መዝሙር
ካብ መታለልን ዓማጽን ሰብ ኣናግፈኒ።
2 ንስኻስ ኣምላኸይ፡ ዕርደይ ኢኻ።+
ስለምንታይ ደርቢኻኒ፧
ስለምንታይከ ብሰንኪ ጭቈና ጸላእየይ ጕህየ ዝመላለስ፧+
3 ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ።+
4 ሽዑ፡ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡+
ናብ ኣምላኽ፡ ናብቲ ብሉጽ ሓጐሰይ ክመጽእ እየ።
ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኸየ፡ ብመሰንቆ* ኽውድሰካ እየ።+
5 ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧
ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧
ዓብዪ መድሓንየይን ኣምላኸይን ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡
ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+