መክብብ
10 ከምቲ ምዉት ጽንጽያ ንቕብኢ ገባር ሽቱ ዜጭንዎን ዜዕፍሮን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ድማ ንጥበብን ንኽብርን ይዕብልሎ።+
2 ንጥበበኛስ ልቡ ብቕኑዕ መገዲ ይመርሖ፣* ንዓሻ ግና ልቡ ብግጉይ መገዲ ይመርሖ።*+ 3 ዓሻ ብዝዀነ ይኹን መገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ልቢ የብሉን፣+ ዓሻ ምዃኑ ድማ ንዅሉ የፍልጥ።+
4 ቍጥዓ* ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ነዲዱ፡ ህድኣት ንዓብዪ ሓጢኣት ተህድእ እያ እሞ፡+ ቦታኻ ኣይትሕደግ።+
5 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ ዜጨንቕ ነገር፡ በቶም ስልጣን ዘለዎም ዚግበር ጌጋ ኣሎ፦+ 6 ዕሽነት ኣብ ሓያሎ ልዑል ቦታታት ተቐሚጡ ኣሎ፣ ሃብታማት* ግና ኣብ ትሑት ቦታታት ይነብሩ።
7 ገላዉ ብኣፍራስ፡ መሳፍንቲ ግና ከም ገላዉ ብእግሮም ኪኸዱ ኸለዉ ረኣኹ።+
8 ጕድጓድ ዚዅዕት፡ ኣብኣ ይወድቕ፣+ መንደቕ ዜፍርስ ከኣ፡ ተመን ይነኽሶ።
9 ኣእማን ዚፍንቅል፡ ብእኡ ይጕዳእ፣ ዕንጨይቲ ዚፍልጽ ድማ፡ ብእኡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ።*
10 ንዋት ሓጺን እንተ ጐዲሙ እሞ ንብልሑ እንተ ዘይስሒልካዮ፡ ብዙሕ ሓይሊ ኸተውጽእ ኢኻ። ጥበብ ግና ኣሳልጦ ንምርካብ ትሕግዝ።
11 ተመን ከይተዓዘመ ኸሎ እንተ ነኸሰ፡ ክኢላ ዓዛሚ* ጥቕሚ የብሉን።
12 ቃላት ኣፍ ጥበበኛ ሞገስ የምጽእ፣+ ንዓሻ ግና ከናፍሩ የጥፍኦ።+ 13 ካብ ኣፉ ዚወጽእ ናይ መጀመርታ ቓላት፡ ዕሽነት እዩ፣+ ናይ መወዳእታ ቓላቱ ድማ፡ ዜጥፍእ ጽላለ እዩ። 14 ግናኸ፡ ዓሻ ብዙሕ ይዛረብ።+
ሰብሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣይፈልጥን እዩ፣ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዚመጽእ ደኣ መን ኪነግሮ ይኽእል፧+
15 ዓሻስ ናብ ከተማ ንምኻድ ከመይ ገይሩ መገዱ ኸም ዚረክብ እኳ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ።
16 ቈልዓ ዝንጉሳ፡ ኣንጊሆም ብብዝሒ ዚበልዑ ዝመሳፍንታ ምድሪ፡ ክንደይ ኰን መከረኛ እያ!+ 17 ወዲ ልዑላን ዝንጉሳ፡ ንስኽራን ዘይኰነስ፡ ንብርታዐ ኪዀኖም ብግቡእ ግዜ ዚበልዑ ዝመሳፍንታ ምድሪ፡ ክንደይ ኰን ሕጕስቲ እያ!+
18 ብሰሪ ብዙሕ ትህኪት፡ ኣግማል ናሕሲ ይዘጥጥ፣ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው፡ ቤት ተልሕዅ።+
19 እንጌራ ንሰሓቕ ይግበር፣ ወይኒ ድማ ንህይወት እተሐጕስ ይገብራ፣+ ገንዘብ ከኣ ዜድሊ ዘበለ ዅሉ የማልእ።+
20 ዑፍ* ንድምጽኻ* ኸተመሓላልፎ፡ ኣኽናፍ ዘለዋ ፍጥርቲ ድማ ዝበልካዮ ኽትደግም ትኽእል እያ እሞ፡ ብሓሳብካ* እኳ ንንጉስ ኣይትርገሞ፣+ ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ድማ ንሃብታም ኣይትርገሞ።