ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዮራም፡ ንጉስ ይሁዳ (1-11)

      • ካብ ኤልያስ ብጽሑፍ ዝመጸ መልእኽቲ (12-15)

      • ሕማቕ መወዳእታ ዮራም (16-20)

2 ዜና መዋእል 21:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:50

2 ዜና መዋእል 21:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:5, 23
  • +2ነገ 8:16

2 ዜና መዋእል 21:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 9:5, 6

2 ዜና መዋእል 21:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:17-19

2 ዜና መዋእል 21:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 22:2፣ ነህ 13:26
  • +1ነገ 14:7, 9፣ ሆሴ 4:1

2 ዜና መዋእል 21:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 23:5፣ መዝ 89:20, 28፣ ኤር 33:20, 21
  • +2ሳሙ 7:12, 16፣ 1ነገ 11:36፣ መዝ 132:11

2 ዜና መዋእል 21:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:40
  • +1ነገ 22:47፣ 2ነገ 8:20-22

2 ዜና መዋእል 21:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 15:2፣ ኤር 2:13
  • +እያ 21:13፣ 2ነገ 19:8

2 ዜና መዋእል 21:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:2

2 ዜና መዋእል 21:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 2:1, 11
  • +2ዜና 17:3
  • +1ነገ 15:11፣ 2ዜና 14:2, 5

2 ዜና መዋእል 21:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:25, 33
  • +2ነገ 9:22
  • +ዘጸ 34:15፣ ኤር 3:8
  • +2ዜና 21:4

2 ዜና መዋእል 21:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንመንፈስ ፍልስጥኤማውያንን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:1, 2፣ 2ሳሙ 8:1
  • +2ዜና 17:11
  • +1ነገ 11:14፣ 2ዜና 33:11፣ ኢሳ 10:5

2 ዜና መዋእል 21:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

  • *

    ኣሓዝያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:25, 26
  • +2ዜና 22:1

2 ዜና መዋእል 21:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 12:21-23

2 ዜና መዋእል 21:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:13, 14፣ ኤር 34:4, 5

2 ዜና መዋእል 21:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:10
  • +2ዜና 24:24, 25፣ 28:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1998፡ ገጽ 32

ሓፈሻዊ

2 ዜና 21:11ነገ 22:50
2 ዜና 21:32ዜና 11:5, 23
2 ዜና 21:32ነገ 8:16
2 ዜና 21:4መሳ 9:5, 6
2 ዜና 21:52ነገ 8:17-19
2 ዜና 21:62ዜና 22:2፣ ነህ 13:26
2 ዜና 21:61ነገ 14:7, 9፣ ሆሴ 4:1
2 ዜና 21:72ሳሙ 23:5፣ መዝ 89:20, 28፣ ኤር 33:20, 21
2 ዜና 21:72ሳሙ 7:12, 16፣ 1ነገ 11:36፣ መዝ 132:11
2 ዜና 21:8ዘፍ 27:40
2 ዜና 21:81ነገ 22:47፣ 2ነገ 8:20-22
2 ዜና 21:102ዜና 15:2፣ ኤር 2:13
2 ዜና 21:10እያ 21:13፣ 2ነገ 19:8
2 ዜና 21:11ዘዳ 12:2
2 ዜና 21:122ነገ 2:1, 11
2 ዜና 21:122ዜና 17:3
2 ዜና 21:121ነገ 15:11፣ 2ዜና 14:2, 5
2 ዜና 21:131ነገ 16:25, 33
2 ዜና 21:132ነገ 9:22
2 ዜና 21:13ዘጸ 34:15፣ ኤር 3:8
2 ዜና 21:132ዜና 21:4
2 ዜና 21:16እያ 13:1, 2፣ 2ሳሙ 8:1
2 ዜና 21:162ዜና 17:11
2 ዜና 21:161ነገ 11:14፣ 2ዜና 33:11፣ ኢሳ 10:5
2 ዜና 21:171ነገ 14:25, 26
2 ዜና 21:172ዜና 22:1
2 ዜና 21:18ግብ 12:21-23
2 ዜና 21:192ዜና 16:13, 14፣ ኤር 34:4, 5
2 ዜና 21:201ነገ 2:10
2 ዜና 21:202ዜና 24:24, 25፣ 28:27
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 21:1-20

2 ዜና መዋእል

21 ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ።+ 2 ኣሕዋቱ፡ ደቂ ዮሳፋጥ ከኣ ዓዛርያን የሒኤልን ዘካርያስን ዓዛርያን ሚካኤልን ሸፋጥያን እዮም፣ ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮሳፋጥ ንጉስ እስራኤል እዮም። 3 ኣቦኦም ድማ ብዙሕ ህያባት ብሩርን ወርቅን ክቡር ነገራትን ምስተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ እተዓርዳ ኸተማታት ሃቦም፣+ ንዮራም ግና፡ ንሱ በዅሪ ስለ ዝነበረ፡ እታ መንግስቲ ሃቦ።+

4 ዮራም ንመንግስቲ ኣቦኡ ምስ ተቘጻጸረ፡ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኦም መሳፍንቲ እስራኤልን ብሰይፊ ብምቕታል ስልጣኑ ኣደልደለ።+ 5 ዮራም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ።+ 6 ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ዀይና ነበረት እሞ፡+ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላለሰ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ክፉእ ይገብር ነበረ። 7 የሆዋ ግና፡ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳን ኢሉ፡+ ንዕኡን ንደቁን ወትሩ መብራህቲ ኺህቦም ኣተስፍዩ ስለ ዝነበረ፡+ ንቤት ዳዊት ኬጥፍኣ ኣይደለየን።

8 ብዘመኑ ኤዶም ካብ ይሁዳ ዓለወ፣+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ።+ 9 ሽዑ፡ ዮራም ምስ ኣዘዝቱን ምስ ኵሉ ሰረገላታቱን ተሳገረ፣ ብለይቲ ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታትን ሰዓሮም። 10 ግናኸ፡ ኤዶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ይሁዳ ዓልዩ ኣሎ። ንሱ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደጎ፡+ በታ ግዜ እቲኣ ሊብና+ እውን ካብኡ ዓለወት። 11 ንነበርቲ የሩሳሌም ብመንፈሳዊ መዳይ ኬመንዝሮም ኢሉ ድማ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ በረኽቲ ሰርሐ፣+ ንይሁዳ እውን ኣስሓቶም።

12 ካብ ነብዪ ኤልያስ ከኣ ከምዚ ዚብል መልእኽቲ ብጽሑፍ መጾ፦+ “የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብመገድታት ኣቦኻ ዮሳፋጥ+ ወይ ብመገድታት ኣሳ+ ንጉስ ይሁዳ ኣይተመላለስካን። 13 ግናኸ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላሊስካ፡+ ንይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ድማ ከም ምንዝርና ቤት ኣከኣብ+ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣመንዚርካዮም፡+ ነቶም ካባኻ ዝሓሹ ኣሕዋትካ፡ ቤተ ሰብ ኣቦኻ እውን ቀቲልካዮም።+ 14 ስለዚ፡ የሆዋ ንህዝብኻን ንደቅኻን ንኣንስትኻን ንዅሉ ጥሪትካን ኣበርቲዑ ኺወቕዖም እዩ። 15 ንስኻ ኸኣ ብሰንኪ ሕማም ኣምዑትካ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብብዙሕ ሕማም፡ እንተላይ ብሕማም ኣምዑትካ ኽትሳቐ ኢኻ።’”

16 የሆዋ ድማ ንፍልስጥኤማውያንን*+ ነቶም ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያውያን ዝነበሩ ኣዕራብን+ ኣንጻር ዮራም ኣለዓዓሎም።+ 17 ንሳቶም ከኣ ንይሁዳ ወሪሮምን ጥሒሶም ኣትዮምን ኣብ ቤት* ንጉስ እተረኽበ ዅሉ ጥሪት፡ ከምኡ እውን ደቁን ኣንስቱን ማሪኾም ወሰዱ፣+ ብዘይካ ዮኣሓዝ*+ እቲ ሕሳስ ልደ ወዱ፡ ካልእ ወዲ ኣይተረፎን። 18 ድሕሪ እዚ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ኣብ ኣምዑቱ ብዘይሓዊ ሕማም ወቕዖ።+ 19 ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ ምስ ሓለፈ፡ ብሰንኪ ሕማሙ ኣምዑቱ ወጸ፡ ብሕማሙ ብርቱዕ ቃንዛ እናተቐንዘወ ኸኣ ሞተ፣ ህዝቡ ድማ ከምቲ ምእንቲ ኣቦታቱ ሓዊ ዜንድዱ ዝነበሩ፡ ምእንታኡ ሓዊ ኣየንደዱን።+ 20 ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ። ምስ ሞተ ሓደ እኳ ኣይሓዘነን። ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ፣+ ግናኸ፡ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣይኰነን።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ