ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ከረን የሆዋ ልዕል በለ (1-5)

        • ኣስያፍ ናብ ማሕረሻታት (4)

      • መዓልቲ የሆዋ ንዕቡያት ተዋርዶም (6-22)

ኢሳይያስ 2:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:1

ኢሳይያስ 2:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 8:3
  • +መዝ 72:1, 8፣ 86:9፣ ሚክ 4:1-3፣ ሃጌ 2:7፣ ግብ 10:34, 35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 142፡ 154

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    12/2016፡ ገጽ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2007፡ ገጽ 24-25

    1/12/1994፡ ገጽ 11

    1/4/1994፡ ገጽ 9-11

ኢሳይያስ 2:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትምህርትስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 8:23
  • +ኢሳ 54:13
  • +ኢሳ 51:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    3/2016፡ ገጽ 17

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 2 2016፡ ገጽ 13

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    12/2016፡ ገጽ 3

ኢሳይያስ 2:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:9
  • +መዝ 72:7፣ ኢሳ 60:18፣ ማቴ 26:52

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    12/2016፡ ገጽ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2000፡ ገጽ 26-27

    15/4/1997፡ ገጽ 13-15፡ 22

ኢሳይያስ 2:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 60:19, 20

ኢሳይያስ 2:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:16, 17
  • +ዘዳ 18:10

ኢሳይያስ 2:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:15, 16

ኢሳይያስ 2:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:1, 2፣ 33:1, 7

ኢሳይያስ 2:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:18

ኢሳይያስ 2:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/1994፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 2:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 1:4, 7
  • +ኢሳ 66:16

ኢሳይያስ 2:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 10:22፣ ህዝ 27:25

ኢሳይያስ 2:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 27:9

ኢሳይያስ 2:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:10፣ 2ተሰ 1:9
  • +ራእ 6:15

ኢሳይያስ 2:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:22፣ 31:7

ኢሳይያስ 2:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በቲ ትንፋሱ ኣብ ኣፍንጫኡ ዝዀነ።”

  • *

    ወይ፡ “ምውካል።”

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 2:1ኢሳ 1:1
ኢሳ. 2:2ዘካ 8:3
ኢሳ. 2:2መዝ 72:1, 8፣ 86:9፣ ሚክ 4:1-3፣ ሃጌ 2:7፣ ግብ 10:34, 35
ኢሳ. 2:3ዘካ 8:23
ኢሳ. 2:3ኢሳ 54:13
ኢሳ. 2:3ኢሳ 51:4
ኢሳ. 2:4መዝ 46:9
ኢሳ. 2:4መዝ 72:7፣ ኢሳ 60:18፣ ማቴ 26:52
ኢሳ. 2:5ኢሳ 60:19, 20
ኢሳ. 2:6ዘዳ 31:16, 17
ኢሳ. 2:6ዘዳ 18:10
ኢሳ. 2:7ዘዳ 17:15, 16
ኢሳ. 2:82ዜና 28:1, 2፣ 33:1, 7
ኢሳ. 2:10ዘጸ 20:18
ኢሳ. 2:12ጸፎ 1:4, 7
ኢሳ. 2:12ኢሳ 66:16
ኢሳ. 2:161ነገ 10:22፣ ህዝ 27:25
ኢሳ. 2:18ኢሳ 27:9
ኢሳ. 2:19ኢሳ 2:10፣ 2ተሰ 1:9
ኢሳ. 2:19ራእ 6:15
ኢሳ. 2:20ኢሳ 30:22፣ 31:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 2:1-22

ኢሳይያስ

2 ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ነገር እዚ እዩ፦+

 2 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡

ከረን ቤት የሆዋ

ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡+

ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ድማ ልዕል ኪብል እዩ፣

ናብኡ ኸኣ ኵሎም ኣህዛብ ኪውሕዙ እዮም።+

 3 ብዙሓት ህዝብታት ድማ ኪኸዱ፡

“ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ፡

ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ።+

ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡

ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ኸኣ ኪብሉ እዮም።+

ሕግስ* ካብ ጽዮን፡

ቃል የሆዋ ድማ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ።+

 4 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡

ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ነገር ኬቕንዓሎም እዩ።

ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡

ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም።+

ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣

ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።+

 5 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ንዑ፡

ብብርሃን የሆዋ ንመላለስ።+

 6 ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡስ፡

ንህዝብኻ፡ ንቤት ያእቆብ፡ ጠንጢንካዮም፣+

ከም ፍልስጥኤማውያን ስሒር ይገብሩ፣+

ምስ ደቂ ጓኖት እውን ይተኣሳሰሩ።

 7 ምድሮም ብብሩርን ብወርቅን መሊኣ ኣላ፣

መዛግብቶም ድማ ደረት የብሉን።

ምድሮም ብኣፍራስ መሊኣ ኣላ፣

ሰረገላታቶም ከኣ ደረት የብሉን።+

 8 ምድሮም ብኸንቱ ኣማልኽቲ መሊኣ ኣላ።+

ንግብሪ ኣእዳዎም፡

ኣጻብዖም ንዝገበራኦ ይሰግዱ።

 9 ስለዚ፡ ሰብ ይሰግድ፡ ይዋረድ፣

ንስኻ ድማ ኣይትሓድገሎምን።

10 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑን

ብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡+

ናብ ከውሒ እቶ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተሓባእ።

11 ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ትሕት ኪብላ እየን፣

ትምክሕቲ ሰባት ድማ ኪዋረድ እዩ።

በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።

12 እታ መዓልቲ እቲኣስ፡ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እያ።+

ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን፡

ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ኰነ ትሑት ትመጽእ ኣላ።+

13 ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዊሕን ልዑልን ቄድሮሳት ሊባኖስ፡

ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን፡

14 ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ኣኽራን፡

ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዝበለ ዅርባታት፡

15 ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዊሕ ግምብን ኵሉ እተዓርደ መንደቕን፡

16 ኣብ ልዕሊ ዅለን መራኽብ ተርሲስን+

ኣብ ልዕሊ ዅለን ተብሃግቲ ጃለቡን ትመጽእ ኣላ።

17 ትዕቢት ሰብ ትሕት ኪብል፡

ትምክሕቲ ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ።

በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።

18 ከንቱ ኣማልኽቲ ጠሪሶም ኪጠፍኡ እዮም።+

19 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑን

ብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡+

ንምድሪ ብሽበራ ራዕራዕ ኬብላ ምስ ተንስአ፡

ሰባት ናብ በዓትታት ኣኻውሕን

ናብ ጐዳጕዲ ምድርን ኪኣትዉ እዮም።+

20 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰባት ነቶም ኪሰግዱሎም ኢሎም

ካብ ብሩርን ካብ ወርቅን እተገብሩ ኸንቱ ኣማልኽቶም ወሲዶም፡

ናብ ኣናጹን ናብ መንካዓትን ኪድርብይዎም እዮም።+

21 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑን

ብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡

ንምድሪ ብሽበራ ራዕራዕ ኬብላ ምስ ተንስአ፡

ናብ ጐዳጕዲ ኣኻውሕን

ናብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኪኣትዉ እዮም።

22 ምእንቲ ርእስኹምሲ በቲ ኣብ ኣፍንጫኡ ኸም ዘሎ ትንፋስ ዝዀነ*

ሰብ ምእማን* ሕደግዎ፣

ስለምንታይከ ኣብ ግምት ዚኣቱ፧

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ