ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ናብ ንጉስ ኣሓዝ እተላእከ መልእኽቲ (1-9)

        • ሸኣር-ያሹብ (3)

      • ትእምርቲ ኣማኑኤል (10-17)

      • ሳዕቤናት ጥልመት (18-25)

ኢሳይያስ 7:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪሕዝዋ ግና ኣይከኣሉን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:1, 2
  • +2ነገ 15:37፣ 2ዜና 28:6
  • +2ነገ 16:5

ኢሳይያስ 7:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ተረፍ ጥራይ ይምለሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:18
  • +2ነገ 18:17

ኢሳይያስ 7:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:30፣ ኢሳ 8:6, 7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 7:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2013፡ ገጽ 16

ኢሳይያስ 7:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነሸብራን” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “መካበብያኣ ነፍርስን።” ቃ.ቃ.፡ “ንሰንጥቃን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2013፡ ገጽ 16

ኢሳይያስ 7:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:6፣ ሆሴ 1:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 7:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:23, 24
  • +2ነገ 15:27

ኢሳይያስ 7:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:36, 37፣ ኢሳ 37:30፣ 38:7, 8

ኢሳይያስ 7:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16

ኢሳይያስ 7:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ምሳና እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 9:6፣ ዮሃ 1:14፣ 1ጢሞ 3:16
  • +ማቴ 1:23፣ ሉቃ 1:30-35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 146፡ 153

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2013፡ ገጽ 16፡ 20

    15/8/2011፡ ገጽ 10

    1/10/2008፡ ገጽ 4-5

    15/12/2003፡ ገጽ 5

ኢሳይያስ 7:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29፣ 16:8, 9፣ ኢሳ 8:3, 4፣ 17:1

ኢሳይያስ 7:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:13, 14፣ 2ዜና 28:19, 20፣ ኢሳ 36:1
  • +1ነገ 12:20

ኢሳይያስ 7:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባታትን።”

ኢሳይያስ 7:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኤፍራጥስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:7

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 7:12ነገ 16:1, 2
ኢሳ. 7:12ነገ 15:37፣ 2ዜና 28:6
ኢሳ. 7:12ነገ 16:5
ኢሳ. 7:3ኢሳ 8:18
ኢሳ. 7:32ነገ 18:17
ኢሳ. 7:42ነገ 15:30፣ ኢሳ 8:6, 7
ኢሳ. 7:62ነገ 16:5
ኢሳ. 7:82ነገ 17:6፣ ሆሴ 1:6
ኢሳ. 7:91ነገ 16:23, 24
ኢሳ. 7:92ነገ 15:27
ኢሳ. 7:11መሳ 6:36, 37፣ ኢሳ 37:30፣ 38:7, 8
ኢሳ. 7:132ዜና 36:15, 16
ኢሳ. 7:14ኢሳ 9:6፣ ዮሃ 1:14፣ 1ጢሞ 3:16
ኢሳ. 7:14ማቴ 1:23፣ ሉቃ 1:30-35
ኢሳ. 7:162ነገ 15:29፣ 16:8, 9፣ ኢሳ 8:3, 4፣ 17:1
ኢሳ. 7:172ነገ 18:13, 14፣ 2ዜና 28:19, 20፣ ኢሳ 36:1
ኢሳ. 7:171ነገ 12:20
ኢሳ. 7:202ነገ 16:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 7:1-25

ኢሳይያስ

7 ብዘመን ኣሓዝ+ ወዲ ዮታም ወዲ ዑዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ፣ ኪሕዛ ግና ኣይከኣለን።*+ 2 ንቤት ዳዊት ከኣ፡ “ሶርያ ሓይልታቱ ምስ ኤፍሬም ኣሕቢሩ” ዚብል ወረ ተነግሮ።

ከምቲ ብንፋስ ዚናወጽ ኣእዋም ዱር ከኣ፡ ልቢ ኣሓዝን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ።

3 ሽዑ፡ የሆዋ ንኢሳይያስ ከምዚ በሎ፦ “በጃኻ ንስኻ ምስ ወድኻ ሸኣር-ያሹብ፡*+ ንኣሓዝ ክትረኽቦ ውጻእ፣ ኣብ ወሰን መትረብ እቲ ጥቓ ጐደና ግራት ሓጻባይ ዘሎ ላዕለዋይ ሓጽቢ+ ኣሎ። 4 ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፡ ህዳእ። በዞም ክልተ ቝራጽ ዚተክኽ እያድ፡ ብነዳዲ ቝጥዓ ረጺንን ሶርያን ወዲ ረማልያን+ ኣይትፍራህ፡ ልብኻ እውን ኣይጃጁ። 5 ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ኪጐድኡኻ ውዲት ኣሊሞምሲ፡ 6 “ኣንጻር ይሁዳ ንደይብ እሞ ነዕንዋን* ንስዓራን፣* ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብኣ ነንግሶ” ይብሉ ኣለዉ።+

 7 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ኣይኪሰልጥን፡

ኣይኪኸውንን እውን እዩ።

 8 ርእሲ ሶርያስ ደማስቆ፡

ርእሲ ደማስቆ ድማ ረጺን እዩ።

ኣብ ውሽጢ 65 ዓመት ከኣ፡

ኤፍሬም ጠሪሱ ኺሕምሸሽ፡ ከም ህዝቢ እውን ኣይኪኸውንን እዩ።+

 9 ርእሲ ኤፍሬምሲ ሰማርያ፡+

ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ።+

ብጽኑዕ እንተ ዘይኣሚንኩም፡

ኣይክትጸንዑን ኢኹም።”’”

10 የሆዋ ኸኣ ቀጺሉ ንኣሓዝ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 11 “ካብ የሆዋ ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፣+ ከም መቓብር* ዓሚቝ፡ ወይ ከም ሰማይ ልዑል ኪኸውን ይኽእል እዩ።” 12 ኣሓዝ ግና፡ “ኣይልምንን፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣይፍትኖን እየ” በለ።

13 ሽዑ፡ ኢሳይያስ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ቤት ዳዊት፡ በጃኹም ስምዑ። ትዕግስቲ ሰብ ምፍታንኩም ከይኣኽለኩምሲ፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ እውንዶ ኽትፍትኑ ኢኹም፧+ 14 ስለዚ፡ የሆዋ ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፦ እንሆ፡ ጓል ክትጠንስ፡ ወዲ እውን ክትወልድ እያ፣+ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል*+ ክትሰምዮ እያ። 15 ክፉእ ምእባይን ጽቡቕ ምሕራይን ኣብ ዚፈልጠሉ ግዜ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ። 16 እቲ ቘልዓ፡ ክፉእ ምእባይን ጽቡቕ ምሕራይን ቅድሚ ምፍላጡስ፡ ምድሪ እቶም ዜርዕዱኻ ኽልተ ነገስታት ጠሪሳ ኽትሕደግ እያ።+ 17 የሆዋ ንንጉስ ኣሶር ኬምጽኦ እዩ እሞ፡+ ካብታ ኤፍሬም ካብ ይሁዳ እተፈልየላ መዓልቲ ኣትሒዙ+ ኸምኡ ዝበለ መጺኡ ዘይፈልጥ ግዜ ኣንጻርካን ኣንጻር ህዝብኻን ኣንጻር ቤት ኣቦኻን ኬምጽእ እዩ።

18 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣብ ወሰን ወሓይዝ ኒል ግብጺ ንዘለዉ ጽንጽያታትን ኣብ ምድሪ ኣሶር ንዘለዉ ኣናህብን ኬፋጽየሎም እዩ፣ 19 ንሳቶም ድማ ኵላቶም ኪመጹ እሞ፡ ኣብ ኣጻድፍ ስንጭሮታትን* ኣብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ኣብ ኵሉ ማይ ዚሰቲ ቦታታትን ኪሰፍሩ እዮም።

20 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በቲ ኻብ ዞባ እቲ ፈለግ* እተኻረዮ መላጸ፡ ማለት ብንጉስ ኣሶር፡+ ንርእስን ንጸጕሪ እግርን ኪላጺ እዩ፣ ንጭሕሚ እውን ኪሰድዶ እዩ።

21 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ካብ ከብቲ ሓንቲ ኣርሕን ክልተ በጊዕን ብህይወት ኬጽንሕ እዩ። 22 ካብ ብዝሒ ጸባ እተላዕለ ድማ፡ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ፣ ኣብታ ምድሪ ዚተርፍ ኵሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ።

23 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ 1,000 ብሩር ዝዋጋኡ 1,000 ተኽሊ ወይኒ ኣብ ዝነበሮ ዘበለ ዅሉ፡ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ጥራይ ኪኸውን እዩ። 24 ኵላ እታ ምድሪ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ክትከውን እያ እሞ፡ ሰባት፡ ቀስትን ፍላጻን ሒዞም ናብኣ ኪኸዱ እዮም። 25 ኵሉ እቲ ብጭዃሮ ዚጸሪ ዝነበረ ኣኽራን ከኣ፡ ካብ ፍርሂ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን እተላዕለ ጥቓኡ ኣይክትከይድን ኢኻ፣ ኣብዑር ዚበልዑሉን ኣባጊዕ ዚረግጽዎን ኪኸውን እዩ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ