ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 36
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኤርምያስ እናተዛረበ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣጽሓፈ (1-7)

      • ባሩኽ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዓው ኢሉ ኣንበባ (8-19)

      • ዮያቂም ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣንደዳ (20-26)

      • እቲ መልእኽቲ ኣብ ሓዳስ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ተጻሕፈ (27-32)

ኤርምያስ 36:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:36፣ ኤር 25:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 16-17

ኤርምያስ 36:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:16፣ 32:30
  • +ኤር 1:5፣ 25:9
  • +ኤር 1:1, 2፣ 25:3

ኤርምያስ 36:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:7፣ ህዝ 33:11፣ ሚክ 7:18

ኤርምያስ 36:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:12፣ 45:2-5
  • +ኤር 45:1

ኤርምያስ 36:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 17

ኤርምያስ 36:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:1, 2

ኤርምያስ 36:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:36
  • +2ዜና 20:2, 3፣ ኣስ 4:15, 16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 17

ኤርምያስ 36:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መመገቢ ኽፍሊ።”

  • *

    ወይ፡ “ጸሓፊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:25
  • +2ነገ 22:8፣ 2ዜና 34:20, 21፣ ኤር 26:24፣ 39:13, 14፣ ህዝ 8:11
  • +ኤር 26:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 16-17

ኤርምያስ 36:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:20
  • +ኤር 36:25
  • +2ነገ 22:14፣ ኤር 26:22

ኤርምያስ 36:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:26

ኤርምያስ 36:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:14

ኤርምያስ 36:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ዳሕረዋይ መፋርቕ ሕዳርን ቀዳማይ መፋርቕ ታሕሳስን። ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

ኤርምያስ 36:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:8
  • +ኤር 36:12
  • +ኤር 36:10

ኤርምያስ 36:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:19

ኤርምያስ 36:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:2

ኤርምያስ 36:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:23

ኤርምያስ 36:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:8, 9

ኤርምያስ 36:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:6, 8, 15፣ 2ዜና 36:9, 10፣ ኤር 22:24, 30
  • +ኤር 22:18, 19

ኤርምያስ 36:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16
  • +ዘዳ 28:15፣ ኤር 19:15

ኤርምያስ 36:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:2, 4
  • +ኤር 36:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 103-105

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 16

ሓፈሻዊ

ኤር. 36:12ነገ 23:36፣ ኤር 25:1
ኤር. 36:2ኤር 4:16፣ 32:30
ኤር. 36:2ኤር 1:5፣ 25:9
ኤር. 36:2ኤር 1:1, 2፣ 25:3
ኤር. 36:3ኢሳ 55:7፣ ህዝ 33:11፣ ሚክ 7:18
ኤር. 36:4ኤር 32:12፣ 45:2-5
ኤር. 36:4ኤር 45:1
ኤር. 36:8ኤር 7:1, 2
ኤር. 36:92ነገ 23:36
ኤር. 36:92ዜና 20:2, 3፣ ኣስ 4:15, 16
ኤር. 36:10ኤር 36:25
ኤር. 36:102ነገ 22:8፣ 2ዜና 34:20, 21፣ ኤር 26:24፣ 39:13, 14፣ ህዝ 8:11
ኤር. 36:10ኤር 26:10
ኤር. 36:12ኤር 36:20
ኤር. 36:12ኤር 36:25
ኤር. 36:122ነገ 22:14፣ ኤር 26:22
ኤር. 36:19ኤር 36:26
ኤር. 36:21ኤር 36:14
ኤር. 36:252ነገ 24:8
ኤር. 36:25ኤር 36:12
ኤር. 36:25ኤር 36:10
ኤር. 36:26ኤር 1:19
ኤር. 36:27ኤር 36:2
ኤር. 36:28ኤር 36:23
ኤር. 36:29ኤር 25:8, 9
ኤር. 36:302ነገ 24:6, 8, 15፣ 2ዜና 36:9, 10፣ ኤር 22:24, 30
ኤር. 36:30ኤር 22:18, 19
ኤር. 36:312ዜና 36:15, 16
ኤር. 36:31ዘዳ 28:15፣ ኤር 19:15
ኤር. 36:32ኤር 36:2, 4
ኤር. 36:32ኤር 36:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 36:1-32

ኤርምያስ

36 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 2 “ሓንቲ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ውሰድ እሞ፡ እቲ ኣንጻር እስራኤልን ይሁዳን+ ኵሎም ኣህዛብን፡+ ካብታ ብዘመን ዮስያስ እተዛረብኩኻ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተዛረብኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኣ ጽሓፎ።+ 3 ምናልባት ቤት ይሁዳ ነቲ ኣባታቶም ከምጽኦ ሓሲበዮ ዘለኹ ዅሉ መዓት ምስ ሰምዑ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ይምለሱ ይዀኑ፣ በዚ ኸምዚ እውን ኣነ ስሕተቶምን ሓጢኣቶምን ይቕረ እብል እኸውን።”+

4 ሽዑ፡ ኤርምያስ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ጸውዖ፣ ኤርምያስ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት እናተዛረበ ኸኣ፡ ባሩኽ ንዕኡ ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ጸሓፎ።+ 5 ኤርምያስ ድማ ንባሩኽ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ ተኣሲረ እየ ዘለኹ፣ ናብ ቤት የሆዋ ኽኣቱ ኸኣ ኣይክእልን እየ። 6 ስለዚ፡ ንስኻ ኺድ እሞ፡ ነቲ እናተዛረብኩኻ ዝጸሓፍካዮ ቓል የሆዋ ኻብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዓው ኢልካ ኣንብቦ። በታ መዓልቲ ጾም፡ ኣብ ቤት የሆዋ ዘለዉ ህዝቢ እናሰምዑ ኣንብቦ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ካብ ከተማታቶም ዝመጹ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸተንብበሎም ኢኻ። 7 እቲ የሆዋ ኣንጻር እዚ ህዝቢ እዚ እተዛረቦ ቝጥዓን ነድርን ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምናልባት እቲ ናይ ሞገስ ልማኖኦም ናብ የሆዋ ይበጽሕ ይኸውን፣ ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ካብ እኩይ መገድታቶም ይምለሱ ይዀኑ።”

8 ባሩኽ ወዲ ኔርያ ኸኣ ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፣ ካብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ድማ ነቲ ቓላት የሆዋ ኣብ ቤት የሆዋ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።+

9 ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ኵሎም ህዝቢ የሩሳሌምን ኵሎም እቶም ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ህዝብን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጾም ኣወጁ።+ 10 ባሩኽ ከኣ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ክፍሊ ቤት* ገማርያ+ ወዲ ሻፋን+ እቲ ቐዳሒ፡* ኣብቲ ላዕለዋይ ኣጸድ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ሓድሽ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ፡+ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ፡ ካብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ቃላት ኤርምያስ ዓው ኢሉ ኣንበበ።

11 ሚካያ ወዲ ገማርያ ወዲ ሻፋን፡ ካብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኵሉ እቲ ቓላት የሆዋ ሰምዐ፣ 12 ናብ ቤት* ንጉስ፡ ናብ ክፍሊ ጸሓፊ ኸኣ ወረደ። ኵሎም እቶም መሳፍንቲ፡* ኤሊሻማዕ+ እቲ ጸሓፍን ደላያ ወዲ ሸማዕያን ኤልናታን+ ወዲ ዓኽቦርን+ ገማርያ ወዲ ሻፋንን ጼዴቅያስ ወዲ ሓናንያን ኵሎም ካልኦት መሳፍንትን ድማ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ። 13 ሚካያ ኸኣ ነቲ ባሩኽ እቶም ህዝቢ እናሰምዑ ኻብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኬንብቦ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ንዓታቶም ነገሮም።

14 ኵሎም እቶም መሳፍንቲ ድማ ንይሁዲ ወዲ ነታንያ ወዲ ሸለምያ ወዲ ኩሺ ናብ ባሩኽ፡ “ነታ ህዝቢ እናሰምዐ ዘንበብካያ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሒዝካያ ምጻእ” ኢሎም ለኣኽዎ። ባሩኽ ወዲ ኔርያ ኸኣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናባታቶም መጸ። 15 ንሳቶም ከኣ፡ “ተቐመጥ እሞ፡ በጃኻ ዓው ኢልካ ኣንብበልና” በልዎ። ባሩኽ ድማ ኣንበበሎም።

16 ኵሉ እቲ ቓላት ምስ ሰምዑ፡ ርዒዶም ንሓድሕዶም ተጣማመቱ፣ ንባሩኽ ከኣ፡ “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ብርግጽ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ። 17 ንባሩኽ ድማ፡ “ንዅሉ እዚ ቓላት እዚ ኸመይ ጌርካ ኸም ዝጸሓፍካዮ በጃኻ ንገረና። እናተዛረበካ ዲኻ፧” በልዎ። 18 ባሩኽ ከኣ፡ “ኵሉ እቲ ቓላት እናተዛረበኒ፡ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ብቐለም ጽሒፈዮ” ኢሉ መለሰሎም። 19 እቶም መሳፍንቲ ድማ ንባሩኽ፡ “ኪድ እሞ ንስኻን ኤርምያስን ተሓብኡ፣ ኣበይ ከም ዘለኹም ከኣ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።+

20 ሽዑ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ኣንቢሮም፡ ናብ ንጉስ፡ ናብቲ ኣጸድ ኣተዉ፣ ንንጉስ ድማ ኵሉ እቲ ዝሰምዕዎ ነገርዎ።

21 ንጉስ ከኣ ንይሁዲ፡+ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኬምጽኣ ለኣኾ፣ ንሱ ድማ ካብ ክፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ኣምጽኣ። ይሁዲ ኸኣ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ኣብ ጥቓ ንጉስ ደው ዝበሉ መሳፍንትን እናሰምዑ ኼንብባ ጀመረ። 22 ታሽዐይቲ ወርሒ* እያ ዝነበረት እሞ፡ ንጉስ ኣብ ቤት ክረምቲ ተቐሚጡ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሓዊ ኣብ ምድጃ ይነድድ ነበረ። 23 ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ፡ ንጉስ ነቲ ኽፋል እቲ ብኻራ ጸሓፊ ቘሪጹ ናብቲ ኣብቲ ምድጃ ዚነድድ ዝነበረ ሓዊ ይድርብዮ ነበረ፣ ብዘላ እታ ጥቕልልቲ ኣብቲ ኣብ ምድጃ ዚነድድ ሓዊ ኽሳዕ እትኣቱ ኸምኡ ገበረ። 24 ኣይረዓዱን ድማ፣ ንጉስን እቶም ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን ዝሰምዑ ዅሎም ገላዉኡን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን። 25 ኤልናታንን+ ደላያን+ ገማርያን+ ንንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ እኳ እንተ ለመንዎ፡ ኣይሰምዖምን። 26 ንጉስ ከኣ ንየራሕምኤል ወዲ ንጉስን ንሰራያ ወዲ ዓዝሪኤልን ንሸለምያ ወዲ ዓብድኤልን፡ ንባሩኽ እቲ ጸሓፍን ንነብዪ ኤርምያስን ኪሕዝዎም ኣዘዞም፣ የሆዋ ግና ሓብኦም።+

27 ንጉስ ነታ ኤርምያስ እናተዛረበ ባሩኽ ዝጸሓፎ ቓላት ዝሓዘት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ምስ ኣንደዳ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦+ 28 “ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲድካ፡ ኵለን እተን ኣብታ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበራ ቐዳሞት ቃላት ኣብኡ ጽሓፈን።+ 29 ብዛዕባ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ከምዚ በል፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘“ንጉስ ባቢሎን ብርግጽ መጺኡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኼጥፍኣ፡ ሰብን እንስሳን ዘይብላ እውን ኪገብራ እዩ” ኢልካ ዝጸሓፍካ ስለምንታይ ኢኻ፧’ ኢልካ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣንዲድካያ ኢኻ።+ 30 ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብኡ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ፣+ ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ዋዒ፡ ለይቲ እውን ኣብ ኣስሓይታ ኺሕደግ እዩ።+ 31 ንዕኡን ንዘርኡን ንገላዉኡን ብስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣ ኣባታቶምን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌምን ኣብ ሰብ ይሁዳን ከኣ ኵሉ እቲ እተዛረብኩሎም እሞ ዘይሰምዕዎ+ መዓት ከምጽኣሎም እየ።’”’”+

32 ሽዑ፡ ኤርምያስ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲዱ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ፡ እቲ ጸሓፊ፡+ ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ፡ ኤርምያስ እናተዛረቦ ንዅለን እተን ኣብታ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ብሓዊ ዘንደዳ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበራ ቓላት ጸሓፈን።+ ብዙሓት ከምኡ ዝበላ ቓላት እውን ተወሰኻ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ