ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 30
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ቢልሃ ንዳንን ንፍታሌምን ወለደት (1-8)

      • ዚልጳ ንጋድን ንኣሴርን ወለደት (9-13)

      • ልያ ንይሳኮርን ንዛብሎንን ወለደት (14-21)

      • ራሄል ንዮሴፍ ወለደት (22-24)

      • መጓሰ ያእቆብ በዝሓ (25-43)

ዘፍጥረት 30:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣብራኸይ ምእንቲ ኽትወልድ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 10-11

ዘፍጥረት 30:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:22

ዘፍጥረት 30:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ዳኛ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:25፣ 46:23፣ 49:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 8

ዘፍጥረት 30:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ቅልሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:25፣ 46:24፣ 49:21፣ ዘዳ 33:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 8

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2002፡ ገጽ 29-30

ዘፍጥረት 30:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:26

ዘፍጥረት 30:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ጽቡቕ ዕድል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:19፣ ዘሁ 32:33

ዘፍጥረት 30:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ሕጉስ፣ ሓጐስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 1:46, 48
  • +ዘፍ 35:26፣ 46:17፣ 49:20፣ ዘዳ 33:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 8

ዘፍጥረት 30:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ፍረታት እዚ ወላድ ከም ዚገብር ወይ ንምጥናስ ከም ዚሕግዝ ይእመነሉ ነበረ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 11

    15/1/2004፡ ገጽ 28

ዘፍጥረት 30:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2007፡ ገጽ 11

    15/1/2004፡ ገጽ 28

ዘፍጥረት 30:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ዓስበይ እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:23፣ 46:13፣ 49:14፣ ዘዳ 33:18

ዘፍጥረት 30:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 4:11

ዘፍጥረት 30:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ተጻዋርነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:23፣ 46:15፣ መዝ 127:3
  • +ዘፍ 29:32
  • +ዘፍ 46:14፣ 49:13፣ ዘዳ 33:18

ዘፍጥረት 30:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 34:1

ዘፍጥረት 30:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸና ኸፈተላ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:31

ዘፍጥረት 30:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 1:24, 25

ዘፍጥረት 30:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣሕጽሮት እቲ “ያህ ይወስኽ” ዝትርጉሙ ዮሲፍያ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:24፣ 45:4፣ ዘዳ 33:13፣ ግብ 7:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 8

ዘፍጥረት 30:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:15፣ 31:13

ዘፍጥረት 30:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:41፣ ሆሴ 12:12

ዘፍጥረት 30:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መርትዖ ርእየ።”

ዘፍጥረት 30:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:7

ዘፍጥረት 30:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:38

ዘፍጥረት 30:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:9, 10

ዘፍጥረት 30:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 12:12

ዘፍጥረት 30:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2003፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 30:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቅንዕናይ።”

ዘፍጥረት 30:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2003፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 30:35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2003፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 30:36

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2003፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 30:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:9

ዘፍጥረት 30:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:5፣ 36:6, 7

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 30:3ዘፍ 29:29
ዘፍ. 30:4ዘፍ 35:22
ዘፍ. 30:6ዘፍ 35:25፣ 46:23፣ 49:16
ዘፍ. 30:8ዘፍ 35:25፣ 46:24፣ 49:21፣ ዘዳ 33:23
ዘፍ. 30:9ዘፍ 35:26
ዘፍ. 30:11ዘፍ 49:19፣ ዘሁ 32:33
ዘፍ. 30:13ሉቃ 1:46, 48
ዘፍ. 30:13ዘፍ 35:26፣ 46:17፣ 49:20፣ ዘዳ 33:24
ዘፍ. 30:14ዘፍ 29:32
ዘፍ. 30:15ዘፍ 29:30
ዘፍ. 30:18ዘፍ 35:23፣ 46:13፣ 49:14፣ ዘዳ 33:18
ዘፍ. 30:19ሩት 4:11
ዘፍ. 30:20ዘፍ 35:23፣ 46:15፣ መዝ 127:3
ዘፍ. 30:20ዘፍ 29:32
ዘፍ. 30:20ዘፍ 46:14፣ 49:13፣ ዘዳ 33:18
ዘፍ. 30:21ዘፍ 34:1
ዘፍ. 30:22ዘፍ 29:31
ዘፍ. 30:23ሉቃ 1:24, 25
ዘፍ. 30:24ዘፍ 35:24፣ 45:4፣ ዘዳ 33:13፣ ግብ 7:9
ዘፍ. 30:25ዘፍ 28:15፣ 31:13
ዘፍ. 30:26ዘፍ 31:41፣ ሆሴ 12:12
ዘፍ. 30:28ዘፍ 31:7
ዘፍ. 30:29ዘፍ 31:38
ዘፍ. 30:30ዘፍ 32:9, 10
ዘፍ. 30:31ሆሴ 12:12
ዘፍ. 30:32ዘፍ 31:7
ዘፍ. 30:34ዘፍ 31:8
ዘፍ. 30:42ዘፍ 31:9
ዘፍ. 30:43ዘፍ 32:5፣ 36:6, 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 30:1-43

ዘፍጥረት

30 ራሄል ንያእቆብ ውሉዳት ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረኣየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፣ ንያእቆብ ከኣ፡ “ውሉዳት ሃበኒ፣ እንተ ዘይኰነ ኽመውት እየ” በለቶ። 2 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ኣዝዩ ተቘጥዓ፣ “ኣነዶ ኣብ ቦታ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፧” ድማ በላ። 3 ንሳ ኸኣ፡ “እንሃ ቢልሃ ባርያይ።+ ውሉዳት ምእንቲ ኽትወልደለይ፡* ብእኣ ኣቢለ እውን ውሉዳት ምእንቲ ኺህልዉንስ፡ ናብኣ እቶ” በለቶ። 4 ንቢልሃ ገረዳ ኸኣ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ፣ ያእቆብ እውን ናብኣ ኣተወ።+ 5 ቢልሃ ድማ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ወዲ ወለደትሉ። 6 ሽዑ፡ ራሄል፡ “ኣምላኽ ዳኛይ ኰይኑ፡ ቃለይ ሰሚዑ እውን ወዲ ሂቡኒ” ኢላ ስሙ ዳን* ኣውጽኣትሉ።+ 7 ቢልሃ ገረድ ራሄል መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 8 ሽዑ፡ ራሄል፡ “ምስ ሓብተይ ሓያል ቅልስ ተቓሊሰ፡ ተዓወትኩ” ኢላ ስሙ ንፍታሌም* ኣውጽኣትሉ።+

9 ልያ ኸኣ ምውላድ ከም ዘቋረጸት ምስ ረኣየት፡ ንዚልጳ ገረዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ።+ 10 ዚልጳ ገረድ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 11 ሽዑ፡ ልያ፡ “ተዓዲለ” ኢላ ስሙ ጋድ* ኣውጽኣትሉ።+ 12 ድሕርዚ፡ ዚልጳ ገረድ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 13 ሽዑ፡ ልያ፡ “ኣዋልድ ብርግጽ ሕጕስቲ ኺብላኒ እየን እሞ፡ ተሓጒሰ”+ ኢላ ስሙ ኣሴር* ኣውጽኣትሉ።+

14 ሮቤል+ ድማ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ ኣብ መሮር ኪኸይድ ከሎ፡ ፍረታት ማንድራጎራ* ረኸበ። ናብ ኣዲኡ ልያ ኸኣ ኣምጽኦ። ሽዑ፡ ራሄል ንልያ፡ “በጃኺ ኻብ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ ሃብኒ” በለታ። 15 ንሳ ኸኣ፡ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ውሒዱ፧+ ፍረታት ማንድራጎራ ወደይ ድማዶ ኽትወስዲ፧” በለታ። ሽዑ፡ ራሄል፡ “ሕራይ፡ ኣብ ክንዲ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ፡ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ” በለታ።

16 ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ኪኣቱ ኸሎ፡ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ “ብፍረታት ማንድራጎራ ወደይ ስለ እተኻረኹኻ፡ ናባይ ኢኻ እትኣቱ” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ምስኣ ደቀሰ። 17 ኣምላኽ ድማ ንልያ ሰምዓ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ። 18 ሽዑ፡ ልያ፡ “ገረደይ ንሰብኣየይ ስለ ዝሃብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” ኢላ፡ ስሙ ይሳኮር* ኣውጽኣትሉ።+ 19 ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ።+ 20 ሽዑ፡ ልያ፡ “ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ። ሽዱሽተ ኣወዳት ስለ ዝወለድኩሉ፡+ ሕጅስ ሰብኣየይ ኪጻወረኒ እዩ”+ ኢላ ስሙ ዛብሎን* ኣውጽኣትሉ።+ 21 ድሕርዚ ድማ፡ ጓል ወለደት፡ ስማ ኸኣ ዲና ኣውጽኣትላ።+

22 ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ፣ ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ፡ ጥንሲ ኽትሕዝ ኣኽኣላ።*+ 23 ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ሽዑ፡ “ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሓቐለይ” በለት።+ 24 “የሆዋ ኻልእ ወዲ ይውስኸኒ ኣሎ” ኢላ ኸኣ ስሙ ዮሴፍ* ኣውጽኣትሉ።+

25 ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፡ ብኡብኡ ያእቆብ ንላባን፡ “ናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ።+ 26 ከመይ ከም እተገዛእኩኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ ክኸይድሲ፡ እተን ምእንታአን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሃበኒ” በሎ።+ 27 ላባን ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ የሆዋ ምእንታኻ ኢሉ ይባርኸኒ ኸም ዘሎ፡ ፋል ርእየ* ኣለኹ” በሎ። 28 ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ዓስብኻ ንገረኒ እሞ፡ ክህበካ እየ” በለ።+ 29 ያእቆብ ድማ፡ “ከመይ ከም እተገዛእኩኻ፡ መጓሰኻ እውን ከመይ ከም ዝዀና ትፈልጥ ኢኻ።+ 30 ኣነ ቕድሚ ምምጻአይ ሒደት ነበራኻ፣ ኣነ ኻብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ግና መጓሰኻ በዚሐንን ረቢሐንን እየን፡ የሆዋ ድማ ባሪኹካ እዩ። ሕጂኸ ንቤተይ ደኣ መዓስ ገለ ኽገብር እየ፧” በሎ።+

31 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ እሞ ኽህበካ፧” በሎ። ያእቆብ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ገለ እኳ ኣይትሃበኒ። እዚ ሓደ ነገር እዚ እንተ ጌርካለይ፡ መሊሰ ንመጓሰኻ ኽጓስየንን ክሕልወንን እየ።+ 32 ሎሚ፡ ብመንጎ ዅለን መጓሰኻ ኽሓልፍ እየ። ካብአን ከኣ ኵለን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣባጊዕ፡ ኵሎም ደባን ቡናዊ ገንሸላት* ኣባጊዕ፡ ጕራጕራን ትኳዕ ትኳዕን ዘበላ ኣጣል ፍለ። ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ከምዚኣተን ዘበላ ዓስበይ ይኹና።+ 33 ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዓስበይ ክትጸባጸብ ምስ እትመጽእ፡ ጽድቀይ* ኪምስክረለይ እዩ፣ ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ዘይኰና ኣጣልን ደባን ቡናዊ ዘይኰኑ ገንሸላትን ምሳይ እንተ ተረኺቦም፡ ከም እተሰርቀ ጌርካ ይቝጸር።”

34 ላባን ከኣ፡ “ሕራይ፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን” በለ።+ 35 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ሽራጥ ሽራጥን ጕራጕራን ድቤላታት፡ ኵለን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለዎም ዘበሉን ደባን ቡናዊ ዘለዎም ዘበሉን ገንሸላት ፈለየ፣ ኣብ ኢድ ደቁ ድማ ሃቦም። 36 ድሕርዚ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣረሓሓቐ፣ ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ።

37 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ካብ ኣእዋም ሊብነን ለውዝን ዓርሞንን ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ነቲ ኣባትር ቀሊጡ ዕሮርባይ ገበሮ። 38 ነቲ ዕሮርባይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ እተን መጓሰ ኺሰትያሉ ዚመጻ ጋብላታት ገበሮ፣ ኪሰትያ ምስ ዚመጻ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይስረራ ነበራ።

39 ስለዚ፡ እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ይስረራ እሞ፡ እተን መጓሰ ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ይወልዳ ነበራ። 40 ያእቆብ ከኣ ነቶም ገንሸላት ፈለየ፣ ገጽ እተን መጓሰ ኸኣ ናብተን ኣብ መጓሰ ላባን ዚርከባ ሽራጥ ሽራጥን ኵለን ደባን ቡናውን ገበረ። ድሕርዚ፡ ንመጓሰኡ ፈለየን፡ ምስ መጓሰ ላባን ከኣ ኣይሓወሰንን። 41 በቲ እተን ብርቱዓት መጓሰ ዚስረራሉ እዋን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኺስረራ፡ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ። 42 እተን መጓሰ ድኹማት ኣብ ዝነበራሉ እዋን ግና፡ ነቲ ኣባትር ኣብኡ ኣየንብሮን ነበረ። ስለዚ፡ እተን ድኹማት ንላባን፡ እተን ብርቱዓት ግና ንያእቆብ ይዀና ነበራ።+

43 እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዝዩ በልጸገ፡ ብዙሓት መጓሰን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ድማ ነበሮ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ