ኣሞጽ
8 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ ፍረ ሓጋይ ዝመልአ ኸፈር ነበረ። 2 ንሱ ኸኣ፡ “ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “ፍረ ሓጋይ ዝመልአ ኸፈር” ኢለ መለስኩ። ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጺእዎም ኣሎ። ደጊም ይቕረ ኣይክብለሎምን እየ።+ 3 ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ መዝሙራት ቤተ መቕደስ ናብ ዋይዋይታ ኺልወጥ እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ኣብ ኵሉ ቦታ እተደርበዩ ብዙሓት ሬሳታት ኪህልዉ እዮም፡+—ኡስ!’
እኽሊ ንመሸጣ ኸነቕርብሲ፡ ሰንበት መዓስ ኪሓልፍ እዩ፧+
7 የሆዋ ብትምክሕቲ ያእቆብ ምሒሉ ኣሎ፦+
‘ኵሉ ግብርታቶም ከቶ ኣይክርስዖን እየ።+
ኵላዶ ኸም ኒል ኣይክትትንስእን፡
ከም ኒል ግብጺኸ ተላዒላ ለጠቕዶ ኣይክትብልን እያ፧’+
10 ንበዓላትኩም ናብ ሓዘን፡+
ንዅሉ መዝሙራትኩም ከኣ ናብ ልቕሶ ክቕይሮ እየ።
ኣብ ኵሉ ሕቘ ድማ ማቕ ክገብር፡ ኵሉ ርእሲ ኸኣ ከም ዚምለጥ ክገብር እየ፣
ንሓደ በይኑ ውሉድ ከም ዚሕዘነሉ ሓዘን ክገብራ፡
መወዳእታኣ እውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብራ እየ።’
11 ‘እንሆ፡ ናብታ ምድሪ ጥሜት ዝሰድደለን
መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡
‘ንምስማዕ ቃል የሆዋ እምበር፡
ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።+
12 ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፡
ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ* ሰንከልከል ኪብሉ እዮም።
ቃል የሆዋ ደልዮም ኪዞሩ፣ ግናኸ፡ ኣይኪረኽብዎን እዮም።
13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጽቡቓት ደናግል ውኖአን ኬጥፍኣ እየን፣
ኣጕባዝ እውን ብሰንኪ ጽምኢ ኸምኡ ኪዀኑ እዮም።