ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • እታ ቤተ መቕደስ ብኽብሪ የሆዋ መልአት (1-3)

      • ጽምብል መመረቕታ (4-10)

      • የሆዋ ንሰሎሞን ተራእዮ (11-22)

2 ዜና መዋእል 7:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:54
  • +ዘሌ 9:24፣ 1ዜና 21:26
  • +ዘጸ 40:34, 35

2 ዜና መዋእል 7:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:11

2 ዜና መዋእል 7:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰናይ።”

2 ዜና መዋእል 7:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:62, 63

2 ዜና መዋእል 7:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 6:16

2 ዜና መዋእል 7:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንሌዋውያን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 25:7፣ 2ዜና 5:11, 12
  • +2ዜና 5:13

2 ዜና መዋእል 7:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 4:1
  • +ዘሌ 2:1
  • +ዘሌ 4:8-10፣ 1ነገ 8:64-66
  • +ዘሌ 1:3

2 ዜና መዋእል 7:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”

  • *

    ወይ፡ “ስንጭሮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 34:2, 5, 8
  • +ዘሌ 23:34፣ ዘዳ 16:13

2 ዜና መዋእል 7:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ጽባሕ እቲ በዓል፡ ወይ ኣብታ መበል 15 መዓልቲ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 23:36

2 ዜና መዋእል 7:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 16:15
  • +2ዜና 6:41

2 ዜና መዋእል 7:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 2:4
  • +1ነገ 9:1-3

2 ዜና መዋእል 7:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 1:7
  • +ዘዳ 12:5, 6፣ መዝ 78:68

2 ዜና መዋእል 7:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 43:10
  • +ዘሌ 26:41፣ 2ዜና 33:12, 13
  • +ኢሳ 55:7
  • +2ዜና 6:39

2 ዜና መዋእል 7:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 6:40

2 ዜና መዋእል 7:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:21
  • +2ዜና 6:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    3/2023፡ ገጽ 6

2 ዜና መዋእል 7:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:4, 5

2 ዜና መዋእል 7:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:4
  • +መዝ 89:28, 29
  • +2ሳሙ 7:12, 13

2 ዜና መዋእል 7:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:5፣ 1ነገ 9:6-9

2 ዜና መዋእል 7:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:25, 26፣ 2ነገ 17:20
  • +ዘዳ 28:37፣ ኤር 24:9

2 ዜና መዋእል 7:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:8፣ ዳን 9:12
  • +ዘዳ 29:24, 25፣ 2ነገ 25:8, 9፣ ኤር 22:8, 9

2 ዜና መዋእል 7:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:51
  • +2ዜና 15:2
  • +ኢሳ 2:8፣ ኤር 2:11
  • +2ዜና 36:17

ሓፈሻዊ

2 ዜና 7:11ነገ 8:54
2 ዜና 7:1ዘሌ 9:24፣ 1ዜና 21:26
2 ዜና 7:1ዘጸ 40:34, 35
2 ዜና 7:21ነገ 8:11
2 ዜና 7:41ነገ 8:62, 63
2 ዜና 7:5እዝ 6:16
2 ዜና 7:61ዜና 25:7፣ 2ዜና 5:11, 12
2 ዜና 7:62ዜና 5:13
2 ዜና 7:72ዜና 4:1
2 ዜና 7:7ዘሌ 2:1
2 ዜና 7:7ዘሌ 4:8-10፣ 1ነገ 8:64-66
2 ዜና 7:7ዘሌ 1:3
2 ዜና 7:8ዘሁ 34:2, 5, 8
2 ዜና 7:8ዘሌ 23:34፣ ዘዳ 16:13
2 ዜና 7:9ዘሌ 23:36
2 ዜና 7:10ዘዳ 16:15
2 ዜና 7:102ዜና 6:41
2 ዜና 7:11መክ 2:4
2 ዜና 7:111ነገ 9:1-3
2 ዜና 7:122ዜና 1:7
2 ዜና 7:12ዘዳ 12:5, 6፣ መዝ 78:68
2 ዜና 7:14ኢሳ 43:10
2 ዜና 7:14ዘሌ 26:41፣ 2ዜና 33:12, 13
2 ዜና 7:14ኢሳ 55:7
2 ዜና 7:142ዜና 6:39
2 ዜና 7:152ዜና 6:40
2 ዜና 7:16ዘዳ 12:21
2 ዜና 7:162ዜና 6:20
2 ዜና 7:171ነገ 9:4, 5
2 ዜና 7:181ነገ 2:4
2 ዜና 7:18መዝ 89:28, 29
2 ዜና 7:182ሳሙ 7:12, 13
2 ዜና 7:19ዘጸ 20:5፣ 1ነገ 9:6-9
2 ዜና 7:20ዘዳ 4:25, 26፣ 2ነገ 17:20
2 ዜና 7:20ዘዳ 28:37፣ ኤር 24:9
2 ዜና 7:212ዜና 29:8፣ ዳን 9:12
2 ዜና 7:21ዘዳ 29:24, 25፣ 2ነገ 25:8, 9፣ ኤር 22:8, 9
2 ዜና 7:22ዘጸ 12:51
2 ዜና 7:222ዜና 15:2
2 ዜና 7:22ኢሳ 2:8፣ ኤር 2:11
2 ዜና 7:222ዜና 36:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 7:1-22

2 ዜና መዋእል

7 ሰሎሞን ምጽላይ ምስ ወድአ ድማ፡+ ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ+ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፣ ነታ ቤት ከኣ ክብሪ የሆዋ መልኣ።+ 2 ክብሪ የሆዋ ነታ ቤት የሆዋ መሊእዋ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ናብ ቤት የሆዋ ኺኣትዉ ኣይከኣሉን።+ 3 ሓዊ ኺወርድ ከሎን ክብሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ከሎን፡ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ይርእዩ ነበሩ፣ ብገጾም ናብቲ እምኒ እተነጽፎ ምድሪ ፍግም ኢሎም ሰጊዶም፡ “ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ኢሎም ንየሆዋ ኣመስገንዎ።

4 ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡ።+ 5 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ 22,000 ከብትን 120,000 በጊዕን መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መረቕዋ።+ 6 እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ ደው ኢሎም ነበሩ፣ እቶም ንየሆዋ ዚዝመር መዝሙር ዜሰኒ ናውቲ ዝሓዙ ሌዋውያን እውን ከምኡ።+ (ዳዊት ምሳታቶም* ኰይኑ ኺውድስ ከሎ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ” ተባሂሉ የሆዋ ኺምስገነሉ ኢሉ ንጉስ ዳዊት ነዚ ናውቲ እዚ ገይርዎ ነበረ።) እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም ዓው ኣቢሎም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፣+ ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ደው ኢሎም ነበሩ።

7 እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ መሰውኢ ነሓሲ+ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ እኽልን+ ንስብሕታትን ዚኣክል ኣይነበረን እሞ፡+ ሽዑ፡ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ቤት የሆዋ ዘሎ ማእከል ኣጸድ ዚሓርር መስዋእትን+ ስብሕታት መስዋእቲ ሕብረትን ኬቕርብ ስለ ዝነበሮ፡ ንዕኡ ቐደሶ። 8 በታ ግዜ እቲኣ፡ ሰሎሞን ምስ ኵሉ እስራኤል፡ ማለት ካብ ለቦ-ሓማት* ክሳብ ርባ* ግብጺ+ ምስ እተኣከበ ኣዝዩ ዓብዪ ጉባኤ ሓቢሩ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓለ።+ 9 ንመመረቕታ እቲ መሰውኢ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ንበዓል ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ገይሮም ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ* ፍሉይ ኣኼባ ገበሩ።+ 10 ኣብ መበል 23 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፣ ንሳቶም ከኣ በቲ የሆዋ ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር እናተሓጐሱን+ ልቦም ባህ ኢልዎምን ነናብ ቤቶም ከዱ።+

11 በዚ ኸምዚ፡ ሰሎሞን፡ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን ወድአ፣+ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ቤት የሆዋን ብዛዕባ ቤቱን ኪገብር ንሰሎሞን ናብ ልቡ ዝመጾ ዘበለ ኸኣ ሰለጦ።+ 12 የሆዋ ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተራእዮ፡+ ከምዚ እውን በሎ፦ “ጸሎትካ ሰሚዐዮ ኣለኹ፣ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንዓይ ሓርየያ ኣለኹ።+ 13 ንሰማያት ምስ ዝዓጽዎ እሞ ዝናም ምስ ዘይህሉ፡ ጐደበ ንምድሪ ኺበልዓ ኸኣ ምስ ዝእዝዝ፡ ኣብ መንጎ ህዝበይ ድማ ለበዳ እንተ ሰዲደ፡ 14 እዞም ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ህዝበይ+ ከኣ ትሕት እንተ ኢሎምን+ ገጸይ እንተ ደልዮምን ካብ ክፉእ መገዶም እንተ ተመሊሶምን፡+ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማያት ክሰምዕ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮም እውን ከሕውየሎም እየ።+ 15 ሕጂ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይ እውን ኬድህባ እየን።+ 16 ሕጂ ድማ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይ ንሓዋሩ ኣብኣ ኪኸውን ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ፣+ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ።+

17 “ንስኻ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ብምግባር፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ፡ ስርዓታተይን ፍርድታተይን እውን እንተ ሓሊኻ፡+ 18 ሽዑ ኣነ ኸምቲ ንኣቦኻ ዳዊት፡ ‘ካባኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’+ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡+ ዝፋን ንግስናኻ ኸጽንዕ እየ።+ 19 ግናኸ፡ ንስኻትኩም እንተ ተመሊስኩም፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕግታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓዲግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምዎምን እንተ ሰጊድኩምሎምን፡+ 20 ንእስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድረይ ክምንቍሶም እየ፣+ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፣ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መላገጽን ክገብራ እየ።+ 21 እዛ ቤት እዚኣ ኸኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ። ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ድማ ተገሪሙ ኺጥምታ፡+ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ስለምንታይ እዩ፧’ እውን ኪብል እዩ።+ 22 ሽዑ፡ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም+ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ፡+ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ።+ ስለዚ እዩ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ዘምጽአ’+ ኺብሉ እዮም።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ