ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ኣሮን መስዋእቲ ኣቕረበ (1-24)

ዘሌዋውያን 9:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:35

ዘሌዋውያን 9:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:3

ዘሌዋውያን 9:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ዘሌዋውያን 9:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:1
  • +ዘሌ 2:4፣ 6:14
  • +ዘጸ 29:43

ዘሌዋውያን 9:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 16:10፣ 24:16፣ 40:34

ዘሌዋውያን 9:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:3
  • +እብ 7:27
  • +እብ 5:1-3
  • +ዘሌ 16:33

ዘሌዋውያን 9:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:3, 4

ዘሌዋውያን 9:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 9:22
  • +ዘሌ 4:7፣ 8:14, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2004፡ ገጽ 22

ዘሌዋውያን 9:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:8-10

ዘሌዋውያን 9:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:11, 12፣ እብ 13:11

ዘሌዋውያን 9:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:5

ዘሌዋውያን 9:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:3፣ 6:9

ዘሌዋውያን 9:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:39
  • +ዘሌ 2:1, 11, 13

ዘሌዋውያን 9:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:1, 2

ዘሌዋውያን 9:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ቛንጡጥን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:3, 4
  • +ዘሌ 3:9, 10

ዘሌዋውያን 9:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 7:29-31

ዘሌዋውያን 9:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:27, 28

ዘሌዋውያን 9:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 6:23-27፣ ዘዳ 10:8፣ 21:5፣ 1ዜና 23:13

ዘሌዋውያን 9:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 6:18፣ 2ዜና 6:3
  • +ዘሌ 9:6

ዘሌዋውያን 9:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:21፣ 1ዜና 21:26
  • +1ነገ 18:38, 39፣ 2ዜና 7:1, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2020፡ ገጽ 6

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 9:1ዘሌ 8:35
ዘሌ. 9:2ዘሌ 4:3
ዘሌ. 9:4ዘሌ 3:1
ዘሌ. 9:4ዘሌ 2:4፣ 6:14
ዘሌ. 9:4ዘጸ 29:43
ዘሌ. 9:6ዘጸ 16:10፣ 24:16፣ 40:34
ዘሌ. 9:7ዘሌ 4:3
ዘሌ. 9:7እብ 7:27
ዘሌ. 9:7እብ 5:1-3
ዘሌ. 9:7ዘሌ 16:33
ዘሌ. 9:8ዘሌ 4:3, 4
ዘሌ. 9:9እብ 9:22
ዘሌ. 9:9ዘሌ 4:7፣ 8:14, 15
ዘሌ. 9:10ዘሌ 4:8-10
ዘሌ. 9:11ዘሌ 4:11, 12፣ እብ 13:11
ዘሌ. 9:12ዘሌ 1:5
ዘሌ. 9:16ዘሌ 1:3፣ 6:9
ዘሌ. 9:17ዘጸ 29:39
ዘሌ. 9:17ዘሌ 2:1, 11, 13
ዘሌ. 9:18ዘሌ 3:1, 2
ዘሌ. 9:19ዘሌ 3:3, 4
ዘሌ. 9:19ዘሌ 3:9, 10
ዘሌ. 9:20ዘሌ 7:29-31
ዘሌ. 9:21ዘጸ 29:27, 28
ዘሌ. 9:22ዘሁ 6:23-27፣ ዘዳ 10:8፣ 21:5፣ 1ዜና 23:13
ዘሌ. 9:232ሳሙ 6:18፣ 2ዜና 6:3
ዘሌ. 9:23ዘሌ 9:6
ዘሌ. 9:24መሳ 6:21፣ 1ዜና 21:26
ዘሌ. 9:241ነገ 18:38, 39፣ 2ዜና 7:1, 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 9:1-24

ዘሌዋውያን

9 ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡+ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም። 2 ንኣሮን ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡+ ሓደ ጥዑይ ንእሽቶ ምራኽ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ፡ ሓደ ጥዑይ ድዑል ወሲድካ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕርቦም። 3 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ጥዑይ ወጠጦ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓሓደ ዓመት ዝገበሩ ሓደ ጥዑይ ምራኽን ሓደ ጥዑይ ገንሸልን* ውሰዱ፣ 4 መስዋእቲ ሕብረት+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምስዋእ ከኣ ሓደ ብዕራይን ሓደ ድዑልን፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ውሰዱ፣ ከመይሲ፡ ሎሚ የሆዋ ኺርኣየኩም እዩ።’”+

5 እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ወሰዱ። ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ቀሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በለ። 6 ሙሴ ኸኣ፡ “ክብሪ የሆዋ ምእንቲ ኺርኣየኩም፡ እቲ የሆዋ ኽትገብርዎ ዝኣዘዘኩም እዚ እዩ” በለ።+ 7 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ናብቲ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን+ ዚሓርር መስዋእትኻን ኣቕርብ እሞ፡ ንርእስኻን ንቤትካን ኣተዓርቕ፣+ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ እውን፡ መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕርብ እሞ፡+ ኣተዓርቆም”+ በሎ።

8 ብኡብኡ፡ ኣሮን ናብቲ መሰውኢ ቐረበ እሞ፡ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ምራኽ ሓረዶ።+ 9 ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም+ ኣቕረቡሉ፣ ንሱ ድማ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፡ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ለኸየ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ድማ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ።+ 10 ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኰላሊትን ስብሒ ጸላም ከብድን ከኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።+ 11 ነቲ ስጋን ነቲ ቘርበትን ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።+

12 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ።+ 13 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ በብብልዕቱ ምስ ርእሱ ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። 14 ነቲ ኣምዑትን ነቲ ኣእጋርን ሓጺቡ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።

15 መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረበ እሞ፡ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ወጠጦ ወሲዱ ሓረዶ፣ ከምቲ ቐዳማይ ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ገበሮ። 16 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣምጺኡ ድማ ከምቲ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ።+

17 ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ንግሆ+ ኸኣ፡ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕረበ፣+ ካብኡ ብኢዱ ዓሚኹ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።

18 ነቶም ምእንቲ እቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሕብረት ዚዀኑ ብዕራይን ድዑልን ድማ ሓረዶም። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ።+ 19 ንስብሕታት እቲ ብዕራይን+ ንዀልኰል እቲ ድዑልን ነቲ ንናውቲ ኸብዲ ዜጐልብብ ስብሕን* ነቲ ዀላሊትን ንስብሒ ጸላም ከብድን ከኣ፡+ 20 ኰታስ ንዅሉ እዚ ስብሕታት እዚ ኣብ ልዕሊ ሓኸለታት ገበርዎ፣ ንሱ ድማ ነቲ ስብሕታት ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።+ 21 ኣሮን ከኣ ነቲ ሓኸለታትን ነታ የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ወዝወዞ።+

22 ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ መረቖም፣+ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ምስ ሰውአ ኸኣ ወረደ። 23 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተዉ፣ ወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ መረቕዎ።+

ክብሪ የሆዋ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ፣+ 24 ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ኸኣ፡+ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም እውን ተደፍኡ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ