ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ኪሃድም ከሎ ዝዘመሮ መዝሙር።+
3 ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ተጻረርተይ በዚሖም፧+
ስለምንታይከ ብዙሓት ኣንጻረይ ይትንስኡ ኣለዉ፧+
2 ብዙሓት ብዛዕባይ፡
“ኣምላኽ ኣይኬድሕኖን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።+ (ሴላ)
3 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣+
ክብረይን+ ንርእሰይ ልዕል እተብላን ኢኻ።+
4 ዓው ኢለ ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣
ንሱ ድማ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኺምልሰለይ እዩ።+ (ሴላ)
5 በጥ ክብልን ክድቅስን እየ፣
የሆዋ ይድግፈኒ እዩ እሞ፡
ብደሓን ክነቅሕ እየ።+
6 ነቶም ብዙርያይ ዚስርዑ ኣእላፋት
ኣይፈርሆምን እየ።+
7 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! ኦ ኣምላኸይ፡ ኣድሕነኒ!+
ንስኻስ ንዅሎም ጸላእተይ ምንጋጋኦም ትወቕዖም፡
ኣስናን እኩያት እውን ትሰብር ኢኻ።+
8 ድሕነት ናይ የሆዋ እዩ።+
በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ እዩ። (ሴላ)