ዘካርያስ
9 ከቢድ መልእኽቲ፦
3 ጢሮስ ዕርዲ ገበረት።
ብሩር ከም ሓመድ፡
ወርቂ እውን ከም ጭቃ ጐደናታት ኰመረት።+
5 ኣሽቀሎን እዚ ርእያ ኽትፈርህ እያ፣
ጋዛ ድማ ብርቱዕ ስቓይ ክትሳቐ፡
ዔቅሮን ከኣ ተስፋኣ ዜሕፍር ስለ ዝዀነ፡ ከምኡ ኽትከውን እያ።
ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ፡
ኣሽቀሎን ድማ ነባሪ ዘይብላ ኽትከውን እያ።+
9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ።
ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ።
እንሆ፡ ንጉስኪ ይመጽእ ኣሎ።+
10 ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፡
ፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከርሕቕ እየ።
ቀስቲ ውግእ ኪርሕቕ እዩ።
11 ንዓኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ፡
ንእሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዘይብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ።+
12 ኣቱም ተስፋ ዘሎኩም እሱራት፡ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ።+
ሎሚ፡ እነግረኪ ኣለኹ፦
‘ዕጽፊ ገይረ ክኽሕሰኪ እየ።+
13 ንይሁዳስ ቀስተይ ገይረ ኽግትሮ* እየ።
ነቲ ቐስቲ ድማ ብኤፍሬም ክመልኦ* እየ፣
ኣቲ ጽዮን ከኣ፡ ንደቅኺ ኸንቅሖም፡
ኣቲ ግሪኽ ድማ፡ ንዓታቶም ኣንጻር ደቅኺ ኽገብሮም እየ፣
ንዓኺ ኸኣ ከም ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ።’
14 የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ኪርአ፡
ፍላጻኡ ድማ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ።
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መለኸት ኪነፍሕ፡+
ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ከኣ ኪግስግስ እዩ።
15 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪከላኸለሎም እዩ፣
ንሳቶም እውን እምኒ ወንጭፍ ኪውሕጡን ኪረግጹን እዮም።+
ኪሰትዩ፡ ከም ብወይኒ ዝሰኸሩ ድማ ነውጻማት ኪዀኑ እዮም።
ከም ጭሔሎ፡
ከም መኣዝናት መሰውኢ ኸኣ ኪምልኡ እዮም።+
እኽሊ ንኣጕባዝ፡
ጕዕሽ ወይኒ ኸኣ ንደናግል ኬዕቢ እዩ።”+