ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ጣኦታት ሚካን ካህኑን (1-13)

መሳፍንቲ 17:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 17:14, 15

መሳፍንቲ 17:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:4፣ ዘሌ 26:1፣ ዘዳ 27:15

መሳፍንቲ 17:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ጣኦታትን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ መልኦ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:6፣ መሳ 8:27
  • +ዘፍ 31:19
  • +ዘሁ 3:10፣ ዘዳ 12:11, 13፣ 2ዜና 13:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2022፡ ገጽ 2

መሳፍንቲ 17:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቅኑዕ ኢሉ ዝሓሰቦ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:4, 5
  • +መሳ 21:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 27

መሳፍንቲ 17:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 5:2
  • +ዘሁ 3:45፣ እያ 14:3፣ 18:7

መሳፍንቲ 17:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 17:1, 5

መሳፍንቲ 17:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መዓድን።”

መሳፍንቲ 17:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ መልኦ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 3:10፣ መሳ 17:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2022፡ ገጽ 2

ሓፈሻዊ

መሳ. 17:1እያ 17:14, 15
መሳ. 17:3ዘጸ 20:4፣ ዘሌ 26:1፣ ዘዳ 27:15
መሳ. 17:5ዘጸ 28:6፣ መሳ 8:27
መሳ. 17:5ዘፍ 31:19
መሳ. 17:5ዘሁ 3:10፣ ዘዳ 12:11, 13፣ 2ዜና 13:8, 9
መሳ. 17:61ሳሙ 8:4, 5
መሳ. 17:6መሳ 21:25
መሳ. 17:7ሚክ 5:2
መሳ. 17:7ዘሁ 3:45፣ እያ 14:3፣ 18:7
መሳ. 17:8መሳ 17:1, 5
መሳ. 17:12ዘሁ 3:10፣ መሳ 17:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 17:1-13

መሳፍንቲ

17 ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ከኣ ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። 2 ንኣዲኡ ድማ፡ “እቲ እተወስደኪ እሞ እናሰማዕኩ ዝረገምክሉ 1,100 ብሩር፡ እንሆ፡ ምሳይ ኣሎ። ኣነ እየ ወሲደዮ” በላ። ኣዲኡ ኸኣ፡ “ወደየ፡ የሆዋ ይባርኽካ” በለቶ። 3 ንሱ ድማ ነቲ 1,100 ብሩር ንኣዲኡ መለሰላ፣ ኣዲኡ ኸኣ፡ “እዚ ብሩር እዚ፡ ንወደይ ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ምእንቲ ኺስርሓሉ፡ ካብ ኢደይ ብርግጽ ንየሆዋ ክቕድሶ እየ።+ ሕጂ ድማ ክመልሰልካ እየ” በለቶ።

4 ነቲ ብሩር ንኣዲኡ ምስ መለሰላ፡ ኣዲኡ 200 ብሩር ወሲዳ ንኣንጠረኛ ብሩር ሃበቶ። ንሱ ኸኣ ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ገበረ፣ ኣብ ቤት ሚካ ድማ ኣንበርዎ። 5 እዚ ሚካ ዚብሃል ሰብኣይ እዚ፡ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፣ ኤፎድን+ ተራፊምን*+ ከኣ ገበረ፣ ንሓደ ኻብ ደቁ ድማ ካህኑ ኪኸውን ሸሞ።*+ 6 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን።+ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዝዀነ* ይገብር ነበረ።+

7 ኣብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ድማ ሓደ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ዝዀነ ጐበዝ ነበረ። ንሱ ንእተወሰነ ግዜ ኣብኣ ዚነብር ሌዋዊ ነበረ።+ 8 እቲ ሰብኣይ ዚነብረሉ ቦታ ኺረክብ ኢሉ ኻብ ከተማ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸደ። መገዱ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ኣኽራን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ።+ 9 ሚካ ድማ፡ “ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ካብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ዝመጻእኩ ሌዋዊ እየ፣ ዝነብረሉ ቦታ ኽረክብ እኸይድ ኣለኹ” በሎ። 10 ሚካ ድማ፡ “ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣቦን* ካህንን ድማ ኩነኒ። ኣነ ኸኣ ንዓመት ዓሰርተ ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ” በሎ። ሽዑ፡ እቲ ሌዋዊ ኣተወ። 11 በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሌዋዊ ምስቲ ሰብኣይ ኪቕመጥ ተሰማምዐ፣ እቲ ጐበዝ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ። 12 ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ኻህኑ ኪኸውን ሸሞ፣*+ ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ሚካ ይነብር ነበረ። 13 ሽዑ፡ ሚካ፡ “እዚ ሌዋዊ ኻህን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ የሆዋ ጽቡቕ ከም ዚገብረለይ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ