ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ቈረንቶስ 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ጳውሎስ ኬሐጕሶም ይሓስብ ነበረ (1-4)

      • ሓደ ሓጥእ ይቕረ ተባህለሉን ተመልሰን (5-11)

      • ጳውሎስ ኣብ ጥሮኣስን ኣብ መቄዶንያን (12, 13)

      • ኣገልግሎትና፡ ዓጀባ ዓወት (14-17)

        • ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን (17)

2 ቈረንቶስ 2:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 7:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/1996፡ ገጽ 11

2 ቈረንቶስ 2:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 5:1

2 ቈረንቶስ 2:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 12:12
  • +ሉቃ 15:23, 24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2010፡ ገጽ 13

    1/10/1998፡ ገጽ 17-18

2 ቈረንቶስ 2:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 12:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2013፡ ገጽ 20

    1/10/1998፡ ገጽ 17

2 ቈረንቶስ 2:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2006፡ ገጽ 29

2 ቈረንቶስ 2:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከይጐርሓልና።”

  • *

    ወይ፡ “ሓሳቡ፣ ተንኰሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 22:31፣ 2ጢሞ 2:26
  • +ኤፌ 6:11, 12፣ 1ጴጥ 5:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 27

    15/1/2006፡ ገጽ 29

    15/8/2002፡ ገጽ 26-28

    1/10/1998፡ ገጽ 18

2 ቈረንቶስ 2:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 166

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1998፡ ገጽ 30

2 ቈረንቶስ 2:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ገላ 2:3፣ ቲቶ 1:4
  • +2ቈረ 7:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 166

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1998፡ ገጽ 30

2 ቈረንቶስ 2:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዚገልጽን።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2010፡ ገጽ 23

    1/9/2005፡ ገጽ 31

2 ቈረንቶስ 2:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2010፡ ገጽ 23

    15/7/2008፡ ገጽ 28

    1/9/2005፡ ገጽ 31

2 ቈረንቶስ 2:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መዓዛ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 15:19፣ 2ቈረ 4:3፣ 1ጴጥ 2:7, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2010፡ ገጽ 23

    15/7/2008፡ ገጽ 28

    1/9/2005፡ ገጽ 31

2 ቈረንቶስ 2:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብቓል ኣምላኽ ኣይንነግድን (መኽሰብ ንምርካብ ኣይንጥቀመሉን) ኢና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 4:2

ሓፈሻዊ

2 ቈረ. 2:42ቈረ 7:8, 9
2 ቈረ. 2:51ቈረ 5:1
2 ቈረ. 2:7እብ 12:12
2 ቈረ. 2:7ሉቃ 15:23, 24
2 ቈረ. 2:8ሮሜ 12:10
2 ቈረ. 2:11ሉቃ 22:31፣ 2ጢሞ 2:26
2 ቈረ. 2:11ኤፌ 6:11, 12፣ 1ጴጥ 5:8
2 ቈረ. 2:12ግብ 16:8
2 ቈረ. 2:13ገላ 2:3፣ ቲቶ 1:4
2 ቈረ. 2:132ቈረ 7:5
2 ቈረ. 2:16ዮሃ 15:19፣ 2ቈረ 4:3፣ 1ጴጥ 2:7, 8
2 ቈረ. 2:172ቈረ 4:2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ቈረንቶስ 2:1-17

2 ቈረንቶስ

2 ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ ብጓሂ ኸይመጸኩም ወሲነ ኣለኹ። 2 ንዓኻትኩም እንተ ኣጕህየኩምሲ፡ ንዓይ ብዘይካ እቶም ዘጕሃኽዎም ካልእ ዜሐጕሰኒ መን ኪህሉ እዩ፧ 3 ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላትኩም ከም ዝዀነ ብዅላትኩም ስለ ዝተኣማመን፡ ምስ መጻእኩ፡ በቶም ክሕጐሰሎም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኸይጕሂ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። 4 ክሳዕ ክንደይ ኣዝየ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን+ ነዚ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሓፍኩልኩም።

5 ንሰብ ዘጕሃየ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡+ እምብዛ ደኣ ኸየኽብደሉ እምበር፡ ንዓይ ዘይኰነስ፡ ብእተወሰነ ንዅላትኩም እዩ ኣጕህዩ። 6 ነዚ ኸምዚ ዝበለስ፡ እቲ ኻብ መብዛሕትኹም እተዋህቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ እዩ፣ 7 እኳ ደኣስ፡ ብብዝሒ ጓሂ ምእንቲ ኸይወሓጥ፡+ ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።+ 8 ስለዚ፡ ፍቕርኹም ከተረጋግጹሉ እምዕደኩም ኣለኹ።+ 9 ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም መርትዖ ምእንቲ ኸተቕርቡ ኢለ እውን እየ ዝጸሓፍኩልኩም። 10 ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፡ ኣነ እውን ይቕረ እብለሉ እየ። እኳ ደኣስ፡ ይቕረ ዝበልክዎ ዘበለ፡ (ማለት ይቕረ ዝበልክዎ እንተ ኣልዩ፡) ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኹም እዩ፣ 11 ማለት ሰይጣን ከይብለጸልና* ኢለ እየ፣+ ምኽንያቱ፡ ውዲቱ* ኣይንስሕቶን ኢና።+

12 ብስራት ክርስቶስ ምእንቲ ኸበስር ኢለ ናብ ጥሮኣስ+ ምስ መጻእኩ፡ ብጐይታ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ነይሩ፣ 13 ንቲቶስ+ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፡ መንፈሰይ ኣይቀሰነን። ስለዚ፡ ተሰናቢተዮም ናብ መቄዶንያ ነቒለ።+

14 ግናኸ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ብሓባር ገይሩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ዓጀባ ዓወት ዚመርሓናን ብኣና ኣቢሉ ሽታ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚዝርግሕን* ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። 15 ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን፡ ንኣምላኽ ምዑዝ ሽታ ክርስቶስ ኢና፣ 16 ነቶም ዚጠፍኡ ናብ ሞት ዚመርሕ ሽታ* ሞት፡+ ነቶም ዚድሕኑ ግና ናብ ህይወት ዚመርሕ መዓዛ ህይወት ኢና። ነዚኸ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧ 17 ንሕና ኢና፣ ከመይሲ፡ ካብ ኣምላኽ ተላኢኽና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ብዅሉ ግርህነት ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ዝዀንዎ፡ ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን።*+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ