ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 27
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ነታ እትጥሕል መርከብ ጢሮስ እተለቕሰላ ልቕሶ (1-36)

ህዝቅኤል 27:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:17

ህዝቅኤል 27:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 23:9፣ ህዝ 28:2, 12

ህዝቅኤል 27:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተርሚን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 3:8, 9፣ 1ዜና 5:23

ህዝቅኤል 27:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:2, 4

ህዝቅኤል 27:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:2, 4

ህዝቅኤል 27:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:15, 18
  • +1ነገ 9:27

ህዝቅኤል 27:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣረገውትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:2, 5
  • +ህዝ 27:27

ህዝቅኤል 27:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:6፣ ኤር 46:9

ህዝቅኤል 27:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:2, 4፣ ዮና 1:3
  • +2ዜና 9:21
  • +ኤር 10:9

ህዝቅኤል 27:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 66:19
  • +ዘፍ 10:2
  • +ዮኤ 3:6

ህዝቅኤል 27:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:2, 3፣ ህዝ 38:6

ህዝቅኤል 27:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:7
  • +1ነገ 10:22

ህዝቅኤል 27:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መርጀንን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “መርጀን” ርአ።

ህዝቅኤል 27:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 11:12, 33
  • +ዘፍ 43:11
  • +ኤር 8:22
  • +1ነገ 5:9፣ እዝ 3:7፣ ግብ 12:20

ህዝቅኤል 27:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቅይሕ ዝበለ ጨዓይ ጸምርን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 7:8

ህዝቅኤል 27:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምስ ኦም ቃርፋ ዚዛመድ ኦም።

  • *

    ምዑዝ ሻምብቆ።

ህዝቅኤል 27:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብእተኣልመ ኽዳውንቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:3

ህዝቅኤል 27:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 17:11፣ ኢሳ 60:7
  • +ዘፍ 25:13

ህዝቅኤል 27:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:7
  • +1ነገ 10:1, 2፣ ኢሳ 60:6

ህዝቅኤል 27:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:31
  • +2ነገ 19:12፣ ኣሞ 1:5
  • +ዘፍ 25:3፣ እዮ 6:19
  • +ዘፍ 10:22

ህዝቅኤል 27:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከበርክን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 10:22፣ ኢሳ 23:14

ህዝቅኤል 27:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጉባኤ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:8, 9
  • +ህዝ 27:10, 11
  • +ህዝ 26:14

ህዝቅኤል 27:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 23:1፣ ህዝ 26:17

ህዝቅኤል 27:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብምረት ነፍሲ።”

ህዝቅኤል 27:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:5

ህዝቅኤል 27:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:14, 16
  • +ዘካ 9:3

ህዝቅኤል 27:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:19
  • +ህዝ 27:27

ህዝቅኤል 27:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:15
  • +ህዝ 28:17

ህዝቅኤል 27:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 37:10

ሓፈሻዊ

ህዝ. 27:2ህዝ 26:17
ህዝ. 27:3ኢሳ 23:9፣ ህዝ 28:2, 12
ህዝ. 27:5ዘዳ 3:8, 9፣ 1ዜና 5:23
ህዝ. 27:6ዘፍ 10:2, 4
ህዝ. 27:7ዘፍ 10:2, 4
ህዝ. 27:8ዘፍ 10:15, 18
ህዝ. 27:81ነገ 9:27
ህዝ. 27:9እያ 13:2, 5
ህዝ. 27:9ህዝ 27:27
ህዝ. 27:10ዘፍ 10:6፣ ኤር 46:9
ህዝ. 27:12ዘፍ 10:2, 4፣ ዮና 1:3
ህዝ. 27:122ዜና 9:21
ህዝ. 27:12ኤር 10:9
ህዝ. 27:13ኢሳ 66:19
ህዝ. 27:13ዘፍ 10:2
ህዝ. 27:13ዮኤ 3:6
ህዝ. 27:14ዘፍ 10:2, 3፣ ህዝ 38:6
ህዝ. 27:15ዘፍ 10:7
ህዝ. 27:151ነገ 10:22
ህዝ. 27:17መሳ 11:12, 33
ህዝ. 27:17ዘፍ 43:11
ህዝ. 27:17ኤር 8:22
ህዝ. 27:171ነገ 5:9፣ እዝ 3:7፣ ግብ 12:20
ህዝ. 27:18ኢሳ 7:8
ህዝ. 27:20ዘፍ 25:3
ህዝ. 27:212ዜና 17:11፣ ኢሳ 60:7
ህዝ. 27:21ዘፍ 25:13
ህዝ. 27:22ዘፍ 10:7
ህዝ. 27:221ነገ 10:1, 2፣ ኢሳ 60:6
ህዝ. 27:23ዘፍ 11:31
ህዝ. 27:232ነገ 19:12፣ ኣሞ 1:5
ህዝ. 27:23ዘፍ 25:3፣ እዮ 6:19
ህዝ. 27:23ዘፍ 10:22
ህዝ. 27:251ነገ 10:22፣ ኢሳ 23:14
ህዝ. 27:27ህዝ 27:8, 9
ህዝ. 27:27ህዝ 27:10, 11
ህዝ. 27:27ህዝ 26:14
ህዝ. 27:30ኢሳ 23:1፣ ህዝ 26:17
ህዝ. 27:32ህዝ 26:5
ህዝ. 27:33ህዝ 27:14, 16
ህዝ. 27:33ዘካ 9:3
ህዝ. 27:34ህዝ 26:19
ህዝ. 27:34ህዝ 27:27
ህዝ. 27:35ህዝ 26:15
ህዝ. 27:35ህዝ 28:17
ህዝ. 27:36መዝ 37:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 27:1-36

ህዝቅኤል

27 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጢሮስ ኣልቅሰላ፡+ 3 ንጢሮስ ድማ ከምዚ በላ፦

‘ኣቲ ኣብ ኣፍ ደገታት ባሕሪ እትቕመጢ፡

ኣቲ ኣብ ህዝብታት ብዙሕ ደሴታት እትነግዲ፡

እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ኣቲ ጢሮስ፡ ንስኺ ባዕልኺ፡ ‘ኣነ ብጽባቐ ፍጽምቲ እየ’ በልኪ።+

 4 ሃገርኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፣

ሃነጽትኺ ንጽባቐኺ ፍጹም ገበርዎ።

 5 ንዅሉ ኣልዋሕኪ ብኦም ጽሕዲ* ሰኒር+ ገበርዎ፣

ደቐል ኪገብሩልኪ ድማ ካብ ሊባኖስ ቄድሮስ ወሰዱ።

 6 መቕዘፊታትኪ ኻብ ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን ገበሩ፣

ቅድሚትኪ ኸኣ ካብ ደሴታት ኪቲም+ ብዝመጸ ስኒ ሓርማዝ እተሰለመ ጽሕዲ ቆጵሮስ ነበረ።

 7 ካብ ግብጺ ዝመጸ ሕብራዊ በፍታ ድማ ዓለባ ጋንጽላኺ ነበረ፣

ኣብ ልዕሊ ባይታኺ ዘሎ ጽላል ከኣ ካብ ደሴታት ኤሊሻ+ ዝመጸ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ነበረ።

 8 ነበርቲ ሲዶንን ኣርዋድን+ ቀዘፍትኺ ነበሩ።

ኣቲ ጢሮስ፡ እቶም ክኢላታትኪ፡ ባሕረኛታትኪ ነበሩ።+

 9 እቶም ምኩራትን* ክኢላታትን ሰብ ጌባል+ ንመላግቦኺ ለሓሙ።+

ኵለን መራኽብ ባሕርን መርከበኛታትን ሸቐጥ ኪነግዱ ናባኺ መጹ።

10 ሰብ ፋርስን ሉድን ጱጥን+ ኣብ ሰራዊትኪ፡ ተዋጋእትኺ ነበሩ።

ዋላቱኦምን ቍራዓት ርእሶምን ኣባኺ ሰቐሉ፣ ግርማ እውን ኣምጽኡልኪ።

11 ኣብ ሰራዊትኪ ዝነበሩ ሰብ ኣርዋድ፡ ኣብ ዙርያ መካበብያኺ ይቘሙ ነበሩ፣

ተባዓት ሰባት ድማ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ።

ከበብቲ ዋላቱ ኣብ ዙርያ መካበብያኺ ሰቐሉ፣

ንጽባቐኺ እውን ፍጹም ገበርዎ።

12 “‘“ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበረኪ፡ ተርሲስ+ ምሳኺ ትነግድ ነበረት።+ ብሩርን ሓጺንን መብሸልን ዓረርን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+ 13 ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ባሮትን+ ኣቕሑ ነሓስን ከኣ ብሸቐጥኪ ይልውጡ ነበሩ። 14 ቤት ቶጋርማ፡+ ኣፍራስን ኣፍራስ ውግእን ኣባቕልን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ። 15 ደቂ ዴዳን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ኣብ ብዙሓት ደሴታት እተስርሕዮም ነጋዶ ነበሩኺ፣ ስኒ ሓርማዝን+ ኣብኖስን ድማ ይግብሩልኪ ነበሩ። 16 ብዙሕ ፍርያት ስለ ዝነበረኪ፡ ኤዶም ምሳኺ ትነግድ ነበረት። ቱርቆይዝን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ሕብራዊ ጥልፍን ቅጭን ዓለባን ኣዕናቝን* ሮቢኖስን ድማ ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።

17 “‘“ይሁዳን ምድሪ እስራኤልን ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ስርናይ ሚኒትን+ ብሉጽ ምግብን መዓርን+ ዘይትን በለሳንን+ ከኣ ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+

18 “‘“ብዙሕ ፍርያትን ኵሉ ሃብትን ስለ ዝነበረኪ፡ ደማስቆ+ ምሳኺ ትነግድ፡ ወይኒ ሔልቦንን ጸምሪ ጻሓርን* ትለዋወጥ ነበረት። 19 ዌዳንን ያዋንን ካብ ኡዛል ከኣ፡ ተቐጥቂጡ ዚስራሕ ሓጺንን ቃስያን* ቃንጫን* ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ። 20 ዴዳን+ ንመወጥሒ ብዚኸውን መረሻታት* ምሳኺ ትነግድ ነበረት። 21 ነቶም ነጋዶ ገንሸላትን* ደዓውልን ድቤላታትን+ ዝነበሩ ኣዕራብን ኵሎም ሹማምንቲ ቄዳርን+ ተስርሕዮም ነበርኪ። 22 ነጋዶ ሳባን ራዕማን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ኵሉ ዓይነት ብሉጽ ጥዑም ጨናን ክቡራት ኣእማንን ወርቅን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+ 23 ካራንን+ ካኔን ኤደንን+ ነጋዶ ሳባን+ ኣሹርን+ ኪልማድን ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ። 24 ኣብ ዕዳጋኺ ጽቡቕ ክዳውንቲ፡ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ሕብራዊ ጥልፍን እተገብረ ባርኖሳት፡ ብምሉኡ ብኣግማድ እተኣስረን ብጽኑዕ እተገብረን ብዙሕ ዝሕብሩ ምንጻፋት ይንገድ ነበረ።

25 መራኽብ ተርሲስ+ ቃፍላይ ሸቐጥኪ ነበራ፣

ስለዚ፡ ኣብ ልቢ ባሕሪ መላእክን ተጻዓንክን።*

26 ቀዘፍትኺ ናብ ዚናወጽ ባሕርታት ኣምጽኡኺ፣

ንፋስ ምብራቕ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።

27 ሃብትኽን ኣቕሑኽን ሸቐጥክን መርከበኛታትክን ባሕረኛታትክን

እቶም ንመላግቦኺ ዚልሕሙን እቶም ሸቐጥኪ ዚነግዱን+ ኵሎም ተዋጋእትን፡+

—ብዘለዉ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ህዝቢ፡*—

ብመዓልቲ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኺጥሕሉ እዮም።+

28 ባሕረኛታትኪ ምስ ኣእወዩ፡ ገማግም ባሕሪ ኼንቀጥቅጥ እዩ።

29 ኵሎም ቀዘፍትን መርከበኛታትን ባሕረኛታትን

ካብ መራኽቦም ኪወርዱ፡ ኣብ ምድሪ እውን ደው ኪብሉ እዮም።

30 ድምጾም ዓው ኣቢሎም ኣምሪሮም ኪበኽዩልኪ እዮም፣+

ኣብ ርእሶም ሓመድ ኪንስንሱ፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ጠንቀላዕላዕ ኪብሉ እዮም።

31 ርእሶም ኪመልጡ፡ ማቕ ከኣ ኪኽደኑ እዮም፣

ብብርቱዕ ዋይዋይታ ኣምሪሮም* ኪበኽዩልኪ እዮም።

32 ኣብ ድጕዓኦም ከምዚ ኢሎም ኬልቅሱልክን ኪቝዝሙልክን እዮም፦

‘ከም ጢሮስ ኣብ ማእከል ባሕሪ ስቕ ዝበለ መን ኣሎ፧+

33 ኣቕሑኺ ኻብ ማእከል ባሕሪ ምስ መጸ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም።+

እቲ ብዙሕ ሃብትኽን ሸቐጥክን ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተሞም።+

34 ሕጂ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ ኣብ ዓሚቝ ማያት ተሴርኪ ኣለኺ፣+

ኵሉ ሸቐጥክን ህዝብኽን ምሳኺ ጥሒሉ ኣሎ።+

35 ኵሎም ነበርቲ ደሴታት ተገሪሞም ኪጥምቱኺ እዮም፣+

ነገስታቶም ከኣ ብራዕዲ ኼንቀጥቅጡ እዮም፡+ ገጾም እውን ኪርበሽ እዩ።

36 ነጋዶ ኣህዛብ በቲ ዝወረደኪ ኼፋጽዩ እዮም።

መወዳእታኺ ሃንደበታውን ዜሰክሕን ኪኸውን እዩ፣

ንሓዋሩ ድማ ኣይክትህልውን ኢኺ።’”’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ