ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ቈረንቶስ 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ሰላምታ (1-3)

      • ጳውሎስ ስለ ሰብ ቈረንቶስ ንኣምላኽ ኣመስገኖ (4-9)

      • ሓድነት ኪህልዎም እተዋህበ ማዕዳ (10-17)

      • ክርስቶስ፡ ሓይልን ጥበብን ኣምላኽ (18-25)

      • ብየሆዋ ጥራይ ምምካሕ (26-31)

1 ቈረንቶስ 1:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:15

1 ቈረንቶስ 1:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 18:1
  • +1ቈረ 6:11፣ እብ 9:13, 14
  • +ማቴ 12:18, 21፣ ግብ 4:12

1 ቈረንቶስ 1:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ቈሎ 1:9

1 ቈረንቶስ 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 18:5

1 ቈረንቶስ 1:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 17:29, 30፣ 2ተሰ 1:7፣ 1ጴጥ 1:7

1 ቈረንቶስ 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 4:5፣ 5:5፣ ራእ 1:10

1 ቈረንቶስ 1:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ግደ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:9

1 ቈረንቶስ 1:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 15:5, 6፣ 2ቈረ 13:11፣ ኤፌ 4:1, 3፣ ፊል 2:2
  • +ሮሜ 16:17

1 ቈረንቶስ 1:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/1997፡ ገጽ 29

1 ቈረንቶስ 1:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 18:24፣ 1ቈረ 3:4, 5, 21-23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1996፡ ገጽ 21-22

1 ቈረንቶስ 1:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 18:8
  • +ሮሜ 16:23

1 ቈረንቶስ 1:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 16:15

1 ቈረንቶስ 1:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ብዘይ በሊሕ ዘረባ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:15

1 ቈረንቶስ 1:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:18፣ 1ቈረ 2:14
  • +ሮሜ 1:16

1 ቈረንቶስ 1:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:14

1 ቈረንቶስ 1:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ምሁር እቲ ሕጊ።

  • *

    ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።

1 ቈረንቶስ 1:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ቈሎ 2:8
  • +ሉቃ 10:21
  • +1ቈረ 2:14፣ 3:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2008፡ ገጽ 26

1 ቈረንቶስ 1:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 12:38፣ ሉቃ 11:29

1 ቈረንቶስ 1:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2012፡ ገጽ 23

    15/8/2010፡ ገጽ 4

    15/6/2003፡ ገጽ 6

    15/6/1999፡ ገጽ 30

1 ቈረንቶስ 1:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ቈሎ 2:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 87-96

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2015፡ ገጽ 3-7

1 ቈረንቶስ 1:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 13:4

1 ቈረንቶስ 1:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብመለክዒታት ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 4:13
  • +ዮሃ 7:48፣ ያእ 2:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/1994፡ ገጽ 21-22

1 ቈረንቶስ 1:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 11:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2014፡ ገጽ 24

    1/8/1994፡ ገጽ 21-22

1 ቈረንቶስ 1:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 2:6

1 ቈረንቶስ 1:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስጋ ዘበለ።”

1 ቈረንቶስ 1:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 10:4፣ 2ቈረ 5:21
  • +ዮሃ 17:19፣ እብ 10:10
  • +ሮሜ 3:24፣ ቈሎ 1:13, 14

1 ቈረንቶስ 1:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:24፣ 2ቈረ 10:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2005፡ ገጽ 13

ሓፈሻዊ

1 ቈረ. 1:1ግብ 9:15
1 ቈረ. 1:2ግብ 18:1
1 ቈረ. 1:21ቈረ 6:11፣ እብ 9:13, 14
1 ቈረ. 1:2ማቴ 12:18, 21፣ ግብ 4:12
1 ቈረ. 1:5ቈሎ 1:9
1 ቈረ. 1:6ግብ 18:5
1 ቈረ. 1:7ሉቃ 17:29, 30፣ 2ተሰ 1:7፣ 1ጴጥ 1:7
1 ቈረ. 1:81ቈረ 4:5፣ 5:5፣ ራእ 1:10
1 ቈረ. 1:9ዘዳ 7:9
1 ቈረ. 1:10ሮሜ 16:17
1 ቈረ. 1:10ሮሜ 15:5, 6፣ 2ቈረ 13:11፣ ኤፌ 4:1, 3፣ ፊል 2:2
1 ቈረ. 1:12ግብ 18:24፣ 1ቈረ 3:4, 5, 21-23
1 ቈረ. 1:14ግብ 18:8
1 ቈረ. 1:14ሮሜ 16:23
1 ቈረ. 1:161ቈረ 16:15
1 ቈረ. 1:17ግብ 9:15
1 ቈረ. 1:18ግብ 17:18፣ 1ቈረ 2:14
1 ቈረ. 1:18ሮሜ 1:16
1 ቈረ. 1:19ኢሳ 29:14
1 ቈረ. 1:21ቈሎ 2:8
1 ቈረ. 1:21ሉቃ 10:21
1 ቈረ. 1:211ቈረ 2:14፣ 3:18
1 ቈረ. 1:22ማቴ 12:38፣ ሉቃ 11:29
1 ቈረ. 1:23ግብ 17:32
1 ቈረ. 1:24ቈሎ 2:3
1 ቈረ. 1:252ቈረ 13:4
1 ቈረ. 1:26ግብ 4:13
1 ቈረ. 1:26ዮሃ 7:48፣ ያእ 2:5
1 ቈረ. 1:27ማቴ 11:25
1 ቈረ. 1:281ቈረ 2:6
1 ቈረ. 1:30ሮሜ 10:4፣ 2ቈረ 5:21
1 ቈረ. 1:30ዮሃ 17:19፣ እብ 10:10
1 ቈረ. 1:30ሮሜ 3:24፣ ቈሎ 1:13, 14
1 ቈረ. 1:31ኤር 9:24፣ 2ቈረ 10:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ቈረንቶስ 1:1-31

1 ቈረንቶስ

1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ+ ክርስቶስ የሱስ ኪኸውን እተጸውዐ ጳውሎስን ሶስቴነስ ሓውናን፡ 2 ናብታ ኣብ ቈረንቶስ+ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ናባኻትኩም ናብቶም ብክርስቶስ የሱስ እተቐደስኩም፡+ ምስቶም ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዚጽውዑ ዘበሉ+ ዅላቶም ከኣ ቅዱሳት ክትኰኑ እተጸዋዕኩም፦

3 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።

4 ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣ 5 ምኽንያቱ፡ ብዅሉ፡ ማለት ብዅሉ ዘረባን ብዅሉ ፍልጠትን ሃብቲምኩም ኢኹም፣+ 6 ብዛዕባ ክርስቶስ እተዋህበ ምስክርነት+ ከኣ ኣባኻትኩም ጸኒዑ እዩ፣ 7 ግልጸት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተሃንጢኹም እናተጸበኹም ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ውህበት ኣይጐደለኩምን።+ 8 ኣምላኽ እውን፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መንቀፊ ዘይብልኩም ክትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።+ 9 እቲ ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ሕብረት* ኪህልወኩም ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።+

10 ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ሓድነት ኪህልወኩም እምበር፡+ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከይህሉ፡+ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 11 ኣሕዋተየ፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ብዛዕባኹም እንዳ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። 12 ማለተይ፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡”+ “ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡”* “ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ትብሉ ኢኹም። 13 ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ፧ ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም ኢኹም፧ 14 ብዘይካ ንክሪስጶስን+ ንጋይዮስን፡+ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ፣ 15 ስለዚ፡ ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም፡ ኪብል ኣይክእልን እዩ። 16 ንቤተ ሰብ እስጢፋናስ+ እባ ኸኣ ኣጥሚቐዮም እየ። ብዛዕባ ዝተረፉ ግና፡ ንኻልእ ኣጥሚቐ እንተ ዀይነ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17 ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ክርስቶስ፡ ከጥምቕ ዘይኰነስ፡ ብዘይ ጥበብ ዘረባ* ኸበስር እዩ ልኢኹኒ።+

18 ዘረባ ጕንዲ ስቅያትሲ* ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣+ እንድሕን ንዘለና ንዓና ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።+ 19 ከመይሲ፡ “ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ከጥፍእ እየ፣ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ እውን ክነጽግ እየ” ዚብል ተጻሒፉ እዩ።+ 20 ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ጸሓፊ* ኣበይ ኣሎ፧ ተማጓቲ እዚ ስርዓት* እዚ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21 ስለዚ፡ ዓለም ብጥበባ+ ንኣምላኽ ከም ጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡+ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብዕሽነት+ እቲ እተሰብከ ገይሩ ኼድሕኖም ባህ ኢልዎ እዩ።

22 ኣይሁድሲ ትእምርትታት ይልምኑ፡+ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፣ 23 ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፡ ንኣህዛብ ከኣ ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።+ 24 ግናኸ፡ ነቶም እተጸውዑ ኣይሁድ ኰኑ ግሪኻውያን፡ ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።+ 25 ምኽንያቱ፡ ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፣ ካብ ሰብ ከኣ ድኽመት ኣምላኽ ይብርትዕ።+

26 ኣሕዋተየ፡ ጽውዓኹም እሞ ተመልከቱ፣ ብዙሓት ብስጋ* ጥበበኛታት፡+ ብዙሓት ሓያላት፡ ብዙሓት ደቂ ዓበይቲ ኣይተጸውዑን።+ 27 ኣምላኽ ግና ነቶም ጥበበኛታት ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ። ኣምላኽ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ንድኽመት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ።+ 28 ኣምላኽ ነቲ ሕሱር እዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ንዑቕን እዩ ሓርዩ፣ ማለት ነቲ ዚኸውን ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ዘይከውን እዩ ሓርዩ።+ 29 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ሓደ እኳ* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ እዩ። 30 ግናኸ፡ ንስኻትኩም ሳላኡ ኢኹም ምስቲ ኻብ ኣምላኽ ጥበብን ጽድቅን+ ቅድስናን+ ብጀዋን+ ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም፣ 31 እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ* ይመካሕ”+ ዚብል እተጻሕፈ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ