ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ሞት ኣብያ (1)

      • ኣሳ፡ ንጉስ ይሁዳ (2-8)

      • ኣሳ ን1,000,000 ኢትዮጵያውያን ሰዓሮም (9-15)

2 ዜና መዋእል 14:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:9

2 ዜና መዋእል 14:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:5
  • +ዘጸ 23:24
  • +1ነገ 14:22, 23፣ 2ነገ 18:1, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2009፡ ገጽ 12

2 ዜና መዋእል 14:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 34:1, 4

2 ዜና መዋእል 14:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 15:15፣ ምሳ 16:7
  • +2ዜና 11:5

2 ዜና መዋእል 14:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:2, 5
  • +መዝ 127:1

2 ዜና መዋእል 14:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀስቲ ዚረግጹን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:1, 12፣ 13:3

2 ዜና መዋእል 14:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:8
  • +እያ 15:20, 44፣ 2ዜና 11:5, 8

2 ዜና መዋእል 14:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣባኻ ተመርኲስና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 14:10፣ 1ዜና 5:20፣ 2ዜና 32:20
  • +መሳ 7:7፣ 1ሳሙ 14:6
  • +2ዜና 13:12፣ 32:7, 8
  • +1ሳሙ 17:45፣ መዝ 20:5፣ ምሳ 18:10
  • +እያ 7:9፣ መዝ 9:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2012፡ ገጽ 8-9

2 ዜና መዋእል 14:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:7

2 ዜና መዋእል 14:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 20:1

ሓፈሻዊ

2 ዜና 14:12ሳሙ 5:9
2 ዜና 14:3ዘዳ 7:5
2 ዜና 14:3ዘጸ 23:24
2 ዜና 14:31ነገ 14:22, 23፣ 2ነገ 18:1, 4
2 ዜና 14:52ዜና 34:1, 4
2 ዜና 14:62ዜና 15:15፣ ምሳ 16:7
2 ዜና 14:62ዜና 11:5
2 ዜና 14:72ዜና 32:2, 5
2 ዜና 14:7መዝ 127:1
2 ዜና 14:82ዜና 11:1, 12፣ 13:3
2 ዜና 14:92ዜና 16:8
2 ዜና 14:9እያ 15:20, 44፣ 2ዜና 11:5, 8
2 ዜና 14:11ዘጸ 14:10፣ 1ዜና 5:20፣ 2ዜና 32:20
2 ዜና 14:11መሳ 7:7፣ 1ሳሙ 14:6
2 ዜና 14:112ዜና 13:12፣ 32:7, 8
2 ዜና 14:111ሳሙ 17:45፣ መዝ 20:5፣ ምሳ 18:10
2 ዜና 14:11እያ 7:9፣ መዝ 9:19
2 ዜና 14:12ዘዳ 28:7
2 ዜና 14:13ዘፍ 20:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 14:1-15

2 ዜና መዋእል

14 ኣብያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ እውን ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ብዘመኑ ድማ እታ ምድሪ ዓሰርተ ዓመት ዓረፈት።

2 ኣሳ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ገበረ። 3 ናይ ጓኖት መሰውኢታትን+ በረኽትን ኣወገደ፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበረ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* እውን ቈረጸ።+ 4 ንይሁዳ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎ፡ ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኪሕልዉ ነገሮም። 5 ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ድማ በረኽትን መሰውኢ ዕጣንን ኣወገደ፣+ እታ መንግስቲ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ሃዲኣ ነበረት። 6 የሆዋ ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፡+ እታ ምድሪ ሃዲኣ ነበረት፡ በተን ዓመታት እቲአን እውን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ እተዓርዳ ኸተማታት ሰርሐ።+ 7 ንይሁዳ ኸኣ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽና ስለ ዝደለናዮስ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜና ኣላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚአን ንስርሓየን ብመካበብያን ብግምብታትን+ ብመዓጹን ብተገዳማትን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና፡ ንሱ እውን ኣብ ዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና ኣሎ” በሎም። ስለዚ፡ ህንጸቶም ዕዉት ነበረ።+

8 ኣሳ ድማ ካብ ይሁዳ ዓበይቲ ዋላቱን ሕላሳትን እተዓጥቁ 300,000 ሰራዊት ነበርዎ። ካብ ብንያም እውን ንኣሽቱ ዋላቱ* ዚጾሩን ቀስቲ እተዓጥቁን* 280,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ።+

9 ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ 1,000,000 ሰራዊትን 300 ሰረገላን ሒዙ ኣንጻሮም መጸ።+ ናብ ማረሻ ምስ በጽሐ፡+ 10 ኣሳ ኣንጻሩ ወጸ፡ ኣብ ስንጭሮ ጸፋታ ኣብ ማረሻ ድማ ንውግእ ተሰለፉ። 11 ኣሳ ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፦+ “ኦ የሆዋ፡ እቶም እትረድኦም ብዙሓት ይኹኑ ወይ ሓይሊ ዘይብሎም ይኹኑ ዜገድሰካ ኣይኰነን።+ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብኣኻ ተኣሚንና፡*+ ብስምካ ኸኣ ኣንጻር እዚ ህዝቢ እዚ መጺእና ኣለና እሞ፡+ ርድኣና። ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና። መዋቲ ሰብ ኪስዕረካ ኣይትሕደግ።”+

12 የሆዋ ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ሃደሙ።+ 13 ኣሳን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ድማ ክሳብ ጌራር+ ሰጐጕዎም፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ብየሆዋን ብሰራዊቱን ስለ እተሓምሸሹ፡ ካባታቶም ብህይወት ዚተርፍ ክሳዕ ዚስኣን ወደቑ። ድሕሪኡ፡ ንሳቶም ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ማረኹ። 14 ኣብ ዙርያ ጌራር ንዘለዋ ዅለን ከተማታት እውን ወቕዕወን፣ ራዕዲ የሆዋስ ኣባታቶም ኰይኑ ነበረ፣ ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ዚዝመት ነበረ እሞ፡ ንዅለን እተን ከተማታት ዘመትወን። 15 ድንኳናት እቶም ሰብ ማል ድማ ኣፍረሱ፣ ብዙሓት መጓሰን ኣግማልን ማሪኾም ከኣ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ