ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኣንባቆም 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኣንባቆም—ትሕዝቶ

      • ኣውያት እቲ ነብዪ (1-4)

        • ‘ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧’ (2)

        • “ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧” (3)

      • ከለዳውያን፡ የሆዋ ንፍርዲ ዚጥቀመሎም ህዝቢ (5-11)

      • እቲ ነብዪ ንየሆዋ ይልምኖ (12-17)

        • ‘ኦ ኣምላኸይ፡ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ’ (12)

        • “ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ ኽፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን” (13)

ኣንባቆም 1:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ሕቝፍቍፍ” ኪኸውን ይኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 23

ኣንባቆም 1:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከየድሓንካኸ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 13:1
  • +መዝ 22:1፣ 74:10፣ ራእ 6:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2018፡ ገጽ 14

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2000፡ ገጽ 19

    1/2/2000፡ ገጽ 8-9

    15/1/2000፡ ገጽ 10-11

    15/12/1999፡ ገጽ 21

ኣንባቆም 1:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2018፡ ገጽ 14

ኣንባቆም 1:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 12:6፣ መዝ 12:8፣ መክ 8:11፣ ኢሳ 1:21፣ ግብ 7:52, 53

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 9

ኣንባቆም 1:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:21፣ 29:14፣ ድጕ 4:11, 12፣ ግብ 13:40, 41

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2018፡ ገጽ 15፡ 17

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    11/2017፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2007፡ ገጽ 9-10

    1/2/2000፡ ገጽ 10-11፡ 13

ኣንባቆም 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 22:7፣ 46:2
  • +ዘዳ 28:49-51፣ ኤር 5:15-17፣ 6:22, 23፣ ህዝ 23:22, 23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2018፡ ገጽ 15

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    11/2017፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2007፡ ገጽ 9-10

    1/2/2000፡ ገጽ 11

ኣንባቆም 1:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክብርን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:5-7፣ ዳን 5:18, 19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 11

ኣንባቆም 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:6
  • +ኤር 4:13፣ ድጕ 4:19፣ ህዝ 17:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 11

ኣንባቆም 1:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9
  • +ኢሳ 27:8፣ ህዝ 17:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 11

ኣንባቆም 1:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12
  • +ኤር 32:24፣ 52:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 11

ኣንባቆም 1:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓይሎም ኣምላኾም ስለ ዝዀነ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 5:1, 4
  • +ኢሳ 47:5, 6፣ ኤር 51:24፣ ዘካ 1:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 11

ኣንባቆም 1:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሕና ኣይክንመውትን ኢና” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ንመግናሕቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 90:2፣ 93:2፣ ራእ 1:8
  • +1ጢሞ 1:17፣ ራእ 15:3
  • +ዘዳ 32:4
  • +ኤር 30:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2018፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 11-12

ኣንባቆም 1:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 5:4, 5
  • +ኤር 12:1
  • +መዝ 35:21, 22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2018፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 12

ኣንባቆም 1:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2000፡ ገጽ 12

ኣንባቆም 1:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እቶም ጸላኢ ዝዀኑ ከለዳውያን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:11

ኣንባቆም 1:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይዓጥነሉ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብዘይቲ ዝረስረሰ።”

ኣንባቆም 1:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገናዶ ሰይፉ ኺመልሕ እዩ፧”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17፣ ናሆ 3:7

ሓፈሻዊ

ኣን. 1:2መዝ 13:1
ኣን. 1:2መዝ 22:1፣ 74:10፣ ራእ 6:10
ኣን. 1:4እዮ 12:6፣ መዝ 12:8፣ መክ 8:11፣ ኢሳ 1:21፣ ግብ 7:52, 53
ኣን. 1:5ኢሳ 28:21፣ 29:14፣ ድጕ 4:11, 12፣ ግብ 13:40, 41
ኣን. 1:6ኤር 22:7፣ 46:2
ኣን. 1:6ዘዳ 28:49-51፣ ኤር 5:15-17፣ 6:22, 23፣ ህዝ 23:22, 23
ኣን. 1:7ኤር 39:5-7፣ ዳን 5:18, 19
ኣን. 1:8ኤር 5:6
ኣን. 1:8ኤር 4:13፣ ድጕ 4:19፣ ህዝ 17:3
ኣን. 1:9ኢሳ 27:8፣ ህዝ 17:10
ኣን. 1:9ኤር 25:9
ኣን. 1:102ነገ 24:12
ኣን. 1:10ኤር 32:24፣ 52:7
ኣን. 1:11ዳን 5:1, 4
ኣን. 1:11ኢሳ 47:5, 6፣ ኤር 51:24፣ ዘካ 1:15
ኣን. 1:12መዝ 90:2፣ 93:2፣ ራእ 1:8
ኣን. 1:121ጢሞ 1:17፣ ራእ 15:3
ኣን. 1:12ዘዳ 32:4
ኣን. 1:12ኤር 30:11
ኣን. 1:13መዝ 5:4, 5
ኣን. 1:13ኤር 12:1
ኣን. 1:13መዝ 35:21, 22
ኣን. 1:15ኤር 50:11
ኣን. 1:172ዜና 36:17፣ ናሆ 3:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኣንባቆም 1:1-17

ኣንባቆም

1 ነብዪ ኣንባቆም* ብራእይ እተቐበሎ ኸቢድ መልእኽቲ፦

 2 ኦ የሆዋ፡ ከይሰማዕካንስ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧+

ጣልቃ ኸይኣተኻኸ* ብሰንኪ ዓመጻ ኽሳዕ መዓስ ክምህለል እየ፧+

 3 ስለምንታይ ኢኻ ኽፉእ ተግባር እተርእየኒ፧

ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧

ስለምንታይ እዩ ጥፍኣትን ዓመጻን ኣብ ቅድመይ ዘሎ፧

ስለምንታይከ እዩ ባእስን ግጭትን በዚሑ ዘሎ፧

 4 ስለዚ፡ ሕጊ ለሚሱ፡

ፍትሒ እውን ከቶ ኣይወጽእን ኣሎ።

እኩይሲ ንጻድቕ ይኸብቦ ኣሎ፣

ስለዚ፡ ፍትሒ ቐኒኑ ኣሎ።+

 5 “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ርኣዩ እሞ ኣቕልቡ!

ተገሪምኩም ጠምቱን ኣስተንክሩን፣

ብመዓልትታትኩምሲ እንተ ተነግረኩም እኳ

ዘይትኣምንዎ ነገር ኪኸውን እዩ።+

 6 ኣብዝስ ንከለዳውያን፡

ንጨካናትን ንርቡጻትን ህዝቢ አተንስኦም ኣለኹ።+

ዘይናቶም ኣባይቲ ኺምንዝዑ፡

ኣብ ሰፊሕ ክፋል ምድሪ የስፋሕፍሑ።+

 7 ዜፍርሁን ዜርዕዱን እዮም።

ናይ ርእሶም ፍትሕን ስልጣንን* የቝሙ።+

 8 ኣፍራሶም ካብ ኣናብር ይቕልጥፉ፣

ካብ ተዃሉ ለይቲ ይሓስሙ።+

ናይ ውግእ ኣፍራሶም ንቕድሚት ይጋልቡ፣

ኣፍራሶም ካብ ርሑቕ ይመጹ።

ከምቲ ኺበልዕ ዚህንደድ ንስሪ ይንቈቱ።+

 9 ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ።+

ምእካብ ገጾም ከም ንፋስ ምብራቕ እዩ፣+

ከም ሑጻ ድማ ምሩኻት ይሓፍሱ።

10 ንነገስታት የላግጹሎም፣

ንሰበ ስልጣን ከኣ ይስሕቅዎም።+

ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣+

መደያይቦ ዚዀኖም ሓመድ ኰሚሮም ይሕዝዎ።

11 ሽዑ፡ ከም ንፋስ ይግስግሱን ይሓልፉን፣

ግናኸ፡ ሓይሎም ካብ ኣምላኾም ከም ዝረኸቡ ስለ ዚብሉ፡*+

በደልቲ ኪዀኑ እዮም።”+

12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ደይኰንካን፧+

ኦ ኣምላኸይ፡ ቅዱሰይ፡ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ።*+

ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ፍርዲ ኺፍጽሙ ሸይምካዮም፣

ኣታ ኸውሐይ፡+ ንስኻ ንመቕጻዕቲ* ሰሪትካዮም።+

13 ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን፣

ንእከይ ድማ ክትጻወሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።+

ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ንጠለምቲ እትጻወሮም፡+

እኩይ ካብኡ ንዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ኸኣ ስቕ እትብል፧+

14 ስለምንታይከ ኢኻ ንሰብ ከም ዓሳ ባሕሪ፡

ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምቲ እትገብሮ፧

15 ንሱ* ንዅላቶም ብመቝለብ ዓሳ የውጽኦም ኣሎ።

ኣብ መርበቡ ይሕዞም፡

ኣብ መግፈፊኡ ድማ ይእክቦም ኣሎ።

ስለዚ፡ ብዙሕ ይሕጐስ ኣሎ።+

16 ስለዚ፡ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡

ንመግፈፊኡ ድማ ይስውኣሉ* ኣሎ፣

ብሳላኦምሲ ግዲኡ መዓዛታት ዘለዎ፡*

ምግቡ እውን ሕሩይ ኰይኑሉ እዩ።

17 እሞ ደኣ ገናዶ ኻብ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ፧*

ብቐጻሊዶ ኸይራሕርሐ ንኣህዛብ ኪሓርድ እዩ፧+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ