ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ምናሴ፡ ንጉስ ይሁዳ፣ ንሱ ዘፍሰሶ ደም (1-18)

        • የሩሳሌም ከም እትጠፍእ ተነግረ (12-15)

      • ኣሞን፡ ንጉስ ይሁዳ (19-26)

2 ነገስት 21:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:13፣ ማቴ 1:10
  • +2ዜና 33:1

2 ነገስት 21:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:30, 31፣ 2ዜና 33:2-6፣ 36:14፣ ህዝ 16:51

2 ነገስት 21:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:1, 4
  • +1ነገ 16:30, 32
  • +2ነገ 23:4
  • +ዘዳ 4:19

2 ነገስት 21:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:5፣ 2ሳሙ 7:12, 13፣ 1ነገ 8:29፣ 9:3
  • +ኤር 32:34

2 ነገስት 21:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 8:16
  • +1ነገ 6:36፣ 7:12

2 ነገስት 21:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:26
  • +ዘሌ 20:27፣ ዘዳ 18:10, 11

2 ነገስት 21:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:6
  • +2ዜና 33:7-9

2 ነገስት 21:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:1
  • +1ዜና 17:9

2 ነገስት 21:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:1

2 ነገስት 21:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:10፣ 36:15, 16፣ ኤር 7:25፣ ማቴ 23:37

2 ነገስት 21:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:16
  • +ዘሌ 18:24, 25፣ 2ነገ 23:26፣ 24:3፣ ኤር 15:4

2 ነገስት 21:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:16, 17፣ ሚክ 3:12
  • +ኤር 19:3

2 ነገስት 21:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መለክዒ መንደቕ፣ ኣድማስ፣ ቢምቦ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:6፣ ህዝ 23:33
  • +ኢሳ 28:17፣ ድጕ 2:8
  • +1ነገ 21:21፣ 2ነገ 10:11
  • +ኤር 25:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 9

    ራእይ፡ ገጽ 162

2 ነገስት 21:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:9፣ 2ነገ 17:18
  • +ዘሌ 26:25፣ ዘዳ 28:63

2 ነገስት 21:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 9:21፣ 31:29፣ መሳ 2:11, 13

2 ነገስት 21:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:3, 4፣ ኤር 2:34፣ ማቴ 23:30፣ እብ 11:37

2 ነገስት 21:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:23, 26

2 ነገስት 21:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:10
  • +2ዜና 33:21

2 ነገስት 21:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:22, 23

2 ነገስት 21:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:1, 3

2 ነገስት 21:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:16, 17፣ ኤር 2:13

2 ነገስት 21:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:25

2 ነገስት 21:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:18
  • +ማቴ 1:10

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 21:11ዜና 3:13፣ ማቴ 1:10
2 ነገ. 21:12ዜና 33:1
2 ነገ. 21:2ዘዳ 12:30, 31፣ 2ዜና 33:2-6፣ 36:14፣ ህዝ 16:51
2 ነገ. 21:32ነገ 18:1, 4
2 ነገ. 21:31ነገ 16:30, 32
2 ነገ. 21:32ነገ 23:4
2 ነገ. 21:3ዘዳ 4:19
2 ነገ. 21:4ዘዳ 12:5፣ 2ሳሙ 7:12, 13፣ 1ነገ 8:29፣ 9:3
2 ነገ. 21:4ኤር 32:34
2 ነገ. 21:5ህዝ 8:16
2 ነገ. 21:51ነገ 6:36፣ 7:12
2 ነገ. 21:6ዘሌ 19:26
2 ነገ. 21:6ዘሌ 20:27፣ ዘዳ 18:10, 11
2 ነገ. 21:72ነገ 23:6
2 ነገ. 21:72ዜና 33:7-9
2 ነገ. 21:8ዘዳ 28:1
2 ነገ. 21:81ዜና 17:9
2 ነገ. 21:9ዘዳ 7:1
2 ነገ. 21:102ዜና 33:10፣ 36:15, 16፣ ኤር 7:25፣ ማቴ 23:37
2 ነገ. 21:11ዘፍ 15:16
2 ነገ. 21:11ዘሌ 18:24, 25፣ 2ነገ 23:26፣ 24:3፣ ኤር 15:4
2 ነገ. 21:122ነገ 22:16, 17፣ ሚክ 3:12
2 ነገ. 21:12ኤር 19:3
2 ነገ. 21:132ነገ 17:6፣ ህዝ 23:33
2 ነገ. 21:13ኢሳ 28:17፣ ድጕ 2:8
2 ነገ. 21:131ነገ 21:21፣ 2ነገ 10:11
2 ነገ. 21:13ኤር 25:9
2 ነገ. 21:14ዘዳ 32:9፣ 2ነገ 17:18
2 ነገ. 21:14ዘሌ 26:25፣ ዘዳ 28:63
2 ነገ. 21:15ዘዳ 9:21፣ 31:29፣ መሳ 2:11, 13
2 ነገ. 21:162ነገ 24:3, 4፣ ኤር 2:34፣ ማቴ 23:30፣ እብ 11:37
2 ነገ. 21:182ነገ 21:23, 26
2 ነገ. 21:19ማቴ 1:10
2 ነገ. 21:192ዜና 33:21
2 ነገ. 21:202ዜና 33:22, 23
2 ነገ. 21:212ነገ 21:1, 3
2 ነገ. 21:222ነገ 22:16, 17፣ ኤር 2:13
2 ነገ. 21:242ዜና 33:25
2 ነገ. 21:262ነገ 21:18
2 ነገ. 21:26ማቴ 1:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 21:1-26

2 ነገስት

21 ምናሴ+ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 12 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 55 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ሔፍጺባ እዩ። 2 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+ 3 ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፣+ ከምቲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ኸኣ፡+ ንበዓል መሰውኢታት ኣቘመ፡ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ገበረ።+ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።+ 4 ኣብታ የሆዋ፡ “ኣብ የሩሳሌም ስመይ ከንብር እየ” ዝበለላ ቤት የሆዋ ኸኣ፡+ መሰውኢታት ሰርሐ።+ 5 ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ ኣብቲ ኽልተ ኣጸድ ቤት የሆዋ መሰውኢታት ሰርሓሎም።+ 6 ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፣ ስሒር ገበረ፡ ፋል ደለየ፡+ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ።

7 ነቲ ንሱ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ኣብታ ቤት ኣንበሮ፣ ብዛዕባኣ ግና የሆዋ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን፡ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንሓዋሩ ኸንብር እየ።+ 8 ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዎም፡ ብዘሎ እቲ ጊልያይ ሙሴ ኺስዕብዎ ዝኣዘዞም ሕጊ ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም፡+ ንኣእጋር እስራኤል ካብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይከዀብልልን እየ”+ ኢሉ ነበረ። 9 ንሳቶም ግና ኣይተኣዘዙን፣ ምናሴ ድማ ካብቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።+

10 የሆዋ ኸኣ ብገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ ኸምዚ ይብሎም ነበረ፦+ 11 “ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት ገይሩ ኣሎ፣ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሞራውያን+ ዝኸፍአ ገይሩ ኣሎ፣+ ንይሁዳ ኸኣ ብጽዩፋት ጣኦታቱ* ኣሕጢእዎ። 12 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን+ ይሁዳን ንዝሰምዖ ዘበለ ኽልቲአን ኣእዛኑ ጸላዕላዕ ዜብል መዓት አምጽእ ኣለኹ።+ 13 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ እቲ ሰማርያ+ እተለክዓትሉ ገመድ መለክዒ+ ኽዝርግሕ፡ እቲ ቤት ኣከኣብ+ እተዓቀነትሉ መዐቀኒ ጽፍሒ* እውን ክጥቀም እየ። ከምቲ ሰብ ንጻሕሊ ወልዊሉ ዜጽርዮ እሞ ወልዊሉ ብኣፉ ዚደፍኦ፡ ኣነ እውን ንየሩሳሌም ወልዊለ ኸጽርያ እየ።+ 14 ንተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖም እየ፣+ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፣ ብዅሎም ጸላእቶም እውን ኪዝመቱን ኪማረኹን እዮም።+ 15 ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ገይሮም እዮም፣ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኣትሒዞም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ኣዀርዮምኒ እዮም።’”+

16 ምናሴ ኸኣ ብዘይካ እቲ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ከም ዚገብር ብምግባሩ ዝሓጥኦ ሓጢኣት፡ ንየሩሳሌም ካብ ሓደ ወሰን ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ ዚመልኣ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።+ 17 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሴን ኵሉ እቲ ዝገበሮን እቲ ዝሓጥኦ ሓጢኣትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 18 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቤቱ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዑዛ ኸኣ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ።

19 ኣሞን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ መሹለመት እዩ፣ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጥባ እያ። 20 ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 21 ብዅሉ እቲ ኣቦኡ እተመላለሶ መገድታት ተመላለሰ፣ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጽዩፋት ጣኦታት ከኣ የገልግሎምን ይሰግደሎምን ነበረ።+ 22 ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ድማ ሓደጎ፣ ብመገዲ የሆዋ እውን ኣይተመላለሰን።+ 23 ገላዉ ኣሞን ድማ ውዲት ኣለሙሉ እሞ ንንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 24 ህዝቢ እታ ምድሪ ግና ንዅሎም እቶም ንንጉስ ኣሞን ውዲት ዝኣለሙሉ ቐተሎም፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።+ 25 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሞን፡ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 26 ኣብ መቓብሩ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ+ ነገሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ