ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቕረቦ መጐተ (1-21)

      • ጳውሎስ ንሮማዊ ዜግነቱ ተጠቕመሉ (22-29)

      • እቲ ዋዕላ ተኣከበ (30)

ግብሪ ሃዋርያት 22:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ፊል 1:7

ግብሪ ሃዋርያት 22:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 21:39
  • +ግብ 26:4, 5
  • +ግብ 5:34
  • +ሮሜ 11:1
  • +ገላ 1:14፣ ፊል 3:4-6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1996፡ ገጽ 26-29

ግብሪ ሃዋርያት 22:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 8:3፣ 9:1, 2፣ 26:9-11፣ 1ጢሞ 1:12, 13

ግብሪ ሃዋርያት 22:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:3-8፣ 26:13-15

ግብሪ ሃዋርያት 22:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 26:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2012፡ ገጽ 28

ግብሪ ሃዋርያት 22:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:17, 18

ግብሪ ሃዋርያት 22:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 9:1፣ 15:8፣ ገላ 1:15, 16

ግብሪ ሃዋርያት 22:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 23:11፣ 26:16

ግብሪ ሃዋርያት 22:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:43
  • +1ቈረ 6:11፣ 1ዮሃ 1:7፣ ራእ 1:5

ግብሪ ሃዋርያት 22:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:26፣ ገላ 1:18

ግብሪ ሃዋርያት 22:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:28, 29

ግብሪ ሃዋርያት 22:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 8:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 17

ግብሪ ሃዋርያት 22:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:58፣ 8:1፣ 1ጢሞ 1:13, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 17

ግብሪ ሃዋርያት 22:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:15፣ 13:2፣ ሮሜ 1:5፣ 11:13፣ ገላ 2:7፣ 1ጢሞ 2:7

ግብሪ ሃዋርያት 22:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:13

ግብሪ ሃዋርያት 22:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2001፡ ገጽ 21-22

ግብሪ ሃዋርያት 22:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ፍርዲ ንዘይቀረበ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:37, 38፣ 23:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2015፡ ገጽ 12

    15/12/2001፡ ገጽ 22

ግብሪ ሃዋርያት 22:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 184

ግብሪ ሃዋርያት 22:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 25:16

ግብሪ ሃዋርያት 22:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:17, 18፣ ሉቃ 21:12

ሓፈሻዊ

ግብ. 22:1ፊል 1:7
ግብ. 22:3ግብ 21:39
ግብ. 22:3ግብ 26:4, 5
ግብ. 22:3ግብ 5:34
ግብ. 22:3ሮሜ 11:1
ግብ. 22:3ገላ 1:14፣ ፊል 3:4-6
ግብ. 22:4ግብ 8:3፣ 9:1, 2፣ 26:9-11፣ 1ጢሞ 1:12, 13
ግብ. 22:6ግብ 9:3-8፣ 26:13-15
ግብ. 22:10ግብ 26:16
ግብ. 22:13ግብ 9:17, 18
ግብ. 22:141ቈረ 9:1፣ 15:8፣ ገላ 1:15, 16
ግብ. 22:15ግብ 23:11፣ 26:16
ግብ. 22:16ግብ 10:43
ግብ. 22:161ቈረ 6:11፣ 1ዮሃ 1:7፣ ራእ 1:5
ግብ. 22:17ግብ 9:26፣ ገላ 1:18
ግብ. 22:18ግብ 9:28, 29
ግብ. 22:19ግብ 8:3
ግብ. 22:20ግብ 7:58፣ 8:1፣ 1ጢሞ 1:13, 15
ግብ. 22:21ግብ 9:15፣ 13:2፣ ሮሜ 1:5፣ 11:13፣ ገላ 2:7፣ 1ጢሞ 2:7
ግብ. 22:232ሳሙ 16:13
ግብ. 22:25ግብ 16:37, 38፣ 23:27
ግብ. 22:28ግብ 16:37
ግብ. 22:29ግብ 25:16
ግብ. 22:30ማቴ 10:17, 18፣ ሉቃ 21:12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 22:1-30

ግብሪ ሃዋርያት

22 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይን ኣቦታተይን፡ እዚ ሕጂ ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ።”+ 2 ንሳቶም ብቛንቋ እብራይስጢ ኺዛረቦም ምስ ሰምዕዎ፡ ብዝያዳ ጸጥ በሉ፣ ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ 3 “ኣነ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ+ እተወለድኩ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ብሕጊ ኣቦታት+ ኣብ እግሪ ገማልኤል+ ብጥንቃቐ እናሰልጠንኩ እተመሃርኩ ኣይሁዳዊ እየ፣+ ከምዚ ዅላትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ድማ፡ ንኣምላኽ ቀናእ ኰይነ።+ 4 ሰብኡትን ኣንስትን እናኣሰርኩን ናብ ቤት ማእስርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩን፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጒጐያ፣+ 5 ብዛዕባ እዚ ሊቀ ኻህናትን ኵላቶም ዓበይትን ኪምስክሩለይ ይኽእሉ እዮም። ካባታቶም ናብቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣሕዋት ዚበጽሓ ደብዳበታት ተቐቢለ፡ ምእንቲ ኪቕጽዑ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም እኸይድ ነይረ።

6 “ክኸይድ ከለኹ፡ ናብ ደማስቆ ኸኣ ምስ ቀረብኩ ግና፡ ኣጋ ቐትሪ ኣቢሉ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብ ዙርያይ በሪሁ፣+ 7 ናብ ምድሪ ድማ ወዲቐ፡ ‘ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧’ ዚብል ድምጺ እውን ሰሚዐ። 8 ኣነ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧’ ኢለ መሊሰ። ንሱ ድማ፡ ‘እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ እየ’ ኢሉኒ። 9 እቶም ምሳይ ዚጕዓዙ ዝነበሩ፡ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፣ ድምጺ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ግና ኣይሰምዑን። 10 ሽዑ፡ ‘ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧’ ኢለዮ። ጐይታ ድማ፡ ‘ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፣ እቲ ኽትገብሮ እተመደበልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺንገረካ እዩ’ ኢሉኒ።+ 11 ብድምቀት እቲ ብርሃን ክርኢ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ እናመርሑኒ ናብ ደማስቆ በጺሐ።

12 “ሃናንያ ዚብሃል ከም ሕጊ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ኣብኣ ብዚነብሩ ዅሎም ኣይሁድ ከኣ ጽቡቕ እተመስከረሉ ሰብኣይ፡ 13 ናባይ መጺኡ። ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ ኸኣ፡ ‘ሳውል ሓወይ፡ ርአ!’ ኢሉኒ። ሽዑ፡ ኣዒንተይ ኣልዒለ ርእየዮ።+ 14 ንሱ ድማ፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ክትርእዮን+ ድምጺ ኣፉ ኽትሰምዕን ሓርዩካ ኣሎ፣ 15 ብዛዕባ እቲ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ነገራትሲ፡ ንዅሎም ሰባት ምስክር ክትኰኖ ኢኻ።+ 16 ሕጂኸ ስለምንታይ እትድንጒ፧ ተንስእ፡ ተጠመቕ፡ ስሙ ጸዊዕካ+ ኸኣ ካብ ሓጢኣትካ ተሓጸብ’+ ኢሉኒ።

17 “ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ+ ኣብ ቤተ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸለኹ ኸኣ፡ ምስ ተመሰጥኩ፡ 18 ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ስለ ዘይቅበልዎ፡ ቀልጢፍካ ኻብ የሩሳሌም ውጻእ’ ኪብለኒ ኸሎ ርእየዮ።+ 19 ኣነ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ መምኵራብ እገርፎምን ከም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም፣+ 20 ደም እስጢፋኖስ እቲ ምስክርካ ኺፈስስ ከሎ ኸኣ፡ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎ እውን ሓልየ እየ’ ኢለዮ።+ 21 ንሱ ድማ፡ ‘ኣነ ናብ ርሑቕ ናብ ኣህዛብ ስለ ዝልእከካ፡ ኪድ ደኣ’ ኢሉኒ።”+

22 ክሳዕ እዚ ቓል እዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ “ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሓቕ!” በሉ። 23 ይጭድሩን ክዳውንቶም ይድርብዩን ሓመድ ናብ ላዕሊ ይብትኑን ስለ ዝነበሩ፡+ 24 እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ንጳውሎስ ዚጭድሩሉ ዝነበሩ ምኽንያት ብልክዕ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ንጳውሎስ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬእትውዎን ብመግረፍቲ ኺምርመርን ኣዘዘ። 25 ኪገርፍዎ ኢሎም ምስ ወጠርዎ ግና፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ንዘይተፈርዶ* ሮማዊ ሰብ ክትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧” በሎ።+ 26 እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ከይዱ፡ “እንታይ ኢኻ ኽትገብር ሓሲብካ፧ እዚ ሰብ እዚ ሮማዊ እዩ” ኢሉ ነገሮ። 27 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ቀሪቡ፡ “ሮማዊ ዲኻ፧ እስከ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እወ” በለ። 28 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ “ኣነ ነዚ መሰል ዜግነት እዚ ብብዙሕ ገንዘብ እየ ዓዲገዮ” ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ድማ፡ “ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ” በሎ።+

29 እቶም እናኣሳቐዩ ኺምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ ብኡብኡ ኻብኡ ኣልገሱ፣ እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ብሰንሰለት ስለ ዝኣሰሮ ፈርሀ።+

30 በቶም ኣይሁድ ስለምንታይ ከም እተኸስሰ ርግጽ ኪፈልጥ ደልዩ ድማ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ እሞ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዅሉ እቲ ዋዕላን ኪእከቡ ኣዘዞም። ንጳውሎስ ኣውሪዱ ድማ፡ ኣብ መንጎኦም ደው ኣበሎ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ