ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 44
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽቦ በረኸት (1-5)

      • ብዘይካ የሆዋ፡ ኣምላኽ የልቦን (6-8)

      • ሰብ ዚገብሮም ጣኦታት፡ ስራሕ ዕሽነት እዮም (9-20)

      • የሆዋ፡ ተበጃዊ እስራኤል (21-23)

      • ቂሮስ ዳግም ኪሃንጽ እዩ (24-28)

ኢሳይያስ 44:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:1, 7፣ 35:10, 11፣ ኢሳ 41:8

ኢሳይያስ 44:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ እትውለድ።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ቅኑዕ”፣ ንእስራኤል እተዋህበ ናይ ክብሪ መጸውዒ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 43:1፣ 44:21
  • +ዘዳ 32:15፣ 33:5, 26
  • +ኢሳ 41:10፣ ኤር 30:10

ኢሳይያስ 44:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምድሪ ኣጻምእሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:17
  • +ኢሳ 32:14, 15

ኢሳይያስ 44:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 61:11

ኢሳይያስ 44:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 13:9

ኢሳይያስ 44:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 33:5፣ ኢሳ 33:22
  • +ዘጸ 6:6፣ ኤር 50:34
  • +ኢሳ 41:4፣ 48:12፣ ራእ 22:13
  • +ዘዳ 4:35, 39፣ ኢሳ 43:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 142

    ራእይ፡ ገጽ 27-28

ኢሳይያስ 44:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 46:9
  • +ኢሳ 43:9፣ 45:21

ኢሳይያስ 44:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:10
  • +ኢሳ 43:10
  • +ዘዳ 32:4፣ 2ሳሙ 22:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 4

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2007፡ ገጽ 10

ኢሳይያስ 44:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እቶም ምስልታት ኣይርእዩን፡ ኣይፈልጡን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 10:14፣ 1ነገ 18:26፣ 1ቈረ 8:4
  • +መዝ 115:4, 5
  • +ኤር 51:17

ኢሳይያስ 44:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 10:5፣ ግብ 19:26

ኢሳይያስ 44:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 5:3, 7

ኢሳይያስ 44:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብምሳር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:19፣ 41:7፣ 46:6

ኢሳይያስ 44:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:4፣ ዘዳ 4:15, 16፣ 27:15፣ ግብ 17:29

ኢሳይያስ 44:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:20፣ ኤር 10:3

ኢሳይያስ 44:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:4, 5፣ ዘሌ 26:1፣ ኣን 2:18, 19

ኢሳይያስ 44:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 37:37, 38፣ 45:20፣ 46:7

ኢሳይያስ 44:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 10:8, 14፣ ሮሜ 1:21-23

ኢሳይያስ 44:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 27:15

ኢሳይያስ 44:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሱ።”

ኢሳይያስ 44:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 43:1፣ 44:1
  • +ኢሳ 49:15

ኢሳይያስ 44:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 51:1፣ 103:12፣ ኢሳ 1:18፣ 43:25፣ ኤር 33:8፣ ግብ 3:19
  • +ኢሳ 1:27፣ 48:20፣ 59:20

ኢሳይያስ 44:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 49:13፣ 55:12
  • +ኢሳ 60:21

ኢሳይያስ 44:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 44:6
  • +እዮ 26:7፣ ኢሳ 40:22
  • +ኢሳ 42:5፣ 48:13

ኢሳይያስ 44:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ ሓሶት ነብያት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 9:7
  • +2ሳሙ 15:31፣ ኢሳ 29:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 8-9

ኢሳይያስ 44:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 23:14፣ ኢሳ 55:10, 11፣ ዘካ 1:6
  • +መዝ 147:2
  • +ኢሳ 60:10
  • +ኢሳ 61:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትንቢት ዳንኤል፡ ገጽ 150-151

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 8-9

ኢሳይያስ 44:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 42:15፣ ኤር 50:38፣ ራእ 16:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 3

    ትንቢት ዳንኤል፡ ገጽ 150-151

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1997፡ ገጽ 9-11

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 27-28

    ፍልጠት፡ ገጽ 18

ኢሳይያስ 44:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 1:1, 2፣ ኢሳ 41:25፣ 45:1፣ 46:11፣ ዳን 10:1
  • +ኢሳ 48:14
  • +2ዜና 36:22, 23፣ እዝ 6:3፣ ኢሳ 45:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 3

    ትንቢት ዳንኤል፡ ገጽ 150-151

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 44:1ዘፍ 17:1, 7፣ 35:10, 11፣ ኢሳ 41:8
ኢሳ. 44:2ኢሳ 43:1፣ 44:21
ኢሳ. 44:2ዘዳ 32:15፣ 33:5, 26
ኢሳ. 44:2ኢሳ 41:10፣ ኤር 30:10
ኢሳ. 44:3ኢሳ 41:17
ኢሳ. 44:3ኢሳ 32:14, 15
ኢሳ. 44:4ኢሳ 61:11
ኢሳ. 44:5ዘካ 13:9
ኢሳ. 44:6ዘዳ 33:5፣ ኢሳ 33:22
ኢሳ. 44:6ዘጸ 6:6፣ ኤር 50:34
ኢሳ. 44:6ኢሳ 41:4፣ 48:12፣ ራእ 22:13
ኢሳ. 44:6ዘዳ 4:35, 39፣ ኢሳ 43:10
ኢሳ. 44:7ኢሳ 46:9
ኢሳ. 44:7ኢሳ 43:9፣ 45:21
ኢሳ. 44:8ኢሳ 41:10
ኢሳ. 44:8ኢሳ 43:10
ኢሳ. 44:8ዘዳ 32:4፣ 2ሳሙ 22:32
ኢሳ. 44:9መሳ 10:14፣ 1ነገ 18:26፣ 1ቈረ 8:4
ኢሳ. 44:9መዝ 115:4, 5
ኢሳ. 44:9ኤር 51:17
ኢሳ. 44:10ኤር 10:5፣ ግብ 19:26
ኢሳ. 44:111ሳሙ 5:3, 7
ኢሳ. 44:12ኢሳ 40:19፣ 41:7፣ 46:6
ኢሳ. 44:13ዘጸ 20:4፣ ዘዳ 4:15, 16፣ 27:15፣ ግብ 17:29
ኢሳ. 44:14ኢሳ 40:20፣ ኤር 10:3
ኢሳ. 44:15ዘጸ 20:4, 5፣ ዘሌ 26:1፣ ኣን 2:18, 19
ኢሳ. 44:17ኢሳ 37:37, 38፣ 45:20፣ 46:7
ኢሳ. 44:18ኤር 10:8, 14፣ ሮሜ 1:21-23
ኢሳ. 44:19ዘዳ 27:15
ኢሳ. 44:21ኢሳ 43:1፣ 44:1
ኢሳ. 44:21ኢሳ 49:15
ኢሳ. 44:22መዝ 51:1፣ 103:12፣ ኢሳ 1:18፣ 43:25፣ ኤር 33:8፣ ግብ 3:19
ኢሳ. 44:22ኢሳ 1:27፣ 48:20፣ 59:20
ኢሳ. 44:23ኢሳ 49:13፣ 55:12
ኢሳ. 44:23ኢሳ 60:21
ኢሳ. 44:24ኢሳ 44:6
ኢሳ. 44:24እዮ 26:7፣ ኢሳ 40:22
ኢሳ. 44:24ኢሳ 42:5፣ 48:13
ኢሳ. 44:25ሆሴ 9:7
ኢሳ. 44:252ሳሙ 15:31፣ ኢሳ 29:14
ኢሳ. 44:26እያ 23:14፣ ኢሳ 55:10, 11፣ ዘካ 1:6
ኢሳ. 44:26መዝ 147:2
ኢሳ. 44:26ኢሳ 60:10
ኢሳ. 44:26ኢሳ 61:4
ኢሳ. 44:27ኢሳ 42:15፣ ኤር 50:38፣ ራእ 16:12
ኢሳ. 44:28እዝ 1:1, 2፣ ኢሳ 41:25፣ 45:1፣ 46:11፣ ዳን 10:1
ኢሳ. 44:28ኢሳ 48:14
ኢሳ. 44:282ዜና 36:22, 23፣ እዝ 6:3፣ ኢሳ 45:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 44:1-28

ኢሳይያስ

44 “ሕጂ ኸኣ፡ ኣታ ያእቆብ ጊልያይ፡

ኣታ እስራኤል ሕሩየይ፡ ስማዕ።+

 2 እቲ ዝገበረካን ዝደኰነካን+

ካብ ማሕጸን* ዝረድኣካን

የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

‘ኣታ ያእቆብ ጊልያይ፡

ኣታ የሹሩን*+ ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።+

 3 ኣብቲ ጽሙእሲ* ማይ፡+

ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ኸኣ ወሓይዝ ከፍስስ እየ።

ኣብ ዘርእኻስ መንፈሰይ፡+

ኣብ ውሉዳትካ ድማ በረኸት ከፍስስ እየ።

 4 ንሳቶም ከኣ ከም ሳዕሪ፡

ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ ከም ዘሎ ኣእዋም ዓራባ ኺበቝሉ እዮም።+

 5 እዚ ሓደ፡ “ኣነ ናይ የሆዋ እየ” ኺብል፡+

እቲ ሓደ ድማ ብስም ያእቆብ ኪጽዋዕ፡

ካልእ ከኣ ኣብ ኢዱ፡ “ናይ የሆዋ” ኢሉ ኺጽሕፍ እዩ።

ስም እስራኤል እውን ኪቕበል እዩ።’

 6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፣

እቲ ንጉስ እስራኤልን+ ተበጃዊኡን+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦

‘ኣነ ቐዳማይን ዳሕራይን እየ።+

ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+

 7 ከማይ ዝበለ መን እዩ፧+

ይጸውዕን ይንገርን የርእየንን!+

ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኻብ ዝመስረትኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡

ነቲ ዚመጽእን

ገና ዚኸውንን ነገር ይንገሩ።

 8 ኣይትርዓዱ፡

ብፍርሂ እውን ኣይትልመሱ።+

ንነፍሲ ወከፍካ ኣቐዲመዶ ኣየስማዕኩኻን ወይ ኣይነገርኩኻን፧

ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።+

ብዘይካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ፧

ካልእ ከውሕስ የልቦን፣+ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን።’”

 9 ኵሎም እቶም ጽሩብ ምስልታት ዚሰርሑ ኸንቱ እዮም፣

እቶም ዚፈትውዎም ነገራቶም ከኣ ኣይጠቕሙን እዮም።+

መሰኻኽሮም ኰይኖምሲ ሓንቲ እኳ ኣይርእዩን፡ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣*+

ስለዚ፡ እቶም ዚገብርዎም፡ ኪሓፍሩ እዮም።+

10 ንሓደ እኳ ዘይጠቅም

ኣምላኽ ዚሰርሕ ወይ ፍሱስ ምስሊ ብፍሲ ዚገብር መን እዩ፧+

11 እንሆ፡ ኵሎም ተሓባበርቱ ኺሓፍሩ እዮም!+

ኢደ ጥበበኛታትሲ ሰብ ጥራይ እዮም።

ኵሎም ይተኣከቡን ይቝሙን።

ብሓባር ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም።

12 ሓጓዳይ ንሓጺን ኣብ ጓህሪ ገይሩ ብንዋቱ* ይሰርሕ፣

ብሓያል ቅልጽሙ እናዓየየ፡

ብሞደሻ ቕርጺ የትሕዞ።+

ሽዑ፡ ይጠሚ እሞ፡ ሓይሉ ይውዳእ፣

ማይ ኣይሰትን እሞ፡ ይደክም።

13 ጸራብ ዕንጨይቲ ኸኣ ገመድ መለክዒ ይዝርግሕ እሞ ብቐይሕ ኵርሽ ይነድፎ።

ብመንደል ይሰርሖ፡ ብኮምፓስ ገይሩ ይሕንጽጾ።

ኣብ ቤት* ኪቕመጥሲ፡

ከም ሰብ፡

ከም ጽባቐ ሰብ ገይሩ ይነድፎ።+

14 ቄድሮሳት ምቝራጽ ዝዕዮኡ ድማ ኣሎ።

ሓደ ዓይነት ኦም፡ ገዚፍ ኦም፡ ይሓሪ እሞ፡

ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ደልዲሉ ኺዓቢ ይሓድጎ።+

ኦም ላውሪል ይተክል፡ ዝናም ከኣ የብቍሎ።

15 ንሰብ ከኣ ንምንዳድ ይዀኖ።

ገለ ኻብኡ ወሲዱ ይሞቘሉ፣

ሓዊ ኣጒዱ ድማ እንጌራ ይስንክተሉ።

ግናኸ፡ ኣምላኽ ገይሩ እውን የምልኾ።

ጽሩብ ምስሊ ይገብር እሞ ይሰግደሉ።+

16 ፍርቁ ኣብ ሓዊ የንድዶ፣

በቲ ፍርቂ እቲ እውን ስጋ ጠቢሱ ይበልዕ እሞ ይጸግብ።

ይመውቕ እሞ፡

“ኣሰይ፡ ሞይቀ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣለኹ” ይብል።

17 ነቲ ዝተረፈ ግና ጽሩብ ምስሊ ሰሪሑ ኣምላኽ ይገብሮ።

ይሰግደሉን የምልኾን።

“ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ”

እናበለ ናብኡ ይጽሊ።+

18 ኣዒንቶም ስለ እተዓመታን ስለ ዘይርእዩን

ልቦም ልቦና ስለ ዘይብሉን

ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣይርድኡን እዮም።+

19 “ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደዮ፡

ብጓህሩ ድማ ክበልዕሲ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ እውን ጠቢሰ።

እሞ ደኣ ነቲ ዝተረፈዶ ፍንፉን ነገር ክገብሮ እየ፧+

ካብ ኦም ንእተቘርጸ ዕንጨይቲዶ ኽሰግድ እየ፧”

ኢሉ ብልቡ ዚሓስብ፡

ወይ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ የልቦን።

20 ንሱ ሓምዅሽቲ ይምገብ።

እቲ እተታለለ ልቡ ኣስሒትዎ እዩ።

ርእሱ* ኼድሕን፡

“ኣብ የማነይቲ ኢደይ ሓሶት ደይኰነን ዘሎ፧” ኪብል ኣይክእልን እዩ።

21 “ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤል፡ እዚ ዘክር፣

ንስኻስ ጊልያይ ኢኻ።

ኣነ ደኲነካ፡ ንስኻ እውን ጊልያይ ኢኻ።+

ኣታ እስራኤል፡ ኣይክርስዓካን እየ።+

22 ንኣበሳኻ ኸም ብደበና፡

ንሓጢኣትካ እውን ከም ብብርቱዕ ደበና ኽድምስሶ እየ።+

ኣነ ኽብጀወካ እየ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።+

23 የሆዋ ተግባሩ ገይሩ እዩ እሞ፡

ኣቱም ሰማያት እልል በሉ!

ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፡ ጭድርታ ዓወት ጨድሩ!

ኣቱም ኣኽራን፡

ኣቱም ዱርን ኵላትኩም ኣእዋምን፡ እልል በሉ!+

የሆዋስ ንያእቆብ ተበጅይዎ እዩ፣

ኣብ እስራኤል ከኣ ግርማ ኣርእዩ እዩ።”+

24 የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+

ካብ ማሕጸን ኣትሒዙ ዝደኰነካ ኸምዚ ይብል፦

“ኵሉ ዝገበርኩ፡ ኣነ የሆዋ እየ።

ንሰማያት ባዕለይ ገቲረዮ፡+

ንምድሪ ኸኣ ዘርጊሐያ።+

ምሳይ መን ነይሩ፧

25 ንትእምርትታት እቶም ባዶ ዚዛረቡ* አፍሽል ኣለኹ፣

ንጠንቈልቲ ዘዐሽዎም ከኣ ኣነ እየ፣+

ንጥበበኛታት ዘዐውኖም፡

ንፍልጠቶም ድማ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡+

26 ንቓል ጊልያኡ ዘጽንዕ፡

ንትንቢት ልኡኻቱ ኸኣ ዝፍጽም፡+

ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ኪነብርዋ እዮም’ ዝብል፡+

ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ፡ ‘ዳግም ኪህነጻ እየን፡+

ዑናታታ ድማ ከተንስእ እየ’ ዝብል፡+

27 ብዛዕባ መዓሙቝ ማያት፡ ‘ህፈፍ፡

ኵሉ ኣፍላግካ ድማ ከንቅጽ እየ’ ዝብል+

28 ብዛዕባ ቂሮስ፡+ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ፡

ፍቓደይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም እዩ’ ዝብል፡+

ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ዳግም ክትህነጽ እያ’ ዝብል፡

ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ ‘ክትስረት እያ’ ዝብል ኣነ እየ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ