት ፍርዲ እንተ ተመርመርኩ፡ ግዲ የብለይን። ኣነ እኳ ንርእሰይ ኣይምርምራን እየ። 4 ከመይሲ፡ ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ። ግናኸ፡ ጻድቕ ምዃነይ በዚ ኣይኰነን ዚረጋገጽ፣ እቲ ዚምርምረኒ፡ የሆዋ* እዩ።+ 5 ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ ግዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ፣+ ሽዑ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።+

6 ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻብቲ ሓደ እናኣበላለጽኩም ብትዕቢት ምእንቲ ኸይትንፍሑ፡+ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” ዚብል ስርዓት ካባና ኽትመሃሩ፡ እዚ ነገር እዚ ምእንታኹም ኢለ ኣባይን ኣብ ኣጵሎስን አውዕሎ ኣለኹ።+ 7 ስለምንታይሲ፡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገበረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧+ ካብ ተቐበልካኸ፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትምካሕ፧

8 ድሮዶ ጸጊብኩም፧ ድሮዶ ሃብቲምኩም፧ ብዘይካናዶ ነጊስኩም፧+ ንሕና እውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም።+ 9 ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ምርኢት ስለ ዝዀንናስ፡+ ኣምላኽ ንዓና ንሃዋርያት፡ ሞት ከም እተፈርዶም ገይሩ ኣብ መወዳእታ ምርኢት ዝገበረና ይመስለኒ።+ 10 ንሕና ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፣+ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ኣስተውዓልቲ ኢኹም፣ ንሕና ድኹማት፡ ንስኻትኩም ግና ብርቱዓት ኢኹም፣ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11 ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን+ ንጸምእን+ ንዓርቕን ንውቃዕን+ ኣለና፡ መሕደሪ እውን የብልናን፣ 12 ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣለና።+ እናጸረፉና ንምርቕ፣+ እናሰጐጉና ብትዕግስቲ ንጻወር፣+ 13 እናኣካፍኡና ብልኡም ንምልስ፣*+ ጐሓፍ ዓለምን ጐዱፍ ኵሉን ኴንና ኣለና።

14 ከሕፍረኩም ዘይኰነስ፡ ከም ፍቑራት ደቀይ ክምዕደኩም ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። 15 ከመይሲ፡ ብክርስቶስ እልፊ መጕዚታት* እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ በቲ ብስራት ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን።+ 16 ስለዚ፡ ንዓይ ምሰሉ ኢለ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+ 17 በዚ ምኽንያት እዚ እየ ነቲ ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን ዝዀነ ጢሞቴዎስ ዝሰድደልኩም ዘለኹ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣነ ኣብ በቦታኡ ንዘለዋ ዅለን ጉባኤታት ዝምህሮ ገይሩ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ እተተሓሓዘ ሜላታተይ* ኬዘኻኽረኩም እዩ።+

18 ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎምሲ፡ ብትዕቢት ተነፊሖም ኣለዉ። 19 የሆዋ* እንተ ፈቒድዎ ግና፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣ ሽዑ፡ ዘረባ እቶም ብትዕቢት እተነፍሑ ዘይኰነስ፡ ሓይሎም ክፈልጥ እየ። 20 ከመይሲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን። 21 እንታይ ይሕሸኩም፧ ብበትሪዶ+ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ልእመትን ክመጸኩም፧

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ