ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • ኣምላኽ ነቶም ኣብ ጐደቦታት ዘለዉ ኣህዛብ ዚፈረዶ ፍርዲ (1-8)

      • ምምጻእ ንጉስ ጽዮን (9, 10)

        • ኣብ ኣድጊ እተወጥሐ ትሑት ንጉስ (9)

      • ህዝቢ የሆዋ ኺፍትሑ እዮም (11-17)

ዘካርያስ 9:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዕረፊኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 4:13፣ 1ጴጥ 3:12
  • +ኤር 49:27፣ ኣሞ 1:3

ዘካርያስ 9:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:23
  • +ህዝ 28:2, 3
  • +ኢሳ 23:1፣ ኣሞ 1:9, 10
  • +ህዝ 28:21፣ ዮኤ 3:4

ዘካርያስ 9:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 27:32, 33

ዘካርያስ 9:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሰራዊታ ኸኣ ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:17፣ 27:26
  • +ህዝ 28:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2008፡ ገጽ 27

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 29

ዘካርያስ 9:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 2:4

ዘካርያስ 9:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 1:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/1997፡ ገጽ 19

    1/7/1995፡ ገጽ 16-17

ዘካርያስ 9:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሸኽ።” ሸኽ፡ ሹም ነገድ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 60:14
  • +2ሳሙ 5:6, 7፣ 1ነገ 9:20, 21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/1997፡ ገጽ 19

    1/7/1995፡ ገጽ 16-17

ዘካርያስ 9:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንጸበባ ህዝቡ ኪኸውን ኣለዎ።

  • *

    ወይ፡ “ጨቋኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 125:2
  • +ኢሳ 54:14

ዘካርያስ 9:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሱ ጻድቕን ዕዉትን እዩ፣ ንሱ ጻድቕን ዝደሓነን እዩ።”

  • *

    ወይ፡ “ተባዕታይ ኣድጊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 2:6፣ ኢሳ 32:1፣ ኤር 23:5፣ ሉቃ 19:37, 38፣ ዮሃ 1:49
  • +ማቴ 11:29
  • +1ነገ 1:33, 34፣ ማቴ 21:5, 7፣ ዮሃ 12:14, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “ሰዓብየይ፡” ገጽ 25-27

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 146

    የሱስ—መገዲ፡ ገጽ 238

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2012፡ ገጽ 12

    15/8/2011፡ ገጽ 12

    1/8/1999፡ ገጽ 14-15

    1/3/1997፡ ገጽ 30

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 29-30

ዘካርያስ 9:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኤፍራጥስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 9:7
  • +ዘጸ 23:31፣ መዝ 2:8፣ 72:8

ዘካርያስ 9:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 49:9

ዘካርያስ 9:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 61:1፣ ኤር 31:17
  • +ኢሳ 61:7

ዘካርያስ 9:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኽረግጾ።”

  • *

    ማለት፡ ከም ፍላጻ።

ዘካርያስ 9:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 6:5

ዘካርያስ 9:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 5:9፣ ዘካ 10:5፣ 12:6
  • +ዘጸ 27:2፣ ዘሌ 4:7

ዘካርያስ 9:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 62:3፣ ጸፎ 3:20
  • +ህዝ 34:22

ዘካርያስ 9:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰናዩስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 25:8፣ 31:19፣ ኢሳ 63:7
  • +ኢሳ 62:8፣ ዮኤ 3:18፣ ኣሞ 9:13

ሓፈሻዊ

ዘካ. 9:1እብ 4:13፣ 1ጴጥ 3:12
ዘካ. 9:1ኤር 49:27፣ ኣሞ 1:3
ዘካ. 9:2ኤር 49:23
ዘካ. 9:2ህዝ 28:2, 3
ዘካ. 9:2ኢሳ 23:1፣ ኣሞ 1:9, 10
ዘካ. 9:2ህዝ 28:21፣ ዮኤ 3:4
ዘካ. 9:3ህዝ 27:32, 33
ዘካ. 9:4ህዝ 26:17፣ 27:26
ዘካ. 9:4ህዝ 28:18
ዘካ. 9:5ጸፎ 2:4
ዘካ. 9:6ኣሞ 1:8
ዘካ. 9:7ኢሳ 60:14
ዘካ. 9:72ሳሙ 5:6, 7፣ 1ነገ 9:20, 21
ዘካ. 9:8መዝ 125:2
ዘካ. 9:8ኢሳ 54:14
ዘካ. 9:9መዝ 2:6፣ ኢሳ 32:1፣ ኤር 23:5፣ ሉቃ 19:37, 38፣ ዮሃ 1:49
ዘካ. 9:9ማቴ 11:29
ዘካ. 9:91ነገ 1:33, 34፣ ማቴ 21:5, 7፣ ዮሃ 12:14, 15
ዘካ. 9:10ኢሳ 9:7
ዘካ. 9:10ዘጸ 23:31፣ መዝ 2:8፣ 72:8
ዘካ. 9:11ኢሳ 49:9
ዘካ. 9:12ኢሳ 61:1፣ ኤር 31:17
ዘካ. 9:12ኢሳ 61:7
ዘካ. 9:14እያ 6:5
ዘካ. 9:15ሚክ 5:9፣ ዘካ 10:5፣ 12:6
ዘካ. 9:15ዘጸ 27:2፣ ዘሌ 4:7
ዘካ. 9:16ኢሳ 62:3፣ ጸፎ 3:20
ዘካ. 9:16ህዝ 34:22
ዘካ. 9:17መዝ 25:8፣ 31:19፣ ኢሳ 63:7
ዘካ. 9:17ኢሳ 62:8፣ ዮኤ 3:18፣ ኣሞ 9:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 9:1-17

ዘካርያስ

9 ከቢድ መልእኽቲ፦

“ዓይኒ የሆዋ ኣብ ሰባት፡+

ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል እያ እሞ፡

ቃል የሆዋ ኣንጻር ምድሪ ሓድራክ እዩ፣

ደማስቆ ኸኣ ዕላማኡ* እዩ፣+

 2 ኣንጻር እታ ኣብ ዶባ ዘላ ሓማት+ ድማ እዩ፣

ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡+ ኣንጻር ጢሮስን+ ሲዶንን+ እውን እዩ።

 3 ጢሮስ ዕርዲ ገበረት።

ብሩር ከም ሓመድ፡

ወርቂ እውን ከም ጭቃ ጐደናታት ኰመረት።+

 4 እንሆ፡ የሆዋ ንገንዘባ ኺወስዶ፡

ንሰራዊታ ኸኣ ወቒዑ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፣*+

ንሳ እውን ብሓዊ ኽትብላዕ እያ።+

 5 ኣሽቀሎን እዚ ርእያ ኽትፈርህ እያ፣

ጋዛ ድማ ብርቱዕ ስቓይ ክትሳቐ፡

ዔቅሮን ከኣ ተስፋኣ ዜሕፍር ስለ ዝዀነ፡ ከምኡ ኽትከውን እያ።

ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ፡

ኣሽቀሎን ድማ ነባሪ ዘይብላ ኽትከውን እያ።+

 6 ድቓላ ኣብ ኣሽዶድ ኪሰፍር እዩ፣

ኣነ ኸኣ ንትምክሕቲ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ።+

 7 ካብ ኣፉ ነቲ ደም እተጸየቐ ነገር፡

ካብ መንጎ ኣስናኑ ድማ ጽያፍ ከርሕቕ እየ፣

ንሱ ኸኣ ንኣምላኽና ኺተርፈሉ እዩ፣

ኣብ ይሁዳ ድማ ከም ሹም፡*+

ዔቅሮን እውን ከም ይቡሳዊ ኪኸውን እዩ።+

 8 ዚሓልፍን ዚምለስን ከይህሉስ፡

ንቤተይ ሓላዊ ዀይነ ኽሰፍር እየ፣+

ሕጂ ብኣዒንተይ ርእየዮ እየ* እሞ፡

ደጊም ኣዕያዪ* ኣይኪሓልፍን እዩ።+

 9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ።

ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ።

እንሆ፡ ንጉስኪ ይመጽእ ኣሎ።+

ንሱ ጻድቕን ድሕነት ዜምጽእን እዩ፣*

ትሑት እዩ፡+ ኣብ ኣድጊ፡

ኣብ ጻዕብ፡* ኣብ ውላድ ኣድጊ ድማ ተወጢሑ ኣሎ።+

10 ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፡

ፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከርሕቕ እየ።

ቀስቲ ውግእ ኪርሕቕ እዩ።

ንሱ ኸኣ ንኣህዛብ ሰላም ኪእውጀሎም እዩ፣+

ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡

ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኪኸውን እዩ።+

11 ንዓኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ፡

ንእሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዘይብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ።+

12 ኣቱም ተስፋ ዘሎኩም እሱራት፡ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ።+

ሎሚ፡ እነግረኪ ኣለኹ፦

‘ዕጽፊ ገይረ ክኽሕሰኪ እየ።+

13 ንይሁዳስ ቀስተይ ገይረ ኽግትሮ* እየ።

ነቲ ቐስቲ ድማ ብኤፍሬም ክመልኦ* እየ፣

ኣቲ ጽዮን ከኣ፡ ንደቅኺ ኸንቅሖም፡

ኣቲ ግሪኽ ድማ፡ ንዓታቶም ኣንጻር ደቅኺ ኽገብሮም እየ፣

ንዓኺ ኸኣ ከም ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ።’

14 የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ኪርአ፡

ፍላጻኡ ድማ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ።

እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መለኸት ኪነፍሕ፡+

ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ከኣ ኪግስግስ እዩ።

15 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪከላኸለሎም እዩ፣

ንሳቶም እውን እምኒ ወንጭፍ ኪውሕጡን ኪረግጹን እዮም።+

ኪሰትዩ፡ ከም ብወይኒ ዝሰኸሩ ድማ ነውጻማት ኪዀኑ እዮም።

ከም ጭሔሎ፡

ከም መኣዝናት መሰውኢ ኸኣ ኪምልኡ እዮም።+

16 ከምቲ ኣብ መሬቱ ዜንጸባርቕ ክቡር እምኒ ዘውዲ እዮም እሞ፡+

በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣምላኾም፡

ከም መጓሰ ህዝቡ ኼድሕኖም እዩ።+

17 ሕያውነቱስ* ክንደይ ዓብዪ፡+

ጽባቐኡ እውን ክንደይ ዓብዪ እዩ!

እኽሊ ንኣጕባዝ፡

ጕዕሽ ወይኒ ኸኣ ንደናግል ኬዕቢ እዩ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ