ህዝቅኤል
27 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጢሮስ ኣልቅሰላ፡+ 3 ንጢሮስ ድማ ከምዚ በላ፦
‘ኣቲ ኣብ ኣፍ ደገታት ባሕሪ እትቕመጢ፡
ኣቲ ኣብ ህዝብታት ብዙሕ ደሴታት እትነግዲ፡
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ኣቲ ጢሮስ፡ ንስኺ ባዕልኺ፡ ‘ኣነ ብጽባቐ ፍጽምቲ እየ’ በልኪ።+
4 ሃገርኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፣
ሃነጽትኺ ንጽባቐኺ ፍጹም ገበርዎ።
6 መቕዘፊታትኪ ኻብ ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን ገበሩ፣
ቅድሚትኪ ኸኣ ካብ ደሴታት ኪቲም+ ብዝመጸ ስኒ ሓርማዝ እተሰለመ ጽሕዲ ቆጵሮስ ነበረ።
7 ካብ ግብጺ ዝመጸ ሕብራዊ በፍታ ድማ ዓለባ ጋንጽላኺ ነበረ፣
ኣብ ልዕሊ ባይታኺ ዘሎ ጽላል ከኣ ካብ ደሴታት ኤሊሻ+ ዝመጸ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ነበረ።
8 ነበርቲ ሲዶንን ኣርዋድን+ ቀዘፍትኺ ነበሩ።
ኣቲ ጢሮስ፡ እቶም ክኢላታትኪ፡ ባሕረኛታትኪ ነበሩ።+
9 እቶም ምኩራትን* ክኢላታትን ሰብ ጌባል+ ንመላግቦኺ ለሓሙ።+
ኵለን መራኽብ ባሕርን መርከበኛታትን ሸቐጥ ኪነግዱ ናባኺ መጹ።
10 ሰብ ፋርስን ሉድን ጱጥን+ ኣብ ሰራዊትኪ፡ ተዋጋእትኺ ነበሩ።
ዋላቱኦምን ቍራዓት ርእሶምን ኣባኺ ሰቐሉ፣ ግርማ እውን ኣምጽኡልኪ።
11 ኣብ ሰራዊትኪ ዝነበሩ ሰብ ኣርዋድ፡ ኣብ ዙርያ መካበብያኺ ይቘሙ ነበሩ፣
ተባዓት ሰባት ድማ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ።
ከበብቲ ዋላቱ ኣብ ዙርያ መካበብያኺ ሰቐሉ፣
ንጽባቐኺ እውን ፍጹም ገበርዎ።
12 “‘“ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበረኪ፡ ተርሲስ+ ምሳኺ ትነግድ ነበረት።+ ብሩርን ሓጺንን መብሸልን ዓረርን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+ 13 ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ባሮትን+ ኣቕሑ ነሓስን ከኣ ብሸቐጥኪ ይልውጡ ነበሩ። 14 ቤት ቶጋርማ፡+ ኣፍራስን ኣፍራስ ውግእን ኣባቕልን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ። 15 ደቂ ዴዳን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ኣብ ብዙሓት ደሴታት እተስርሕዮም ነጋዶ ነበሩኺ፣ ስኒ ሓርማዝን+ ኣብኖስን ድማ ይግብሩልኪ ነበሩ። 16 ብዙሕ ፍርያት ስለ ዝነበረኪ፡ ኤዶም ምሳኺ ትነግድ ነበረት። ቱርቆይዝን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ሕብራዊ ጥልፍን ቅጭን ዓለባን ኣዕናቝን* ሮቢኖስን ድማ ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።
17 “‘“ይሁዳን ምድሪ እስራኤልን ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ስርናይ ሚኒትን+ ብሉጽ ምግብን መዓርን+ ዘይትን በለሳንን+ ከኣ ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+
18 “‘“ብዙሕ ፍርያትን ኵሉ ሃብትን ስለ ዝነበረኪ፡ ደማስቆ+ ምሳኺ ትነግድ፡ ወይኒ ሔልቦንን ጸምሪ ጻሓርን* ትለዋወጥ ነበረት። 19 ዌዳንን ያዋንን ካብ ኡዛል ከኣ፡ ተቐጥቂጡ ዚስራሕ ሓጺንን ቃስያን* ቃንጫን* ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ። 20 ዴዳን+ ንመወጥሒ ብዚኸውን መረሻታት* ምሳኺ ትነግድ ነበረት። 21 ነቶም ነጋዶ ገንሸላትን* ደዓውልን ድቤላታትን+ ዝነበሩ ኣዕራብን ኵሎም ሹማምንቲ ቄዳርን+ ተስርሕዮም ነበርኪ። 22 ነጋዶ ሳባን ራዕማን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ኵሉ ዓይነት ብሉጽ ጥዑም ጨናን ክቡራት ኣእማንን ወርቅን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+ 23 ካራንን+ ካኔን ኤደንን+ ነጋዶ ሳባን+ ኣሹርን+ ኪልማድን ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ። 24 ኣብ ዕዳጋኺ ጽቡቕ ክዳውንቲ፡ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ሕብራዊ ጥልፍን እተገብረ ባርኖሳት፡ ብምሉኡ ብኣግማድ እተኣስረን ብጽኑዕ እተገብረን ብዙሕ ዝሕብሩ ምንጻፋት ይንገድ ነበረ።
26 ቀዘፍትኺ ናብ ዚናወጽ ባሕርታት ኣምጽኡኺ፣
ንፋስ ምብራቕ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።
28 ባሕረኛታትኪ ምስ ኣእወዩ፡ ገማግም ባሕሪ ኼንቀጥቅጥ እዩ።
29 ኵሎም ቀዘፍትን መርከበኛታትን ባሕረኛታትን
ካብ መራኽቦም ኪወርዱ፡ ኣብ ምድሪ እውን ደው ኪብሉ እዮም።
30 ድምጾም ዓው ኣቢሎም ኣምሪሮም ኪበኽዩልኪ እዮም፣+
ኣብ ርእሶም ሓመድ ኪንስንሱ፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ጠንቀላዕላዕ ኪብሉ እዮም።
31 ርእሶም ኪመልጡ፡ ማቕ ከኣ ኪኽደኑ እዮም፣
ብብርቱዕ ዋይዋይታ ኣምሪሮም* ኪበኽዩልኪ እዮም።
32 ኣብ ድጕዓኦም ከምዚ ኢሎም ኬልቅሱልክን ኪቝዝሙልክን እዮም፦
‘ከም ጢሮስ ኣብ ማእከል ባሕሪ ስቕ ዝበለ መን ኣሎ፧+
33 ኣቕሑኺ ኻብ ማእከል ባሕሪ ምስ መጸ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም።+
እቲ ብዙሕ ሃብትኽን ሸቐጥክን ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተሞም።+
36 ነጋዶ ኣህዛብ በቲ ዝወረደኪ ኼፋጽዩ እዮም።
መወዳእታኺ ሃንደበታውን ዜሰክሕን ኪኸውን እዩ፣
ንሓዋሩ ድማ ኣይክትህልውን ኢኺ።’”’”+