መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
2 የሆዋ ኺሕልዎን ብህይወት ኬንብሮን እዩ።
ኣብ ምድሪ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።+
ኣብ ቅድሜኻ ሓጢአ እየ እሞ፡+ ኣሕውየኒ”* ኢለ እየ።+
5 ጸላእተይ ግና ብዛዕባይ ክፉእ ይዛረቡ፣
“መዓስ ኪመውት እዩ፧ መዓስከ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧” ይብሉ።
6 ሓዲኦም ኪርእየኒ እንተ መጺኡ፡ ልቡ ሓሶት ይዛረብ።
ዚብሎ ጐዳኢ ነገር ይእክብ፣
ወጺኡ ኸኣ የውርዮ።
7 ኵሎም እቶም ዚጸልኡኒ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፡
ክፉእ ነገር ይሓስቡለይ ኣለዉ፣
8 “ሕማቕ ነገር ሒዝዎ ኣሎ፣
ካብ ወደቐስ፡ መሊሱ ኣይኪትንስእን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።+
10 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ክፈድዮምሲ፡
ሞገስ ኣርእየንን ኣልዕለንን።
11 ጸላእየይ ብዓወት እንተ ዘይጨዲሩለይ፡
በዚ ንስኻ ብኣይ ባህ ከም ዝበለካ ኽፈልጥ እየ።+
ኣሜን፡ ኣሜን።