መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር።
3 ኵሉ ነድርኻ ገቲእካዮ፣
ካብ ረስኒ ቝጥዓኻ ድማ ተመሊስካ።+
4 ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ ምለሰና፣
ጓሂኻ ኻባና ኣልግሶ።+
5 ንዘለኣለምዶ ብኣና ኽትንድር ኢኻ፧+
ንውሉድ ወለዶዶ ኽትቍጥዓና ኢኻ፧
6 ህዝብኻ ብኣኻ ምእንቲ ኺሕጐሱስ፡
መሊስካዶ ህያዋን ኣይክትገብረናን ኢኻ፧+
7 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት ኣፍቅረና፣
ድሕነትካ እውን ሃበና።+
8 ንሱ ንህዝቡን ንእሙናቱን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፡+
ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ፣
ንሳቶም ደኣ ተመሊሶም እምብዛ ብርእሶም ኣይተኣማመኑ።+
9 ክብሩ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኺነብርሲ፡
ድሕነቱ ነቶም ዚፈርህዎ ብርግጽ ቀረባኦም እዩ።+
10 ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኪራኸባ፡
ጽድቅን ሰላምን እውን ኪሳዓዓማ እየን።+
11 ተኣማንነት ካብ ምድሪ ኽትበቍል፡
ጽድቂ ድማ ካብ ሰማያት ኣንቈልቊላ ኽትጥምት እያ።+
13 ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡+
ንስጕምትታቱ እውን መገዲ ኸተውጽእ እያ።