ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 27
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • መብጽዓ እተኣትወሉ ነገር ምብጃው (1-27)

        • ሰብ (1-8)

        • እንስሳ (9-13)

        • ቤት (14, 15)

        • ግራት (16-25)

        • በዅሪ (26, 27)

      • ብዘይ ኵነት ንየሆዋ ዚውፈ ነገራት (28, 29)

      • ዕሽር ምብጃው (30-34)

ዘሌዋውያን 27:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 23:21፣ መሳ 11:30, 31፣ 1ሳሙ 1:11

ዘሌዋውያን 27:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”

  • *

    ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዘሌዋውያን 27:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 5:7, 11፣ 12:8፣ 14:21
  • +ሉቃ 21:2-4፣ 2ቈረ 8:12

ዘሌዋውያን 27:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:25፣ ዘዳ 14:7, 8

ዘሌዋውያን 27:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:19

ዘሌዋውያን 27:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:11, 12

ዘሌዋውያን 27:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ሖመር፡ 220 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዘሌዋውያን 27:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:10

ዘሌዋውያን 27:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:15, 16

ዘሌዋውያን 27:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:8, 14

ዘሌዋውያን 27:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:25

ዘሌዋውያን 27:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:11, 12, 18

ዘሌዋውያን 27:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:10, 28

ዘሌዋውያን 27:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ጌራ፡ 0.57 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዘሌዋውያን 27:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 13:2፣ ዘሁ 18:17
  • +ዘጸ 22:30፣ ዘዳ 15:19

ዘሌዋውያን 27:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:11-13

ዘሌዋውያን 27:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንጥፍኣት ዝመጠዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:8, 14

ዘሌዋውያን 27:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውፉይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 6:17፣ 1ሳሙ 15:3, 18
  • +ዘሁ 21:2

ዘሌዋውያን 27:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 14:20፣ 28:22፣ ዘሁ 18:21, 26፣ ዘዳ 14:22፣ 2ዜና 31:5፣ ነህ 13:12፣ ሚል 3:10፣ ሉቃ 11:42፣ እብ 7:5

ዘሌዋውያን 27:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2008፡ ገጽ 9

ዘሌዋውያን 27:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:9, 10

ዘሌዋውያን 27:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 3:1፣ ዘሁ 1:1

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 27:2ዘዳ 23:21፣ መሳ 11:30, 31፣ 1ሳሙ 1:11
ዘሌ. 27:8ዘሌ 5:7, 11፣ 12:8፣ 14:21
ዘሌ. 27:8ሉቃ 21:2-4፣ 2ቈረ 8:12
ዘሌ. 27:11ዘሌ 20:25፣ ዘዳ 14:7, 8
ዘሌ. 27:13ዘሌ 27:19
ዘሌ. 27:14ዘሌ 27:11, 12
ዘሌ. 27:17ዘሌ 25:10
ዘሌ. 27:18ዘሌ 25:15, 16
ዘሌ. 27:21ዘሁ 18:8, 14
ዘሌ. 27:22ዘሌ 25:25
ዘሌ. 27:23ዘሌ 27:11, 12, 18
ዘሌ. 27:24ዘሌ 25:10, 28
ዘሌ. 27:26ዘጸ 13:2፣ ዘሁ 18:17
ዘሌ. 27:26ዘጸ 22:30፣ ዘዳ 15:19
ዘሌ. 27:27ዘሌ 27:11-13
ዘሌ. 27:28ዘሁ 18:8, 14
ዘሌ. 27:29እያ 6:17፣ 1ሳሙ 15:3, 18
ዘሌ. 27:29ዘሁ 21:2
ዘሌ. 27:30ዘፍ 14:20፣ 28:22፣ ዘሁ 18:21, 26፣ ዘዳ 14:22፣ 2ዜና 31:5፣ ነህ 13:12፣ ሚል 3:10፣ ሉቃ 11:42፣ እብ 7:5
ዘሌ. 27:33ዘሌ 27:9, 10
ዘሌ. 27:34ዘጸ 3:1፣ ዘሁ 1:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 27:1-34

ዘሌዋውያን

27 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብ ንየሆዋ ገምጋም ሓደ ሰብ* ኪህቦ ፍሉይ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡+ 3 ገምጋም ሓደ ኻብ 20 ኽሳዕ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ተባዕታይ፡ ብሲቃል መቕደስ* 50 ሲቃል* ብሩር ይኹን። 4 ጓል ኣንስተይቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ገምጋማ 30 ሲቃል ይኹን። 5 ዕድሚኦም ካብ 5 ኽሳዕ 20 ዓመት እንተ ዀይኑ ድማ፡ ገምጋም ወዲ ተባዕታይ 20 ሲቃል፡ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ 10 ሲቃል ይኹን። 6 ዕድሚኦም ካብ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ዀይኑ ድማ፡ ገምጋም ወዲ ተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ሰለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን።

7 “‘ዕድሚኦም 60 ዓመትን ልዕሊኡን እንተ ዀይኑ፡ ገምጋም ወዲ ተባዕታይ 15 ሲቃል፡ ጓል ኣንስተይቲ ድማ 10 ሲቃል ይኹን። 8 ነቲ ገምጋም ኪኸፍል ዘይክእል ድኻ እንተ ዀይኑ ግና፡+ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው ይበል እሞ፡ እቲ ኻህን ይገምግሞ። እቲ ኻህን ከም ዓቕሚ እቲ መብጽዓ እተመባጽዐ ይገምግሞ።+

9 “‘ንየሆዋ መስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ ኬቕርብ እንተ ተመባጺዑ ኸኣ፡ እቲ ንየሆዋ ዚውሃብ ዘበለ ቕዱስ ይኸውን። 10 ንኽፉእ ብጽቡቕ፡ ንጽቡቕ ድማ ብኽፉእ ኣይተክኣዮ ወይ ኣይለውጦ። ሓደ እንስሳ ብኻልእ እንስሳ እንተ ለዊጡ ግና፡ እቲ ናይ መጀመርታን እቲ መላውጥቱን ቅዱሳት ይኹኑ። 11 ንየሆዋ መስዋእቲ ዀይኑ ዘይቀርብ ርኹስ እንስሳ+ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። 12 ጽቡቕ ወይ ክፉእ ምዃኑ፡ እቲ ኻህን ይገምግሞ። ገምጋሙ ኸኣ ከምቲ እቲ ኻህን ዝገምገሞ ይኹን። 13 ኪብጀዎ እንተ ደልዩ ግና፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ።+

14 “‘ሰብ፡ ቤቱ ንየሆዋ ቕድስቲ ኽትከውን እንተ ቐዲስዋ፡ ጽብቕቲ ወይ ክፍእቲ ምዃና፡ እቲ ኻህን ይገምግማ። ዋጋኣ ኸምቲ እቲ ኻህን ዝገምገማ ይኹን።+ 15 እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ደልዩ ግና፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ፣ ናቱ ድማ ትኸውን።

16 “‘ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንየሆዋ እንተ ቐዲሱ፡ እቲ ገምጋም ከም መጠን እቲ ኣብኣ ዚዝራእ ዘርኢ ይኹን፦ ሓደ ሖመር* ዘርኢ ስገም፡ 50 ሲቃል ብሩር ይኹን። 17 ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ+ ጀሚሩ እንተ ቐዲስዋ፡ እቲ ገምጋም ይቑም። 18 ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐዲስዋ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብመጠን እተን ክሳዕ እታ እትቕጽል ዓመት እልልታ ዝተረፋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋም ድማ ይጕደል።+ 19 እቲ ዝቐደሳ ንግራቱ ኺብጀዋ እንተ ደልዩ ግና፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ፣ ናቱ ኸኣ ትኸውን። 20 ነታ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደልዩ፡ እታ ግራት ድማ ንኻልእ እንተ ተሸይጣ፡ ኪብጀዋ ኣይክእልን እዩ። 21 እታ ግራት ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ኽትወጽእ ከላ፡ ከም እተወፈየት ግራት ንየሆዋ እተቐደሰት ትኹን። ርስቲ ኻህናት ትኹን።+

22 “‘ሰብ ካብ ርስቱ ዘይኰነት ዝዓደጋ ግራት+ ንየሆዋ እንተ ቐዲሱ፡ 23 እቲ ኻህን ነቲ ገምጋም ዋጋ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ነቲ ገምጋም ይሃብ።+ ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ። 24 ኣብ ዓመት እልልታ ኸኣ፡ እታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብ ብዓል እታ ምድሪ ትመለስ።+

25 “‘ኵሉ ዋጋ ብሲቃል መቕደስ ይገምገም። ሓደ ሲቃል፡ 20 ጌራ* ይኹን።

26 “‘ግናኸ፡ በዅሪ እንስሳ፡ በዅሪ ዀይኑ ንየሆዋ ተወሊዱ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ኣይቀድሶ።+ ብዕራይ ኰነ ወይ በጊዕ፡ ድሮ ናይ የሆዋ ዀይኑ እዩ።+ 27 ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ዀይኑ እሞ፡ ብመጠን ገምጋሙ እንተ ተበጅይዎ፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ።+ እንተ ዘይተበጅይዎ ግና፡ ብመጠን ገምጋሙ ይሸየጥ።

28 “‘ሰብ ካብ ንብረቱ ንየሆዋ ብዘይ ኵነት ዝወፈዮ* ዘበለ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡ ወይ ግራት ርስቱ፡ ኣይሸየጥ ወይ ኣይበጆ። እተወፈየ ዘበለ ንየሆዋ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 29 ንጥፍኣት እተመጠወ ዅኑን* ሰብ ድማ፡ ብርግጽ ይቀተል ደኣ እምበር፡+ ኪብጆ ኣይከኣልን እዩ።+

30 “‘ዕሽር+ እታ ምድሪ ዘበለ፡ ካብ ዘርኢ ግራት ኰነ፡ ካብ ፍረ ኣእዋም፡ ናይ የሆዋ እዩ። ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ። 31 ሰብ ገለ ኻብ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ደልዩ፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ። 32 ዕሽር ኵለን ከብትን ጤለ በጊዕን፡ ኵለን እተን ብትሕቲ በትሪ ጓሳ ዚሓልፋ ድማ፡ ዕሽር እንስሳ ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹን። 33 ጽቡቕ ወይ ክፉእ ምዃኑ ኣይመርምር፡ ኣይለውጥ እውን። እንተ ለዊጡ ግና፡ እቲ ናይ መጀመርታን እቲ መላውጥቱን ቅዱሳት ይኹኑ።+ ኪብጀዉ ኣይክእሉን እዮም።’”

34 እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዛት እዚ እዩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ