137 ኣብ ጥቓ ኣፍላግ ባቢሎን+ ተቐመጥና።
ንጽዮን ምስ ዘከርና በኸና።+
 2 ኣብ ማእከላ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ዓራባ፡
መሰንቆታትና ሰቐልና።+
 3 ኣብኡስ ማረኽትና ኽንዝምረሎም ሓተቱና፣+
እቶም ዜላግጹልና ኸኣ መዘናግዒ ደልዮም፡
“ሓደ ኻብ መዝሙራት ጽዮን ዘምሩልና” በሉና።
 4 ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር የሆዋ
ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር፧
 5 ኦ የሩሳሌም፡ እንተ ረሲዐክስ፡
የማነይቲ ኢደይ ትረስዕ።+
 6 እንተ ዘይዘኪረኪ፡
ንየሩሳሌም ድማ ልዕሊ ዅሉ
ቐንዲ ምኽንያት ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያ፡+
ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።
 7 ኦ የሆዋ፡ በታ የሩሳሌም ዝወደቐትላ መዓልቲ፡
ደቂ ኤዶም፡ “ኣፍርስዋ! ክሳብ መሰረታታ ኣፍርስዋ!”
ኸም ዝበሉ ዘክር።+
 8 ኣቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እትዓንዊ ጓል ባቢሎን፡+
ከምቲ ዝገበርክና ግብሪ ዚፈድየክስ፡+
ሕጉስ ኪኸውን እዩ።
 9 ንደቅኺ ሒዙ ኣብ ኣኻውሕ ዚሕምሽሾምሲ፡+
ሕጉስ ኪኸውን እዩ።