እዮብ
6 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ወዮ፡ ጓህየይ+ ብምሉኡ እንተ ዚምዘን፡
ምስ መዓተይ እውን ኣብ ሚዛን እንተ ዚግበር!
3 ሕጅስ ካብ ሑጻ ባሕርታት ይኸብድ እዩ።
ስለዚ እዩ ቓላተይ ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ* ዝዀነ።+
5 ኣድጊ በረኻ+ ሳዕሪ ረኺቡ ኸሎዶ ይሃልል እዩ፧
ወይስ ብዕራይ ድርቋ ረኺቡ ኸሎዶ ይንቁ እዩ፧
6 መቐረት ዘይብሉ ምግቢዶ ብዘይ ጨው ይብላዕ እዩ፧
ወይስ ኣብ ጽማቝ ልሕቲትዶ ጣዕሚ ኣሎ እዩ፧
7 ኣነ* ነዚ ነገር እዚ ምትንካይ ኣብየዮ።
ንዓይ ድማ ኣብ ምግበይ ከም ብከላ እዩ።
8 ኣየ፡ ልማኖይ እንተ ዚምለስ፡
ኣምላኽ ከኣ ከም ትምኒተይ እንተ ዚህበኒ!
9 ኣምላኽ ኪጭፍልቐኒ፡
ኢዱ ዘርጊሑ ኺምንቍሰኒ ፍቓዱ እንተ ዚኸውን!+
11 ንምጽባይዶ ሓይሊ ኣሎኒ እዩ፧+
ኣነ ብህይወት ክነብርሲ፡* ኣብ መወዳእታ እንታይ ዝጽበዮ ኣሎኒ፧
12 ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ ኸውሒ እዩ፧
ወይስ ስጋይዶ ብነሓሲ እተገብረ እዩ፧
13 ኵሉ ደገፈይ ካባይ ምስ ረሓቐ፡
ገዛእ ርእሰይ ክሕግዘሉ ዚኽእል መገዲዶ ኣሎ፧
15 ኣሕዋተይ ከምቲ ዚነጽፍ ማይ ወሓይዝ ክረምቲ፡
ከም ውሒዝ ክረምቲ ጠሊሞምኒ።+
16 ንሱ ብበረድ ይጽልም፣
ኣብኡ ኸኣ ዚመክኽ ውርጪ ተሓቢኡ ኣሎ።
17 ብግዜኡ ግና ማይ ዘይብሉ ይኸውን፡ ይውዳእ፣
ሙቐት ምስ ኰነ ድማ ይነጽፍ።
18 መገዱ የላግስ፣
ናብ ምድረ በዳ ውሒዙ ኸኣ ይጠፍእ።
20 ብጌጋ ተኣሚኖም እዮም እሞ ይሓንኩ፣
ናብኡ መጺኦም ድማ ይሓፍሩ።
22 ኣነዶ ‘ሃቡኒ’ ኢለ እየ፧
ወይስ ካብ ሃብትኹም ህያብ ኪውሃበኒዶ ለሚነ እየ፧
23 ካብ ኢድ ጸላኢ ኸተናግፉኒ፡
ወይስ ካብ ጨቈንቲ ኸተድሕኑኒዶ* ሓቲተ እየ፧
24 ምሃሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፣+
ጌጋይ ከኣ ኣረድኡኒ።
25 ቅኑዕ ቃላት ዜሳቒ ኣይኰነን!+
ካብ መግናሕትኹም ግና እንታይ ጥቕሚ ይርከብ፧+
26 ንቓላተይ ክትገንሑዶ ትሓስቡ ኣለኹም፧
ዘረባ ተስፋ ዝቐበጸ ሰብሲ+ ንፋስ ዚወስዶ እዩ።
28 ሕጂ ኸኣ ናባይ እስከ ግልጽ በሉ፣
ኣብ ገጽኩምሲ ኣይሕሱን እየ።
29 እስከ በጃኹም ሕሰቡ፡ ብጌጋ ኣይትፍረዱኒ፣
እወ፡ እስከ ሕሰቡ፡ ጽድቀይ ገና ኣብኡ ኣሎ።
30 ልሳነይ ዓመጻዶ ይዛረብ ኣሎ እዩ፧
ትንሓገይከ ጌጋዶ ኣየስተውዕልን እዩ፧