ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ደገፍቲ ንግስና ዳዊት (1-40)

1 ዜና መዋእል 12:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 27:1
  • +1ሳሙ 27:5, 6፣ 2ሳሙ 1:1
  • +1ዜና 11:10

1 ዜና መዋእል 12:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:15፣ 20:15, 16
  • +1ሳሙ 17:49
  • +ዘፍ 49:27

1 ዜና መዋእል 12:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 11:4
  • +1ዜና 11:26, 33

1 ዜና መዋእል 12:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 9:3
  • +1ዜና 11:15

1 ዜና መዋእል 12:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 26:10, 11

1 ዜና መዋእል 12:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 23:14, 29፣ 24:22፣ 1ዜና 11:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2005፡ ገጽ 10

1 ዜና መዋእል 12:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:19፣ ዘዳ 33:20
  • +ዘሌ 26:8

1 ዜና መዋእል 12:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:1፣ 23:14፣ 24:22

1 ዜና መዋእል 12:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:12, 15፣ 26:23፣ መዝ 7:6

1 ዜና መዋእል 12:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዓማሳይ ርእሲ እቶም ሰላሳ መንፈስ ለበሰ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:34፣ 13:24, 25
  • +2ሳሙ 15:21
  • +መዝ 54:4

1 ዜና መዋእል 12:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:1, 3
  • +1ሳሙ 29:2-4

1 ዜና መዋእል 12:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 30:1
  • +ዘዳ 33:17

1 ዜና መዋእል 12:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 5:23, 24፣ 11:10

1 ዜና መዋእል 12:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:3፣ 3:1

1 ዜና መዋእል 12:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:1፣ 5:1
  • +1ሳሙ 16:1, 13፣ 1ዜና 11:10

1 ዜና መዋእል 12:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:1, 5
  • +1ዜና 6:49

1 ዜና መዋእል 12:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:17፣ 1ነገ 1:8፣ 2:35፣ 1ዜና 6:1, 8፣ 27:16, 17

1 ዜና መዋእል 12:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 8:1, 33፣ 12:1, 2

1 ዜና መዋእል 12:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክልተ ዝልቦም ዘይኰኑ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2023፡ ገጽ 6

1 ዜና መዋእል 12:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:33፣ እያ 13:8

1 ዜና መዋእል 12:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሓደ ልቢ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:8, 10፣ 1ዜና 11:10

ሓፈሻዊ

1 ዜና 12:11ሳሙ 27:1
1 ዜና 12:11ሳሙ 27:5, 6፣ 2ሳሙ 1:1
1 ዜና 12:11ዜና 11:10
1 ዜና 12:2መሳ 3:15፣ 20:15, 16
1 ዜና 12:21ሳሙ 17:49
1 ዜና 12:2ዘፍ 49:27
1 ዜና 12:31ሳሙ 11:4
1 ዜና 12:31ዜና 11:26, 33
1 ዜና 12:4እያ 9:3
1 ዜና 12:41ዜና 11:15
1 ዜና 12:6ዘሁ 26:10, 11
1 ዜና 12:81ሳሙ 23:14, 29፣ 24:22፣ 1ዜና 11:16
1 ዜና 12:14ዘፍ 49:19፣ ዘዳ 33:20
1 ዜና 12:14ዘሌ 26:8
1 ዜና 12:161ሳሙ 22:1፣ 23:14፣ 24:22
1 ዜና 12:171ሳሙ 24:12, 15፣ 26:23፣ መዝ 7:6
1 ዜና 12:18መሳ 6:34፣ 13:24, 25
1 ዜና 12:182ሳሙ 15:21
1 ዜና 12:18መዝ 54:4
1 ዜና 12:19መሳ 3:1, 3
1 ዜና 12:191ሳሙ 29:2-4
1 ዜና 12:201ሳሙ 30:1
1 ዜና 12:20ዘዳ 33:17
1 ዜና 12:211ዜና 5:23, 24፣ 11:10
1 ዜና 12:222ሳሙ 2:3፣ 3:1
1 ዜና 12:232ሳሙ 2:1፣ 5:1
1 ዜና 12:231ሳሙ 16:1, 13፣ 1ዜና 11:10
1 ዜና 12:271ዜና 27:1, 5
1 ዜና 12:271ዜና 6:49
1 ዜና 12:282ሳሙ 8:17፣ 1ነገ 1:8፣ 2:35፣ 1ዜና 6:1, 8፣ 27:16, 17
1 ዜና 12:291ዜና 8:1, 33፣ 12:1, 2
1 ዜና 12:37ዘሁ 32:33፣ እያ 13:8
1 ዜና 12:38ዘፍ 49:8, 10፣ 1ዜና 11:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 12:1-40

1 ዜና መዋእል

12 ዳዊት ብሰንኪ ሳኦል ወዲ ቂስ ብናጽነት ኪንቀሳቐስ ኣብ ዘይክእለሉ ዝነበረ እዋን፡+ ናብኡ ናብ ጺቅላግ+ ዝመጹ እዚኣቶም እዮም፣ ንሳቶም ከኣ ካብቶም ኣብ ውግእ ዝደገፍዎ ጀጋኑ እዮም።+ 2 ቀስቲ ድማ እተዓጥቁ ነበሩ፣ ብየማኖምን ብጸጋሞምን+ ከኣ ኣእማን ኪውንጭፉ+ ወይ ፍላጻታት ብቐስቲ ኺውርውሩ ዚኽእሉ ነበሩ። ካብ ኣሕዋት ሳኦል፡ ካብ ብንያም ድማ ነበሩ።+ 3 እቲ ርእሲ ኣሒዔዘር ነበረ፣ ምስኡ ኸኣ ዮኣስ፡ ክልቲኦም ደቂ ሸማዓ እቲ ጊብዓታዊ፡+ የዚኤልን ጰለጥን ደቂ ዓዝማዌት፡+ በራካ፡ የሁ እቲ ዓናቶታዊ፡ 4 ዪሽማዕያ እቲ ጊብዖናዊ፡+ ካብቶም ሰላሳን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳን+ ዝነበረ ጅግና፡ ኤርምያስ፡ ያሓዚኤል፡ ዮሓናን፡ ዮዛባድ እቲ ገደራታዊ፡ 5 ኤልዑዛይ፡ የሪሞት፡ በዓልያ፡ ሸማርያ፡ ሸፋጥያ እቲ ሓሪፋዊ፡ 6 ኤልቃናን ዪሺያን ዓዛርኤልን ዮዔዘርን ያሾበዓምን እቶም ቆራሓውያን፡+ 7 ዮዔላን ዘባድያን ደቂ የሮሓም ካብ ገዶር ነበሩ።

8 ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ኣብ ጐድኒ ዳዊት ኪዀኑ፡ ናብቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ዕርዲ ኸዱ፣+ ንሳቶም ንውግእ ዝሰልጠኑ፡ ዓብዪ ዋልታን ሕላስን ሒዞም እተዳለዉ ጀጋኑ ነበሩ፣ ገጾም ድማ ከም ገጽ ኣናብስ ነበረ፣ ከም ሰስሓታት ኣብ ኣኽራን እውን ፈጣናት ነበሩ። 9 እቲ ርእሲ ኤጸር፡ ካልኣይ ኦብድያ፡ ሳልሳይ ኤልያብ፡ 10 ራብዓይ ሚሽማና፡ ሓምሻይ ኤርምያስ፡ 11 ሻድሻይ ዓታይ፡ ሻውዓይ ኤሊኤል፡ 12 ሻምናይ ዮሓናን፡ ታሽዓይ ኤልዛባድ፡ 13 ዓስራይ ኤርምያስ፡ መበል ዓሰርተው ሓደ ማክባናይ እዮም። 14 እዚኣቶም ካብ ጋዳውያን፡+ ርእስታት ሰራዊት ነበሩ። ንእሽቶኦም ክንዲ 100፡ ዓብዪኦም ድማ ክንዲ 1,000 ነበረ።+ 15 እቶም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ገማግም ዮርዳኖስ መሊኡ እናወሓዘ ኸሎ እተሳገሩ እዚኣቶም እዮም፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ቈላታት ዝነበሩ ኸኣ ንምብራቕን ንምዕራብን ሰጐጕዎም።

16 ገለ ኻብ ሰብ ብንያምን ይሁዳን እውን ናብ ዳዊት ናብ ዕርዱ መጹ።+ 17 ዳዊት ድማ ናብ ቅድሚኦም ወጺኡ፡ “ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም እንተ መጺእኩም፡ ልበይ ምሳኻትኩም ሓደ ኪኸውን እዩ። ኣእዳወይ ገለ ዓመጻ ዘይገበራ ኽነሰን፡ ንተጻረርተይ ኣሕሊፍኩም ክትህቡኒ እንተ ዄንኩም ግና፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይፍረድ” በሎም።+ 18 መንፈስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዓማሳይ+ ርእሲ እቶም ሰላሳ መጸ፦*

“ኦ ዳዊት፡ ንሕናስ ናትካ ኢና፣ ኦ ወዲ እሴይ፡ ንሕናስ ምሳኻ ኢና።+

ኣምላኽ ይሕግዘካ ኣሎ እሞ፡+

ሰላም፡ ሰላም ንዓኻ ይኹን፡ ነቶም ዚሕግዙኻ እውን ሰላም ይኹን።”

ዳዊት ከኣ ተቐበሎም፣ ርእስታት ሰራዊት ገይሩ ድማ ሸሞም።

19 ገለ ኻብ ምናሴ እውን ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኰይኑ ንሳኦል ኪዋግኦ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ናብኡ ኸድዑ፣ ግናኸ፡ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን+ ምስ ተማኸሩ፡ “ብዋጋ ኣራእስና ናብ ጐይታኡ ሳኦል ኪኸድዓና እዩ” ኢሎም ሰዲዶምዎ ነበሩ እሞ፡ ንሱስ ንፍልስጥኤማውያን ኣይሓገዞምን።+ 20 ናብ ጺቅላግ+ ምስ ከደ፡ ካብ ምናሴ ናብኡ ዝኸድዑ እዚኣቶም እዮም፦ ዓድናሕን ዮዛባድን የዲዓኤልን ሚካኤልን ዮዛባድን ኤሊሁን ጺልታይን፡ ርእስታት ኣሽሓት ምናሴ።+ 21 ኵላቶም ጀጋኑን ተባዓትን+ ስለ ዝነበሩ፡ ኣንጻር እቲ ዘማቲ ጭፍራ ንዳዊት ሓገዝዎ፣ ኣብቲ ሰራዊት ከኣ ኣሕሉቕ ኰኑ። 22 እቲ ሰፈር ከም ሰፈር ኣምላኽ ዓብዪ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ናብ ዳዊት ይመጹ ነበሩ።+

23 እቶም ከም ትእዛዝ የሆዋ፡ ንግስና ሳኦል ናብ ዳዊት ኬመሓላልፉ ኢሎም ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመጹ+ ርእስታት እቶም ንውግእ እተዓጥቁ፡ ቍጽሮም እዚ እዩ፦+ 24 ዓብዪ ዋልታን ሕላስን ዝጾሩ ሰብ ይሁዳ፡ 6,800 ንውግእ እተዓጥቁ። 25 ካብ ስምኦናውያን፡ 7,100 ተባዓት ጀጋኑ እቲ ሰራዊት።

26 ካብ ሌዋውያን፡ 4,600። 27 የሆያዳ+ እቲ መራሒ ደቂ ኣሮን፡+ ምስኡ ኸኣ 3,700፣ 28 ድማ እቲ ጅግናን ተባዕን ጐበዝ ዝነበረ ጻዶቅ፡+ ምስኡ እውን 22 ኣሕሉቕ ካብ ማይ ቤቱ።

29 ካብ ብንያማውያን ኣሕዋት ሳኦል፡+ መብዛሕትኦም ኣቐዲሞም ረብሓታት ቤት ሳኦል ዚሕልዉ ዝነበሩ 3,000። 30 ካብ ኤፍሬማውያን፡ ኣብ ማይ ቤታቶም ስሙያት ዝዀኑ 20,800 ተባዓት ጀጋኑ።

31 ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ ንዳዊት ኬንግስዎ ኺመጹ ብስሞም እተሰምዩ 18,000። 32 ካብ ነገድ ይሳኮር፡ ግዜያት ዜስተውዕሉን እስራኤል እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ዚፈልጡን 200 ርእስታት፣ ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም እውን ኵሎም ኣሕዋቶም። 33 ካብ ዛብሎን፡ ምስ ኵሉ ኣጽዋር ውግእ ዚስለፉ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ፡ ኵሎም ብዘይተመቕለ ተኣማንነት* ምስ ዳዊት ዝሓበሩ 50,000። 34 ካብ ንፍታሌም፡ 1,000 ኣሕሉቕ፡ ምሳታቶም ከኣ ዓብዪ ዋልታን ኲናትን ዝሓዙ 37,000። 35 ካብ ዳናውያን፡ ንውግእ እተሰለፉ 28,600። 36 ካብ ኣሴር፡ ንውግእ ተሰሊፎም ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ 40,000።

37 ካብ ስግር ዮርዳኖስ፡+ ካብ ሮቤላውያንን ካብ ጋዳውያንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፡ ኵሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ ዝሓዙ 120,000 ተዋጋእቲ። 38 ኵሎም እዚኣቶም ሰልፈኛታት ተዋጋእቲ ነበሩ፣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኬንግስዎ፡ ብምሉእ ልቦም ናብ ኬብሮን መጹ፣ ኵሉ ዝተረፈ እስራኤል እውን ንዳዊት ንምንጋስ፡ ሓደ ድሌት* ነበረ።+ 39 ኣሕዋቶም ኣዳልዮምሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ጸንሑ። 40 ኣብ እስራኤል ሓጐስ ነበረ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ዀኑ፡ እቶም ክሳብ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ኣብ ርሑቕ ዝነበሩ እውን፡ ብኣእዱግን ብኣግማልን ብኣባቕልን ብኸብትን ብዙሕ ምግቢ፡ ማለት ካብ ሓርጭ እተዳለወ ብልዕን ጎጎ በለስን ጎጎ ዘቢብን ወይንን ዘይትን ከብትን ኣባጊዕን የምጽኡሎም ነበሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ