ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1, 2)

      • ብዛዕባ ጽገና እታ ቤተ መቕደስ እተዋህበ መምርሒ (3-7)

      • መጽሓፍ ሕጊ ተረኽበት (8-13)

      • ሑልዳ እተነበየቶ ናይ መዓት ትንቢት (14-20)

2 ነገስት 22:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 13:2፣ ኤር 1:2፣ ጸፎ 1:1
  • +2ዜና 34:1, 2
  • +እያ 15:20, 39

2 ነገስት 22:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:5

2 ነገስት 22:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 34:8

2 ነገስት 22:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 6:13
  • +2ነገ 12:4, 5, 9፣ 2ዜና 24:8፣ 34:9

2 ነገስት 22:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነቓዓት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:11, 12፣ 2ዜና 34:10

2 ነገስት 22:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 34:11

2 ነገስት 22:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:15፣ 2ዜና 34:12

2 ነገስት 22:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:3
  • +ዘዳ 31:24-26
  • +2ዜና 34:14, 15

2 ነገስት 22:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 34:16-18

2 ነገስት 22:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:9

2 ነገስት 22:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 34:19-21፣ ዮኤ 2:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2000፡ ገጽ 30

2 ነገስት 22:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:22፣ ኤር 26:24

2 ነገስት 22:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:24፣ 29:27፣ 31:17

2 ነገስት 22:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:20፣ መሳ 4:4፣ ነህ 6:14፣ ሉቃ 2:36፣ ግብ 21:8, 9
  • +2ዜና 34:22-28

2 ነገስት 22:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:8

2 ነገስት 22:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:8
  • +ዘጸ 20:3፣ ዘዳ 32:17፣ መሳ 2:12፣ ኤር 2:11
  • +ዘዳ 32:22፣ ኢሳ 33:14፣ ኤር 7:20፣ ህዝ 20:48

2 ነገስት 22:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:29፣ ያእ 4:6
  • +2ነገ 22:11

2 ነገስት 22:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2000፡ ገጽ 30

    15/9/2000፡ ገጽ 30

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 22:11ነገ 13:2፣ ኤር 1:2፣ ጸፎ 1:1
2 ነገ. 22:12ዜና 34:1, 2
2 ነገ. 22:1እያ 15:20, 39
2 ነገ. 22:21ነገ 15:5
2 ነገ. 22:32ዜና 34:8
2 ነገ. 22:41ዜና 6:13
2 ነገ. 22:42ነገ 12:4, 5, 9፣ 2ዜና 24:8፣ 34:9
2 ነገ. 22:52ነገ 12:11, 12፣ 2ዜና 34:10
2 ነገ. 22:62ዜና 34:11
2 ነገ. 22:72ነገ 12:15፣ 2ዜና 34:12
2 ነገ. 22:82ነገ 22:3
2 ነገ. 22:8ዘዳ 31:24-26
2 ነገ. 22:82ዜና 34:14, 15
2 ነገ. 22:92ዜና 34:16-18
2 ነገ. 22:10ዘዳ 31:9
2 ነገ. 22:112ዜና 34:19-21፣ ዮኤ 2:13
2 ነገ. 22:122ነገ 25:22፣ ኤር 26:24
2 ነገ. 22:13ዘዳ 4:24፣ 29:27፣ 31:17
2 ነገ. 22:14ዘጸ 15:20፣ መሳ 4:4፣ ነህ 6:14፣ ሉቃ 2:36፣ ግብ 21:8, 9
2 ነገ. 22:142ዜና 34:22-28
2 ነገ. 22:162ነገ 22:8
2 ነገ. 22:17ኢሳ 2:8
2 ነገ. 22:17ዘጸ 20:3፣ ዘዳ 32:17፣ መሳ 2:12፣ ኤር 2:11
2 ነገ. 22:17ዘዳ 32:22፣ ኢሳ 33:14፣ ኤር 7:20፣ ህዝ 20:48
2 ነገ. 22:191ነገ 21:29፣ ያእ 4:6
2 ነገ. 22:192ነገ 22:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 22:1-20

2 ነገስት

22 ዮስያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 31 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ የዲዳ እዩ፣ ንሳ ጓል ዓዳያ ብዓል ቦጽቃት+ እያ። 2 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብዅሉ መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ተመላለሰ፣+ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን።

3 ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ ዮስያስ፡ ንጉስ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹላም፡ ናብ ቤት የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾ፦+ 4 “ናብ ሒልቅያ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ደይብ፣ ንሱ ድማ ነቲ እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ ናብ ቤት የሆዋ ዝኣተወ ገንዘብ ይኣክቦ።+ 5 ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ይሃብዎም፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ንፍራሳት* እታ ቤት ንምጽጋን ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ዓየይቲ፡+ 6 ማለት ንኢደ ጥበበኛታትን ንሃነጽትን ንነደቕትን ይሃብዎም፣ ንሳቶም ድማ ብእኡ ነታ ቤት ንምጽጋን ዚኸውን ኣዕጫውን ውቑር ኣእማንን ይዓድጉ።+ 7 እሙናት ስለ ዝዀኑ ግና፡ ነቲ እተዋህቦም ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።”+

8 ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡+ “ኣብ ቤት የሆዋ መጽሓፍ ሕጊ+ ረኺበ” በሎ። ሒልቅያ ድማ፡ እታ መጽሓፍ ንሻፋን ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ኣንበባ።+ 9 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ከይዱ፡ “ገላዉኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦምዎ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ሂቦምዎም” ኢሉ ነገሮ።+ 10 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ “ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጽሓፍ+ ሂቡኒ” ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበባ።

11 ንጉስ ነቲ ቓላት እታ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ 12 ንጉስ ድማ ንኻህን ሒልቅያን ንኣሒቃም+ ወዲ ሻፋንን ንዓኽቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ እቲ ጊልያ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 13 “ኣቦታትና ንቓላት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸምቲ ዅሉ ብዛዕባና እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ነድሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኬድኩም ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እተረኽበት መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እዚ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንየሆዋ ሕተትዎ።”

14 ሽዑ፡ ካህን ሒልቅያን ኣሒቃምን ዓኽቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ ኸዱ።+ ንሳ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቲቅዋ ወዲ ሓርሓስ፡ እቲ ሓላው ክዳውንቲ እያ፣ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፋል የሩሳሌም ድማ ትቕመጥ ነበረት። ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ተዛረብዋ።+ 15 ንሳ ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ከምዚ በልዎ፦ 16 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ ቓላት እታ መጽሓፍ፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን መዓት ከምጽእ እየ።+ 17 ብዅሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬዀርዩኒ፡+ ንዓይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይዓጥኑ ስለ ዘለዉ፡+ ነድረይ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ኺነድድ እዩ፡ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።’”+ 18 ነቲ ንየሆዋ ኽትሓትቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓላት፡ 19 እቲ ኣነ ኣንጻር እዛ ቦታ እዚኣን ነበርታን መሰክሕን መራገምን ኪዀኑ ምዃኖም እተዛረብክዎ ምስ ሰማዕካ፡ ልብኻ ስለ ዝለስለሰን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ትሕት ስለ ዝበልካን+ ክዳውንትኻ ቐዲድካ+ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻን፡ ኣነ እውን ሰሚዐካ ኣለኹ፡ ይብል የሆዋ። 20 ስለዚ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፣* ኣብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣዒንትኻ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ መዓት ኣይኪርእያን እየን።’”’” ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምላሽ ኣምጽኡሉ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ