ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ተሰሎንቄ (1-9)

      • ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤርያ (10-15)

      • ጳውሎስ ኣብ ኣቴና (16-22ሀ)

      • ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ እተዛረቦ ዘረባ (22ለ-34)

ግብሪ ሃዋርያት 17:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ተሰ 2:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 133

ግብሪ ሃዋርያት 17:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:19, 20፣ 13:13, 14፣ 14:1፣ 18:4
  • +ግብ 18:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 88

    መስክር፡ ገጽ 134-135

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 18-19

    1/12/2008፡ ገጽ 30

    ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ገጽ 251-252

ግብሪ ሃዋርያት 17:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 22:7፣ 34:20፣ 69:21፣ 118:22፣ ኢሳ 50:6፣ 53:3, 5
  • +መዝ 16:10፣ ሉቃ 24:45, 46

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 134-135

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 19

    1/12/2008፡ ገጽ 30

ግብሪ ሃዋርያት 17:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 15:22, 40

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 135

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 19

    1/11/1997፡ ገጽ 10-11

ግብሪ ሃዋርያት 17:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:45

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 135-136፡ 139

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 19

ግብሪ ሃዋርያት 17:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜናዕቡስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:19-21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 135-136

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 19-20

ግብሪ ሃዋርያት 17:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 23:1, 2፣ ዮሃ 19:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 135-136

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 20

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” 1ተሰ-ራእ፡ ገጽ 4

ግብሪ ሃዋርያት 17:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ማቴ-ቈሎ፡ ገጽ 15

ግብሪ ሃዋርያት 17:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 136

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 20

ግብሪ ሃዋርያት 17:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 136-137

ግብሪ ሃዋርያት 17:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 137-138

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 2

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2011፡ ገጽ 25

    15/4/2007፡ ገጽ 14-15

    15/10/1998፡ ገጽ 6

    15/5/1996፡ ገጽ 16-17

ግብሪ ሃዋርያት 17:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 14:2, 19

ግብሪ ሃዋርያት 17:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:23

ግብሪ ሃዋርያት 17:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:1, 2፣ 1ተሰ 3:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2004፡ ገጽ 18-19

ግብሪ ሃዋርያት 17:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 140

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1998፡ ገጽ 26-27

ግብሪ ሃዋርያት 17:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 140-141

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 18

ግብሪ ሃዋርያት 17:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 5:28, 29፣ 11:25፣ 1ቈረ 15:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 141-142

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2003፡ ገጽ 22

    1/8/2001፡ ገጽ 8

    15/7/1998፡ ገጽ 25፡ 27

ግብሪ ሃዋርያት 17:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1516

ግብሪ ሃዋርያት 17:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪበጽሑ ዝመጹ።”

ግብሪ ሃዋርያት 17:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብዝያዳ ሃይማኖተኛታት ምዃንኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:33, 34
  • +ግብ 17:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ሰባት ኣፍቅር፡ ትምህርቲ 5

    መስክር፡ ገጽ 142-143

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 30

    1/9/2007፡ ገጽ 14

    ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ገጽ 252

ግብሪ ሃዋርያት 17:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ሰባት ኣፍቅር፡ ትምህርቲ 5

    መስክር፡ ገጽ 143

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2012፡ ገጽ 18

    15/7/2010፡ ገጽ 30

    15/7/2002፡ ገጽ 32

ግብሪ ሃዋርያት 17:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 146:6
  • +1ነገ 8:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 143-144

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 30

    1/7/2008፡ ገጽ 10

ግብሪ ሃዋርያት 17:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 42:5
  • +መዝ 50:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 144

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 38

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 30

    1/7/2008፡ ገጽ 10

ግብሪ ሃዋርያት 17:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 5:2
  • +ዘፍ 1:28
  • +ዘዳ 2:5, 19፣ 32:8፣ መዝ 74:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት፡ ዓንቀጽ 64

    መስክር፡ ገጽ 144-145

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 30

    1/7/2008፡ ገጽ 10

    15/9/1998፡ ገጽ 12

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 24-25

ግብሪ ሃዋርያት 17:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:29፣ መዝ 145:18፣ ሮሜ 1:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 145

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 30

    1/7/2008፡ ገጽ 10

ግብሪ ሃዋርያት 17:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሌቱ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 145-146

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 38

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 30-31

    15/6/2004፡ ገጽ 14

ግብሪ ሃዋርያት 17:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሌት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 1:27
  • +ዘዳ 5:8፣ ኢሳ 37:19፣ 40:18-20፣ 46:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 146

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 30-31

    15/1/2004፡ ገጽ 32

ግብሪ ሃዋርያት 17:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤፌ 4:17, 18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 146

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 31

ግብሪ ሃዋርያት 17:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 96:13፣ 98:9፣ ዮሃ 5:22፣ ግብ 10:42
  • +ዮሃ 11:25፣ ግብ 2:24፣ 13:32, 33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 147

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 31

    15/1/2008፡ ገጽ 20

    ራእይ፡ ገጽ 295-296

    ንዘለኣለም ምንባር፡ ገጽ 175

ግብሪ ሃዋርያት 17:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 1:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 147

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 31

    1/7/1998፡ ገጽ 12

ግብሪ ሃዋርያት 17:34

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 31

ሓፈሻዊ

ግብ. 17:11ተሰ 2:1
ግብ. 17:2ግብ 9:19, 20፣ 13:13, 14፣ 14:1፣ 18:4
ግብ. 17:2ግብ 18:19
ግብ. 17:3መዝ 22:7፣ 34:20፣ 69:21፣ 118:22፣ ኢሳ 50:6፣ 53:3, 5
ግብ. 17:3መዝ 16:10፣ ሉቃ 24:45, 46
ግብ. 17:4ግብ 15:22, 40
ግብ. 17:5ግብ 13:45
ግብ. 17:6ግብ 16:19-21
ግብ. 17:7ሉቃ 23:1, 2፣ ዮሃ 19:12
ግብ. 17:13ግብ 14:2, 19
ግብ. 17:14ማቴ 10:23
ግብ. 17:15ግብ 16:1, 2፣ 1ተሰ 3:2
ግብ. 17:18ዮሃ 5:28, 29፣ 11:25፣ 1ቈረ 15:12
ግብ. 17:22ግብ 17:33, 34
ግብ. 17:22ግብ 17:16
ግብ. 17:24መዝ 146:6
ግብ. 17:241ነገ 8:27
ግብ. 17:25ኢሳ 42:5
ግብ. 17:25መዝ 50:12
ግብ. 17:26ዘፍ 5:2
ግብ. 17:26ዘፍ 1:28
ግብ. 17:26ዘዳ 2:5, 19፣ 32:8፣ መዝ 74:17
ግብ. 17:27ዘዳ 4:29፣ መዝ 145:18፣ ሮሜ 1:20
ግብ. 17:29ዘፍ 1:27
ግብ. 17:29ዘዳ 5:8፣ ኢሳ 37:19፣ 40:18-20፣ 46:5
ግብ. 17:30ኤፌ 4:17, 18
ግብ. 17:31መዝ 96:13፣ 98:9፣ ዮሃ 5:22፣ ግብ 10:42
ግብ. 17:31ዮሃ 11:25፣ ግብ 2:24፣ 13:32, 33
ግብ. 17:321ቈረ 1:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 17:1-34

ግብሪ ሃዋርያት

17 ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ናብ ተሰሎንቄ መጹ፣+ ኣብኣ እውን ምኵራብ ኣይሁድ ነበረት። 2 ጳውሎስ ከኣ ከም ልማዱ+ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራረበ፣+ 3 ክርስቶስ ኪስቀን+ ካብ ምዉታት ኪትንስእን+ ከም ዚግብኦ ይገልጸሎምን እናጠቐሰ የረድኦምን፡ “እዚ ዝሰብከልኩም ዘለኹ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ” ይብሎምን ነበረ። 4 ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣሚኖም ምስ ጳውሎስን ሲላስን ሓበሩ፣+ ንኣምላኽ ዜምልኹ ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያንን ብዙሓት ኣውራታት ኣንስትን እውን ከምኡ ገበሩ።

5 ኣይሁድ ግና ቀኒኦም፡+ ኣብቲ ዕዳጋ ንዜውደልድሉ ገለ እኩያት ሰብኡት ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ከኣ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ኣብ ቤት ያሶን ድማ መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ ንጳውሎስን ንሲላስን ከኣ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ። 6 ምስ ሰኣንዎም፡ ንያሶንን ንገለ ኣሕዋትን ናብ ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ወጢጦም ወሲዶም፡ “እዞም ንዓለም ዜዕገርግሩስ* ናብዚ እውን መጺኦም፣+ 7 ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ። ኵላቶም ድማ ‘የሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፡ ምስ ትእዛዝ ቄሳር ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ” እናበሉ ጨደሩ።+ 8 እቶም ህዝብን እቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሰምበዱ፣ 9 ካብ ያሶንን ካብቶም ካልኦትን ዋሕስ ምስ ተቐበሉ ድማ፡ ሓደግዎም።

10 እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስን ንሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተዉ። 11 እዚኣቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ይልብሙ ነበሩ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ኺፈልጡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። 12 ስለዚ፡ ብዙሓት ካባታቶም ኣመኑ፣ ብዙሓት ሕፉራት ግሪኻውያን ኣንስትን ገለ ሰብኡትን እውን ከምኡ ገበሩ። 13 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ እውን ቃል ኣምላኽ ከም ዝሰበኸ ምስ ፈለጡ ግና፡ ነቲ ህዝቢ ኼለዓዕሉን ኪርብሹን መጹ።+ 14 ሽዑ፡ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ብኡብኡ ናብ ባሕሪ ኪኸይድ ሰደድዎ፣+ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። 15 ግናኸ፡ እቶም ንጳውሎስ ዘሰነይዎ፡ ክሳብ ኣቴና ኣብጽሕዎ፣ ብዛዕባ ሲላስን ጢሞቴዎስን+ ከኣ ቀልጢፎም ናብ ጳውሎስ ኪመጹ ትእዛዝ ምስ ተቐበሉ፡ ነቐሉ።

16 ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ ድማ፡ እታ ኸተማ ብጣኦታት ተመሊኣ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ውሽጡ መንፈሱ ሓረቐ። 17 ስለዚ፡ ኣብ ምኵራብ ምስ ኣይሁድን ንኣምላኽ ምስ ዜምልኹ ኻልኦትን፡ ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦም ይዛራረብ ነበረ። 18 ገለ ፈላስፋታት ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ግና ምስኡ ተኻትዑ፣ ገሊኣቶም ከኣ፡ “እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል እዩ ደልዩ፧” በሉ። ገሊኣቶም ድማ፡ “ሰባኺ ጓኖት ኣማልኽቲ ይመስል” በሉ። እዚ ዝበሉ፡ ብዛዕባ የሱስን ትንሳኤን የበስሮም ስለ ዝነበረ እዩ።+ 19 ሒዞም ከኣ ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ፡ “ብዛዕባ እዚ እትዛረቦ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርቲ ኽንፈልጥ ንኽእልዶ፧ 20 ንኣእዛንናስ ሓድሽ ነገር ኢኻ እተስምዓና ዘለኻ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ድማ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና” ድማ በልዎ። 21 ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚቕንዩ* ጓኖትን፡ ግዜ ዕረፍቶም ሓድሽ ነገር ኣብ ምዝራብ ወይ ኣብ ምስማዕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣየሕልፍዎን ነበሩ። 22 ሽዑ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ+ ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦

“ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዅሉ ነገር ብዝያዳ ፍርሃት ኣማልኽቲ ኸም ዘሎኩም* እርኢ ኣለኹ።+ 23 ንኣብነት፡ ክሓልፍ ከለኹን እተምልኽዎ ነገር ክዕዘብ ከለኹን፡ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ እኳ ረኺበ እየ። እምበኣር፡ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘለኹም፡ ኣነ እሰብከልኩም ኣለኹ። 24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን ብምዃኑ፡+ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ኣይነብርን እዩ፣+ 25 ንሱ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን+ ኵሉ ነገርን ዚህብ ስለ ዝዀነ እውን፡ ገለ ኸም ዚጐድሎስ ያኢ ብኢድ ሰብ ኣይግልገልን እዩ።+ 26 ካብ ሓደ ሰብ+ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ፣+ ምዱብ ግዜያትን ዚነብሩሉ ድዉብ ደረትን ከኣ ወሲኑሎም ኣሎ፣+ 27 እዚ ድማ ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ ኢሉ እዩ።+ 28 ከመይሲ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና፣ ከምቲ ገለ ኻብ ተቐነይትኹም ዚብልዎ፡ ‘ንሕና እውን ደቁ* ኢና።’

29 “እምበኣር፡ ደቂ* ኣምላኽ ካብ ኰንና፡+ ኣምላኽ ከምቲ ብብልሓትን ብምህዞን ሰብ እተገብረ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግብኣናን እዩ።+ 30 ኣምላኽ ነቲ ግዜያት ድንቍርና ሸለል ኢልዎ እዩ፣+ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። 31 በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፣+ ንዕኡ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ።”+

32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ፡ ገሊኣቶም ኣላገጹሉ፣+ ገሊኣቶም ከኣ፡ “ብዛዕባ እዝስ ካልእ ግዜ እውን ክንሰምዓካ ኢና” በልዎ። 33 ጳውሎስ ድማ ሓዲግዎም ከደ፣ 34 ገለ ሰብኡት ከኣ ሓበርዎ፡ ኣመኑ እውን። ካባታቶም ድማ እቲ ዳኛ መጋባእያ ኣርዮስፋጎስ ዝነበረ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን ካልኦትን ነበሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ