ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ጸፎንያስ 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ጸፎንያስ—ትሕዝቶ

      • መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ቐሪባ እያ (1-18)

        • መዓልቲ የሆዋ ቐልጢፋ ትቐርብ ኣላ (14)

        • ብሩርን ወርቅን ኬድሕን ኣይክእልን (18)

ጸፎንያስ 1:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “የሆዋ ሓብአ (ዓቘረ)።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:1, 2፣ ኤር 1:2
  • +2ነገ 21:18-20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 12

    1/3/1996፡ ገጽ 8

ጸፎንያስ 1:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:16፣ ኢሳ 6:11፣ ኤር 6:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 12

ጸፎንያስ 1:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዚተሓሓዝ ነገራት ወይ ንጥፈታት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:25
  • +ህዝ 14:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 12

ጸፎንያስ 1:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 25:3፣ መሳ 2:11, 13፣ 2ዜና 28:1, 2፣ ኤር 11:17
  • +2ነገ 23:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 13፡ 17

    1/3/1996፡ ገጽ 9፡ 13

ጸፎንያስ 1:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:1, 3፣ ኤር 19:13
  • +እያ 23:6, 7፣ 1ነገ 11:33፣ ኤር 49:1
  • +ኢሳ 48:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 13

    1/3/1996፡ ገጽ 9፡ 13

ጸፎንያስ 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:4፣ ኤር 2:13
  • +ኢሳ 43:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 13

    1/3/1996፡ ገጽ 9-10፡ 16-17

ጸፎንያስ 1:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 2:1፣ 2ጴጥ 3:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 13-14

ጸፎንያስ 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:7፣ ኤር 39:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2007፡ ገጽ 11

    15/2/2001፡ ገጽ 14

    1/3/1996፡ ገጽ 8-9

ጸፎንያስ 1:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድርኵዂት።” መድረኽ ዝፋን ንጉስ ኪኸውን ይኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1996፡ ገጽ 9፡ 14

ጸፎንያስ 1:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:1, 14፣ ነህ 3:3፣ 12:38, 39
  • +2ዜና 34:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 14

    1/3/1996፡ ገጽ 10-11

ጸፎንያስ 1:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከም ዚብሉ ተገይሮም።”

  • *

    ጥቓ ኣፍ ደገ ዓሳ ዝነበረ ኽፋል የሩሳሌም ኪኸውን ይኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 14

    1/3/1996፡ ገጽ 10-11

ጸፎንያስ 1:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ ከም ኣብ ገንኢ ወይኒ ዀይኖም “ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 10:13፣ 14:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 178

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2007፡ ገጽ 11

    15/2/2001፡ ገጽ 14-15

    1/3/1996፡ ገጽ 10፡ 16-17

ጸፎንያስ 1:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:11
  • +ዘዳ 28:30፣ ኤር 5:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 14-15

    1/3/1996፡ ገጽ 9፡ 16-17

ጸፎንያስ 1:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 2:1
  • +ኣን 2:3
  • +ኢሳ 66:6
  • +ኢሳ 33:7፣ ዮኤ 1:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 11

    15/12/2006፡ ገጽ 15

    15/2/2001፡ ገጽ 15-16

    1/3/1996፡ ገጽ 8፡ 10

ጸፎንያስ 1:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 6:17
  • +ኤር 30:7
  • +ኣሞ 5:18, 20፣ ግብ 2:20
  • +ዮኤ 2:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 15-16

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 13-14

ጸፎንያስ 1:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:12, 15
  • +ኤር 4:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 15-16

ጸፎንያስ 1:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣምዑቶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 24:5፣ ዳን 9:5, 8
  • +ዘዳ 28:28, 29፣ ኢሳ 59:9, 10
  • +መዝ 79:2, 3፣ ኤር 9:22፣ 16:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 16-17

ጸፎንያስ 1:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 11:4፣ ኢሳ 2:20፣ ህዝ 7:19
  • +ኤር 4:27
  • +ዘዳ 32:22፣ ኤር 7:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2001፡ ገጽ 16-17

    1/3/1996፡ ገጽ 14

ሓፈሻዊ

ጸፎ. 1:12ነገ 22:1, 2፣ ኤር 1:2
ጸፎ. 1:12ነገ 21:18-20
ጸፎ. 1:22ነገ 22:16፣ ኢሳ 6:11፣ ኤር 6:8
ጸፎ. 1:3ኤር 4:25
ጸፎ. 1:3ህዝ 14:3
ጸፎ. 1:4ዘሁ 25:3፣ መሳ 2:11, 13፣ 2ዜና 28:1, 2፣ ኤር 11:17
ጸፎ. 1:42ነገ 23:5
ጸፎ. 1:52ዜና 33:1, 3፣ ኤር 19:13
ጸፎ. 1:5እያ 23:6, 7፣ 1ነገ 11:33፣ ኤር 49:1
ጸፎ. 1:5ኢሳ 48:1
ጸፎ. 1:6ኢሳ 1:4፣ ኤር 2:13
ጸፎ. 1:6ኢሳ 43:22
ጸፎ. 1:7ዮኤ 2:1፣ 2ጴጥ 3:10
ጸፎ. 1:82ነገ 25:7፣ ኤር 39:6
ጸፎ. 1:102ዜና 33:1, 14፣ ነህ 3:3፣ 12:38, 39
ጸፎ. 1:102ዜና 34:22
ጸፎ. 1:12መዝ 10:13፣ 14:1
ጸፎ. 1:13ኢሳ 6:11
ጸፎ. 1:13ዘዳ 28:30፣ ኤር 5:17
ጸፎ. 1:14ዮኤ 2:1
ጸፎ. 1:14ኣን 2:3
ጸፎ. 1:14ኢሳ 66:6
ጸፎ. 1:14ኢሳ 33:7፣ ዮኤ 1:15
ጸፎ. 1:15ራእ 6:17
ጸፎ. 1:15ኤር 30:7
ጸፎ. 1:15ኣሞ 5:18, 20፣ ግብ 2:20
ጸፎ. 1:15ዮኤ 2:2
ጸፎ. 1:16ኢሳ 2:12, 15
ጸፎ. 1:16ኤር 4:19
ጸፎ. 1:17ኢሳ 24:5፣ ዳን 9:5, 8
ጸፎ. 1:17ዘዳ 28:28, 29፣ ኢሳ 59:9, 10
ጸፎ. 1:17መዝ 79:2, 3፣ ኤር 9:22፣ 16:4
ጸፎ. 1:18ምሳ 11:4፣ ኢሳ 2:20፣ ህዝ 7:19
ጸፎ. 1:18ኤር 4:27
ጸፎ. 1:18ዘዳ 32:22፣ ኤር 7:20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ጸፎንያስ 1:1-18

ጸፎንያስ

1 እቲ ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ* ወዲ ኩሺ ወዲ ገዳልያ ወዲ ኣማርያ ወዲ ህዝቅያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ፦

 2 “ንዅሉ ኻብ ገጽ ምድሪ ጠሪሰ ክዅስትሮ እየ” ይብል የሆዋ።+

 3 “ንሰብን ንእንስሳን ክዅስትሮም እየ።

ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንዓሳ ባሕርን፡+

ንመዐንቀፊታት*+ ድማ ምስቶም እኩያት ክዅስትሮም እየ፣

ንሰብ ከኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኸወግዶ እየ” ይብል የሆዋ።

 4 “ኢደይ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ፡

ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነበርቲ የሩሳሌም ክዝርግሕ፡

ኵሉ ኣሰር በዓል፡+ ስም ካህናት ጓኖት ኣማልኽቲ ምስቶም ካህናት፡

ካብዛ ቦታ እዚኣ ኽድምስስ እየ፣+

 5 ነቶም ኣብ ናሕስታት ንሰራዊት ሰማያት ዚሰግዱ፡+

ነቶም ንማልካም ተኣማንነቶም እናመሓሉ+

ንየሆዋ ዚሰግዱን ተኣማንነቶም ዚምሕሉን፡+

 6 ነቶም ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ዚምለሱ፡+

ነቶም ንየሆዋ ዘይደልይዎን ዘይሓትትዎን ክድምስሶም እየ።”+

 7 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስቕ በሉ።

የሆዋ መስዋእቲ ኣዳልዩ ኣሎ፣ ነቶም ዝዓደሞም ቀዲስዎም ኣሎ።

 8 “በታ መዓልቲ መስዋእቲ የሆዋ፡ ንመሳፍንትን

ንደቂ ንጉስን+ ንዅሎም እቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።

 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መድረኽ* ዚድይቡ፡

ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመጻን ብምትላልን ዚመልኡ፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።

10 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡

“ካብ ኣፍ ደገ ዓሳ ደሃይ ኣውያት፡+

ካብ ካልኣይ ክፋል እታ ኸተማ ድማ ዋይዋይታ፡+

ካብቲ ዅርባታት ከኣ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ።

11 ኵሎም ነጋዶ ጸኒቶም፡

ኵሎም እቶም ብሩር ዚመዝኑ ኸኣ ጠፊኦም* እዮም እሞ፡

ኣቱም ነበርቲ መኽቴሽ፡* ዋይዋይ በሉ።

12 ሽዑ፡ ኣነ ንየሩሳሌም ተጠንቂቐ ብመብራህቲ ኽጕርጕራ እየ፣

ነቶም ብልቦም፡ ‘የሆዋ ጽቡቕ ኣይገብር፡ ክፉእ እውን ኣይገብር’

ዚብሉ ሸለልተኛታት* ድማ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።+

13 ሃብቶም ኪዝመት፡ ኣባይቶም ከኣ ኪባድም እዩ።+

ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ግናኸ ኣይኪነብሩለንን እዮም፣

ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ፡ ግናኸ ፍሪኡ ኣይኪበልዑን እዮም።+

14 እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ!+

ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ቐልጢፋ ድማ ትቐርብ ኣላ!+

ደሃይ መዓልቲ የሆዋ መሪር እዩ።+

ኣብኣ ጅግና የእዊ።+

15 እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ነድሪ፡+

መዓልቲ ጭንቅን ጓህን፡+

መዓልቲ ህቦብላን ብድመትን፡+

መዓልቲ ጸልማትን ድነን፡

መዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን እያ፣+

16 ነተን እተዓርዳ ኸተማታትን በረኽቲ ግምብታት መኣዝንን ከኣ፡+

መዓልቲ መለኸትን ጭድርታ ውግእን እያ።+

17 ሰባት ንየሆዋ ስለ ዝበደሉ፡+

ጭንቂ ኸምጽኣሎም፡

ከም ዕዉራት ከኣ ኪመላለሱ እዮም።+

ደሞም ከም ሓመድ፡

ስጋኦም* ድማ ከም ፋንድያ ኺድፋእ እዩ።+

18 በታ መዓልቲ ነድሪ የሆዋ፡ ብሩሮም ኰነ ወርቆም ኣይኬድሕኖምን እዩ፣+

ንሱ ንዅሎም ነበርቲ ምድሪ ብዜስካሕክሕ መገዲ ስለ ዜጽንቶምሲ፡+

ብሓዊ ቕንኣቱ ብዘላ ምድሪ ኽትብላዕ እያ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ