ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • መራሕቲ ይሁዳ ነቲ ህዝቢ ኣስሓትዎ (1-15)

      • እተን ተዃሸምቲ ኣዋልድ ጽዮን ተፈርዳ (16-26)

ኢሳይያስ 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:26፣ ዘዳ 28:49, 51፣ ኤር 37:21፣ ህዝ 4:16

ኢሳይያስ 3:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 13:9

ኢሳይያስ 3:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 18:21
  • +ዘዳ 18:10, 12፣ ኢሳ 8:19

ኢሳይያስ 3:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተለዋወጥቲ።”

ኢሳይያስ 3:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:4, 5፣ ሚክ 3:2, 3
  • +ዘሌ 19:32

ኢሳይያስ 3:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፈዋሲኻ።”

ኢሳይያስ 3:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣዒንቲ ኽብሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 33:1, 6፣ ህዝ 9:9

ኢሳይያስ 3:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወይለኣ ነፍሶም!”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:20፣ ኢሳ 1:10፣ ይሁ 7

ኢሳይያስ 3:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ፍረ ግብርታቶም ኪበልዑ እዮም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 8:12፣ ጸፎ 2:3

ኢሳይያስ 3:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:31፣ ኣን 1:4

ኢሳይያስ 3:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:23፣ ኤር 5:26-28፣ ሚክ 2:1, 2፣ 6:10

ኢሳይያስ 3:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 3:2, 3

ኢሳይያስ 3:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብእተገተረ ኽሳድ (ጐረሮ)።”

ኢሳይያስ 3:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:24

ኢሳይያስ 3:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 8:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2003፡ ገጽ 28

ኢሳይያስ 3:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተንጠልጣሊ ስልማትን።”

ኢሳይያስ 3:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣባይቲ ነፍስን።”

  • *

    ወይ፡ “ናይ ስልማት ዛዕጐል ጕጅምጅምታን።”

ኢሳይያስ 3:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንቐምሽን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 38:8

ኢሳይያስ 3:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣስ 2:12
  • +ሚክ 1:16
  • +ድጕ 2:10

ኢሳይያስ 3:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:21

ኢሳይያስ 3:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 1:4
  • +ድጕ 2:10

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 3:1ዘሌ 26:26፣ ዘዳ 28:49, 51፣ ኤር 37:21፣ ህዝ 4:16
ኢሳ. 3:2ህዝ 13:9
ኢሳ. 3:3ዘጸ 18:21
ኢሳ. 3:3ዘዳ 18:10, 12፣ ኢሳ 8:19
ኢሳ. 3:5ኤር 9:4, 5፣ ሚክ 3:2, 3
ኢሳ. 3:5ዘሌ 19:32
ኢሳ. 3:82ዜና 33:1, 6፣ ህዝ 9:9
ኢሳ. 3:9ዘፍ 18:20፣ ኢሳ 1:10፣ ይሁ 7
ኢሳ. 3:10መክ 8:12፣ ጸፎ 2:3
ኢሳ. 3:12ኤር 5:31፣ ኣን 1:4
ኢሳ. 3:14ኢሳ 1:23፣ ኤር 5:26-28፣ ሚክ 2:1, 2፣ 6:10
ኢሳ. 3:15ሚክ 3:2, 3
ኢሳ. 3:17ኢሳ 3:24
ኢሳ. 3:18መሳ 8:26
ኢሳ. 3:23ዘጸ 38:8
ኢሳ. 3:24ኣስ 2:12
ኢሳ. 3:24ሚክ 1:16
ኢሳ. 3:24ድጕ 2:10
ኢሳ. 3:25ድጕ 2:21
ኢሳ. 3:26ድጕ 1:4
ኢሳ. 3:26ድጕ 2:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 3:1-26

ኢሳይያስ

3 እንሆ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ፡

ኵሉ ዓይነት ደገፍን ቀረብን፡

ኵሉ ደገፍ እንጌራን ማይን ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን የርሕቕ ኣሎ።+

 2 ጅግናን ተዋጋእን፡

ፈራድን ነብይን፡+ ጠንቋልን ሽማግለን፡

 3 ሓለቓ ሓምሳን+ ክቡርን ኣማኻርን፡

ክኢላ ገባር ስሒርን ክኢላ ዓዛምን+ እውን የርሕቕ ኣሎ።

 4 ቈልዑ መሳፍንቶም ክገብር እየ፣

ዘይጽኑዓት* ድማ ኪገዝእዎም እዮም።

 5 እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሓደ ነቲ ሓደ፡

ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺጭቍኖ እዩ።+

ቈልዓ ንኣረጊት ኬጥቅዖ፡

ቀሊል ድማ ንኽቡር ኪደፍሮ እዩ።+

 6 ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኺሕዞ እሞ፡

“ባርኖስ ኣሎካ፣ ኣዛዚና ኹን።

ሓላፊ እዚ ዅምራ ዑናታት ኩን” ኪብሎ እዩ።

 7 በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ንሱ ኺኣቢ፡

“ዘናን ቍስልኻ* ኣይከውንን እየ፣

ኣብ ቤተይ እንጌራ ዀነ ኽዳን የብለይን።

ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ ኣዛዚ ኣይትግበረኒ” ኺብል እዩ።

 8 ብቓሎምን ብግብሮምን ኣንጻር የሆዋ ስለ ዝዀኑስ፡

የሩሳሌም ተዓንቂፋ፡

ይሁዳ ድማ ወዲቓ ኣላ፣

ኣብ ቅድሚ ኽብሩ* ተዳፊሮም እዮም።+

 9 ትርኢት ገጾም ኣንጻሮም ይምስክር ኣሎ፣

ንሓጢኣቶም ድማ ከም ሶዶም የውርይዎ ኣለዉ፣+

ኪሓብእዎ ኣይፍትኑን እዮም።

ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምጽኡ ኣለዉ እሞ፡ ወይለኦም!*

10 ንጻድቃን፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም ንገርዎም፣

ከምቲ ግብሮም ዓስቢ ኺረኽቡ እዮም።*+

11 ንእኩይሲ ወይለኡ!

ከም ግብሪ ኣእዳዉ ኺፍደ እዩ እሞ፡

መዓት ኪወርዶ እዩ!

12 ንህዝበይሲ ኣዕየይቶም ይሃስይዎም፣

ኣንስቲ ኸኣ ይገዝኣኦም።

ኣታ ህዝበይ፡ መራሕትኻ የስሕቱኻ፡

ኣንፈት መገድትታትካ ድማ ከም ዘይልለ ይገብሩ።+

13 የሆዋ ኪኸስስ ይቐውም ኣሎ፣

ንህዝብታት ኪፈርዶም ከኣ ይትንስእ ኣሎ።

14 የሆዋ ነቶም ዓበይትን መሳፍንትን ህዝቡ ኺፈርዶም እዩ።

“ንስኻትኩም ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንዲድኩም፣

ካብ ድኻ ዝሰረቕኩምዎ ድማ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ።+

15 ንህዝበይ እትጭፍልቕዎ፡

ገጽ ድኻታት ኣብ ሓመድ እትደቝሱስ ክንደይ ትደፍሩ፧”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣዋልድ ጽዮን ተዓብየን፡

ርእሰን ልዕል ኣቢለን* ይኸዳ፡

ብኣዒንተን እናተዃሸማ ሸነን ይብላ፡

ኣምባር እግረን ሽዋሕዋሕ የብላ እየን እሞ፡

17 የሆዋ ንርእሲ ኣዋልድ ጽዮን ብሽሕር ኪወቕዖ፡

የሆዋ ድማ ንግምባረን ጥራዩ ኺገብሮ እዩ።+

18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንጌጽ ኣምባር እግረን ኪቕንጥጦ እዩ፣

ነቲ መእሰር ርእሰንን ወርሒ ዝቕርጹ ስልማትን፡+

19 ንዅትሻን* ንኣምባር ኢድን ንመጐልበብን፡

20 ንመዐመምያን ንሰንሰለት እግርን ንመቐነትን፡

ንመቐመጥ ሽቱን* ንኽታብን፡*

21 ንቐለቤት ኣጻብዕን ንቐለቤት ኣፍንጫን፡

22 ወለል ንዚብል ክዳን ጽምብልን ንመደረብታን ንባርኖስን ንማሕፉዳን፡

23 ንመስትያት ኢድን+ ንኽዳን በፍታን፡*

ንመጠምጠምያን ንመጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ።

24 ኣብ ክንዲ ዘይቲ በለሳን፡+ ሕማቕ ጨና፡

ኣብ ክንዲ ዕጣቕ፡ ገመድ፡

ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ስርሓት ጸጕሪ፡ መላጥ ምዃን፡+

ኣብ ክንዲ ኽቡር ክዳን፡ ክዳን ማቕ፡+

ኣብ ክንዲ ጽባቐ ድማ፡ ዕላመት ኪኸውን እዩ።

25 ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡

ጀጋኑኺ ኸኣ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም።+

26 ኣፍ ደገታታ ኺሓዝናን ኪጕህያን፡+

ንሳ ድማ ዓንያ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ