ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ካህናት ቅዱሳትን ዘይረኸሱን ይኹኑ (1-9)

      • ሊቀ ኻህናት ኣይርከስ (10-15)

      • ካህናት ኣካላዊ ጕድለት ኣይሃልዎም (16-24)

ዘሌዋውያን 21:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 19:14

ዘሌዋውያን 21:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 14:1
  • +ዘሌ 19:27, 28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2021፡ ገጽ 3

ዘሌዋውያን 21:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንመስዋእቲ የመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:44
  • +ዘሌ 18:21፣ 19:12፣ 22:32
  • +ኢሳ 52:11፣ 1ጴጥ 1:15, 16

ዘሌዋውያን 21:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:29
  • +ዘዳ 24:1፣ ህዝ 44:22

ዘሌዋውያን 21:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:41
  • +ዘጸ 28:36፣ ዘሌ 11:45፣ 20:7, 8

ዘሌዋውያን 21:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:14

ዘሌዋውያን 21:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ እተመልአ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:12
  • +ዘጸ 28:2፣ 29:29፣ ዘሌ 16:32
  • +ዘፍ 37:34፣ ዘሌ 10:6

ዘሌዋውያን 21:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝዀነት ምውትቲ ነፍሲ።” እታ ኣብዚ ዘላ ነፈሽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ንምዉት ተመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 6:7፣ 19:11, 14

ዘሌዋውያን 21:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:12
  • +ዘሌ 10:7

ዘሌዋውያን 21:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 44:22

ዘሌዋውያን 21:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 9:2

ዘሌዋውያን 21:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጭንዳሕ ዝኣፍንጫኡ።”

ዘሌዋውያን 21:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምሱን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 23:1

ዘሌዋውያን 21:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 2:10፣ 6:14, 16፣ 24:8, 9፣ ዘሁ 18:9
  • +ዘሌ 22:10፣ ዘሁ 18:19

ዘሌዋውያን 21:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:6
  • +ዘጸ 38:1
  • +ዘጸ 28:41
  • +ዘጸ 25:8

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 21:1ዘሁ 19:14
ዘሌ. 21:5ዘዳ 14:1
ዘሌ. 21:5ዘሌ 19:27, 28
ዘሌ. 21:6ዘጸ 29:44
ዘሌ. 21:6ዘሌ 18:21፣ 19:12፣ 22:32
ዘሌ. 21:6ኢሳ 52:11፣ 1ጴጥ 1:15, 16
ዘሌ. 21:7ዘሌ 19:29
ዘሌ. 21:7ዘዳ 24:1፣ ህዝ 44:22
ዘሌ. 21:8ዘጸ 28:41
ዘሌ. 21:8ዘጸ 28:36፣ ዘሌ 11:45፣ 20:7, 8
ዘሌ. 21:9ዘሌ 20:14
ዘሌ. 21:10ዘሌ 8:12
ዘሌ. 21:10ዘጸ 28:2፣ 29:29፣ ዘሌ 16:32
ዘሌ. 21:10ዘፍ 37:34፣ ዘሌ 10:6
ዘሌ. 21:11ዘሁ 6:7፣ 19:11, 14
ዘሌ. 21:12ዘሌ 8:12
ዘሌ. 21:12ዘሌ 10:7
ዘሌ. 21:13ህዝ 44:22
ዘሌ. 21:15እዝ 9:2
ዘሌ. 21:20ዘዳ 23:1
ዘሌ. 21:22ዘሌ 2:10፣ 6:14, 16፣ 24:8, 9፣ ዘሁ 18:9
ዘሌ. 21:22ዘሌ 22:10፣ ዘሁ 18:19
ዘሌ. 21:23ዘጸ 30:6
ዘሌ. 21:23ዘጸ 38:1
ዘሌ. 21:23ዘጸ 28:41
ዘሌ. 21:23ዘጸ 25:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 21:1-24

ዘሌዋውያን

21 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሓደ እኳ ኻብ ህዝቡ ብምዉት ሰብ* ኣይርከስ።+ 2 ግናኸ፡ ቀረባ ዘመዱ፡ ኣዲኡ፡ ኣቦኡ፡ ወዱ፡ ጓሉ፡ ሓዉ እንተ ዀይኑ ኸምኡ ኺገብር ይኽእል እዩ። 3 እትቐርቦ ድንግልን ዘይተመርዓወትን ሓብቱ እንተ ዀይና ኸኣ ብእኣ ኪረክስ ይኽእል እዩ። 4 ሓደ ኻብ ህዝቡ ብዘእተዋ ሰበይቲ ኣይርከስ፡ ርእሱ ድማ ኣየሕስር። 5 ርእሶም ኣይምለጡ፡+ ወይ ወሰን ጭሕሞም ኣይላጽዩ፡ ወይ ስጋኦም ኣይብጥሑ።+ 6 ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡+ ስም ኣምላኾም ከኣ ኣየርክሱ፣+ ከመይሲ፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሆዋ፡ ማለት እንጌራ* ኣምላኾም የቕርቡ እዮም፣ ቅዱሳት እውን ይኹኑ።+ 7 ኣመንዝራ፡+ ዝነወረት፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሐት ሰበይቲ+ ኣይመርዓዉ፣ ከመይሲ፡ ካህን ንኣምላኹ ቕዱስ እዩ። 8 ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ቀድሶ።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ቕዱስ ይኹነልኩም።+

9 “‘ጓል ካህን ብምንዝርና ርእሳ እንተ ኣርኪሳ፡ ንኣቦኣ ኣርኪሳቶ እያ። ብሓዊ ትንደድ።+

10 “‘እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት ዝፈሰሶ፡+ ክዳውንቲ ኽህነት ምእንቲ ኪኽደን እተሸመ፡*+ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ፡ ርእሱ ኣየወንጭር፡ ወይ ክዳኑ ኣይቕደድ።+ 11 ናብ ዝዀነ ምዉት ሰብ* ኣይቕረብ።+ ብኣቦኡ ወይ ብኣዲኡ እውን ኣይርከስ። 12 ምልክት ተወፋይነት፡ ማለት ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ+ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ ንመቕደስ ኣምላኹ ድማ ኣየርክሶ።+ ኣነ የሆዋ እየ።

13 “‘ድንግል ሰበይቲ የእቱ።+ 14 ካብ ህዝቡ ድንግል ዝዀነት ሰበይቲ የእቱ እምበር፡ መበለት፡ ፍትሕቲ፡ ዝነወረት፡ ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። 15 ዝቕድሶ ኣነ የሆዋ እየ እሞ፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ዘርኡ ኣየርክስ።’”+

16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 17 “ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ ‘ካብ ዘርእኻ ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ሰብ ንውሉድ ወለዶኡ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 18 ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ኣይቕረብ፣ ማለት ዕዉር፡ ወይ ሓንካስ፡ ወይ ቅርጺ ገጹ እተበላሸወ፡* ወይ ሓደ ኻብ መሓውሩ ሓለፋ ዘለዎ፡ 19 ወይ ስቡር እግሪ፡ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡ 20 ወይ መንዳዕ፡ ወይ ድንኪ፡* ወይ ዓይኑ ዝሓበለ፡ ወይ መበላይ ዘለዎ፡ ወይ ተውሳስ ዘለዎ፡ ወይ ፍረ ነፍሱ እተጐድአ+ ኣይቕረብ። 21 ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ዝዀነ ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ሰብኣይ፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሆዋ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 22 እንጌራ ኣምላኹ ኻብ ቅዱስ ቅዱሳንን+ ካብቲ ቕዱስን ኪበልዕ ይኽእል እዩ።+ 23 ጕድለት ስለ ዘለዎ ግና፡ ናብ ጥቓ እቲ መጋረጃ+ ኣይቕረብ፡ ናብቲ መሰውኢ+ ኸኣ ኣይቕረብ። ዝቕድሶም ኣነ የሆዋ እየ እሞ፡+ ንመቕደሰይ ኣየርክሶ።’”+

24 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ተዛረቦም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ