ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ጴጥሮስ ንሃዋርያት ገለጸሎም (1-18)

      • በርናባስን ሳውልን ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ (19-26)

        • ደቀ መዛሙርቲ ንፈለማ ግዜ ክርስትያናት ተባሂሎም ተሰምዩ (26)

      • ኣጋቦስ፡ ጥሜት ከም ዚኸውን ተነበየ (27-30)

ግብሪ ሃዋርያት 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተባእስዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:45፣ ገላ 2:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2003፡ ገጽ 21-22

ግብሪ ሃዋርያት 11:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ያፎ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣቕሓ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:10-16

ግብሪ ሃዋርያት 11:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:17-20

ግብሪ ሃዋርያት 11:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 71

ግብሪ ሃዋርያት 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:30-33

ግብሪ ሃዋርያት 11:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:1, 4፣ 10:44, 45

ግብሪ ሃዋርያት 11:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 3:11፣ ማር 1:8፣ ሉቃ 3:16፣ ግብ 1:5
  • +ዮኤ 2:28፣ ዮሃ 1:33፣ ግብ 2:17

ግብሪ ሃዋርያት 11:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:47

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 73

ግብሪ ሃዋርያት 11:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስቕ በሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:10፣ ግብ 17:30፣ ሮሜ 10:12፣ 15:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1996፡ ገጽ 16

ግብሪ ሃዋርያት 11:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 8:1
  • +ማቴ 10:5, 6

ግብሪ ሃዋርያት 11:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 74

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2000፡ ገጽ 25

ግብሪ ሃዋርያት 11:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:47፣ 9:35

ግብሪ ሃዋርያት 11:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 4:36, 37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2000፡ ገጽ 25

ግብሪ ሃዋርያት 11:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:43፣ 14:21, 22

ግብሪ ሃዋርያት 11:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:47፣ 4:4፣ 5:14፣ 9:31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2000፡ ገጽ 25

ግብሪ ሃዋርያት 11:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 21:39

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2000፡ ገጽ 25

ግብሪ ሃዋርያት 11:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 74-76

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2000፡ ገጽ 25-26

ግብሪ ሃዋርያት 11:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 12:28፣ ኤፌ 4:11

ግብሪ ሃዋርያት 11:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 21:10, 11
  • +ማቴ 24:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2023፡ ገጽ 16

    መስክር፡ ገጽ 74-76

ግብሪ ሃዋርያት 11:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣገልግሎት ረድኤት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 8:12
  • +ገላ 2:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/1998፡ ገጽ 21

ግብሪ ሃዋርያት 11:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 12:25

ሓፈሻዊ

ግብ. 11:2ግብ 10:45፣ ገላ 2:12
ግብ. 11:5ግብ 10:10-16
ግብ. 11:11ግብ 10:17-20
ግብ. 11:13ግብ 10:30-33
ግብ. 11:15ግብ 2:1, 4፣ 10:44, 45
ግብ. 11:16ማቴ 3:11፣ ማር 1:8፣ ሉቃ 3:16፣ ግብ 1:5
ግብ. 11:16ዮኤ 2:28፣ ዮሃ 1:33፣ ግብ 2:17
ግብ. 11:17ግብ 10:47
ግብ. 11:18ኢሳ 11:10፣ ግብ 17:30፣ ሮሜ 10:12፣ 15:8, 9
ግብ. 11:19ግብ 8:1
ግብ. 11:19ማቴ 10:5, 6
ግብ. 11:21ግብ 2:47፣ 9:35
ግብ. 11:22ግብ 4:36, 37
ግብ. 11:23ግብ 13:43፣ 14:21, 22
ግብ. 11:24ግብ 2:47፣ 4:4፣ 5:14፣ 9:31
ግብ. 11:25ግብ 21:39
ግብ. 11:26ግብ 9:2
ግብ. 11:271ቈረ 12:28፣ ኤፌ 4:11
ግብ. 11:28ግብ 21:10, 11
ግብ. 11:28ማቴ 24:7
ግብ. 11:292ቈረ 8:12
ግብ. 11:29ገላ 2:10
ግብ. 11:30ግብ 12:25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 11:1-30

ግብሪ ሃዋርያት

11 ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ እውን ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ ሰምዑ። 2 ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ኸኣ፡ እቶም ደገፍቲ ግዝረት+ ነቐፍዎ፡* 3 “ናብ ቤት ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ፡ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ” ድማ በልዎ። 4 ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ ብዝርዝር ኪገልጸሎም ጀመረ፦

5 “ኣብ ከተማ ዮጴ* እጽሊ ነይረ፣ ተመሲጠ ኸለኹ ድማ ብኣርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ዓለባ በፍታ ዚመስል ነገር* ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ብራእይ ርእየ፣ ናባይ እውን መጺኡ።+ 6 ናብኡ ምስ ጠመትኩ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታት ምድርን ኣራዊትን ለመምትን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣስተብሂለ። 7 ‘ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!’ ዚብል ድምጺ እውን ሰሚዐ። 8 ኣነ ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከቶ ናብ ኣፈይ ኣትዩ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ’ ኢለ። 9 ካልኣይ ሳዕ፡ ‘ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ’ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መሊሱለይ። 10 እዚ ኸኣ ሳልሳይ ሳዕ ኰይኑ፣ ኵሉ ድማ ከም ብሓድሽ ናብ ሰማይ ተሳሒቡ። 11 ኣብታ ህሞት እቲኣ ኸኣ፡ ካብ ቂሳርያ ናባይ እተላእኩ ሰለስተ ሰብኡት፡ ኣብታ ዝነበርክዋ ቤት ደው ኢሎም ነይሮም።+ 12 መንፈስ ከኣ ከይተጠራጠርኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነጊሩኒ። እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከይዶም፣ ናብ ቤት እቲ ሰብኣይ እውን ኣቲና።

13 “ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ ኸም ዝረኣየን፡ ‘ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸውዓዮ፣+ 14 ንስኻን ኵሎም ቤተ ሰብካን እትድሕኑሉ ቓል ድማ፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ’ ኸም ዝበሎን ነጊሩና። 15 ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ መጀመርታ ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶም እውን ወሪዱ።+ 16 ሽዑ፡ ነቲ ጐይታ፡ ‘ዮሃንስ፡ ብማይ እዩ ኣጥሚቑ፣+ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም’ ዚብሎ ዝነበረ ቓል ዘኪረ።+ 17 እምበኣር፡ ኣምላኽ ከምቲ ንዓና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ንዓታቶም እውን ሕደ ናጻ ውህበት ካብ ዚህቦም፡ ኣነ መን እየ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል፧”+

18 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምቅዋሙ ሓደጉ* እሞ፡ “እምበኣርከስ ኣምላኽ ንኣህዛብ እውን ናብ ህይወት ዚመርሕ ንስሓ ፈቒዱሎም” እናበሉ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።+

19 እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ ጸበባ ፋሕ ዝበሉ ኸኣ፡+ ክሳብ ፊንቄን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ከዱ፣ እቲ ቓል ግና ንኣይሁድ ጥራይ ነገሩ።+ 20 ገለ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀሬኔን ነበሩ፣ ንሳቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ብስራት ጐይታና የሱስ እናኣበሰሩ፡ ነቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ነገርዎም። 21 ኢድ የሆዋ* ኸኣ ምሳታቶም ነበረት፣ ብዙሕ ዝቝጽሮም ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ።+

22 እቲ ወሪኦም፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ጉባኤ ተሰምዐ፣ ንሳቶም ድማ ንበርናባስ+ ናብ ኣንጾክያ ለኣኽዎ። 23 ንሱ ኣብኡ በጺሑ፡ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ረኣየ፡ ተሓጐሰ፡ ካብ ልቦም ቈሪጾም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ ኸኣ ኣተባብዖም፣+ 24 ከመይሲ፡ ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ ነበረ። ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ናብ ጐይታ ተወሰኸ።+ 25 ንሱ ድማ ንሳውል ኬናድዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።+ 26 ምስ ረኸቦ ድማ ናብ ኣንጾክያ ኣምጽኦ። ምሉእ ዓመት ከኣ ምሳታቶም ኣብታ ጉባኤ ተኣከቡ፡ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመለኮታዊ መምርሒ፡ ክርስትያናት ተባሂሎም እተሰምዩ ድማ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣንጾክያ ነበረ።+

27 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ነብያት+ ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። 28 ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ+ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኵላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ፣+ እዚ ድማ ብዘመን ቅላውዴዎስ ኰነ። 29 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሙ፡+ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ኣሕዋት ረድኤት* ኪሰድዱሎም ወሰኑ፣+ 30 ነዚ ድማ፡ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም ናብቶም ሽማግለታት ብምልኣኽ ገበርዎ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ