ናይ ዳዊት መዝሙር።
23 የሆዋ ጓሳይየይ እዩ።+
ዚጐድለኒ የብለይን።+
 2 ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ በጥ የብለኒ፣
ማይ ናብ ዝመልኦ መዕረፊ ይመርሓኒ።+
 3 የሐድሰኒ።+
ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገድታት ጽድቂ ይመርሓኒ።+
 4 ንስኻ ምሳይ ኢኻ፡+
በትርኻን ምርኩስካን ከኣ የጸናንዓኒ እዩ እሞ፡
ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ እኳ እንተ ኸድኩ፡+
ከይጕዳእ ኣይፈርህን እየ።+
 5 ንስኻ ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ መኣዲ ተዳልወለይ።+
ንርእሰይ ብዘይቲ ተረስርሶ፣+
ጽዋአይ ኣጸቢቓ ዝመልአት እያ።+
 6 ሕያውነትን ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ብርግጽ ኣብ ኵሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣+
ኣነ ድማ ኣብ ቤት የሆዋ ምሉእ ዕድመይ ክቕመጥ እየ።+