ኢሳይያስ
4 ቈልዑ መሳፍንቶም ክገብር እየ፣
ዘይጽኑዓት* ድማ ኪገዝእዎም እዮም።
5 እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሓደ ነቲ ሓደ፡
ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺጭቍኖ እዩ።+
ቈልዓ ንኣረጊት ኬጥቅዖ፡
ቀሊል ድማ ንኽቡር ኪደፍሮ እዩ።+
6 ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኺሕዞ እሞ፡
“ባርኖስ ኣሎካ፣ ኣዛዚና ኹን።
ሓላፊ እዚ ዅምራ ዑናታት ኩን” ኪብሎ እዩ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ ኣዛዚ ኣይትግበረኒ” ኺብል እዩ።
ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምጽኡ ኣለዉ እሞ፡ ወይለኦም!*
11 ንእኩይሲ ወይለኡ!
ከም ግብሪ ኣእዳዉ ኺፍደ እዩ እሞ፡
መዓት ኪወርዶ እዩ!
12 ንህዝበይሲ ኣዕየይቶም ይሃስይዎም፣
ኣንስቲ ኸኣ ይገዝኣኦም።
ኣታ ህዝበይ፡ መራሕትኻ የስሕቱኻ፡
ኣንፈት መገድትታትካ ድማ ከም ዘይልለ ይገብሩ።+
13 የሆዋ ኪኸስስ ይቐውም ኣሎ፣
ንህዝብታት ኪፈርዶም ከኣ ይትንስእ ኣሎ።
14 የሆዋ ነቶም ዓበይትን መሳፍንትን ህዝቡ ኺፈርዶም እዩ።
“ንስኻትኩም ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንዲድኩም፣
ካብ ድኻ ዝሰረቕኩምዎ ድማ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ።+
15 ንህዝበይ እትጭፍልቕዎ፡
ገጽ ድኻታት ኣብ ሓመድ እትደቝሱስ ክንደይ ትደፍሩ፧”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣዋልድ ጽዮን ተዓብየን፡
ርእሰን ልዕል ኣቢለን* ይኸዳ፡
ብኣዒንተን እናተዃሸማ ሸነን ይብላ፡
ኣምባር እግረን ሽዋሕዋሕ የብላ እየን እሞ፡
17 የሆዋ ንርእሲ ኣዋልድ ጽዮን ብሽሕር ኪወቕዖ፡
የሆዋ ድማ ንግምባረን ጥራዩ ኺገብሮ እዩ።+
18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንጌጽ ኣምባር እግረን ኪቕንጥጦ እዩ፣
ነቲ መእሰር ርእሰንን ወርሒ ዝቕርጹ ስልማትን፡+
19 ንዅትሻን* ንኣምባር ኢድን ንመጐልበብን፡
20 ንመዐመምያን ንሰንሰለት እግርን ንመቐነትን፡
21 ንቐለቤት ኣጻብዕን ንቐለቤት ኣፍንጫን፡
22 ወለል ንዚብል ክዳን ጽምብልን ንመደረብታን ንባርኖስን ንማሕፉዳን፡
ንመጠምጠምያን ንመጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ።
24 ኣብ ክንዲ ዘይቲ በለሳን፡+ ሕማቕ ጨና፡
ኣብ ክንዲ ዕጣቕ፡ ገመድ፡
ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ስርሓት ጸጕሪ፡ መላጥ ምዃን፡+
ኣብ ክንዲ ኽቡር ክዳን፡ ክዳን ማቕ፡+
ኣብ ክንዲ ጽባቐ ድማ፡ ዕላመት ኪኸውን እዩ።
25 ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡
ጀጋኑኺ ኸኣ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም።+