ሆሴእ
9 “ኣታ እስራኤል፡ ኣይትተሓጐስ፣+
ከም ህዝብታት ሕጉስ ኣይትኹን።
ንስኻስ ብምንዝርና ኻብ ኣምላኽካ ርሒቕካ ኢኻ።+
ኣብ ኵሉ ዓውዲ እኽሊ ኸኣ ዓስቢ ኣመንዝራ ፈቲኻ ኢኻ።+
2 ዓውድን መጽመቝ ወይንን ግና ኣይኪምግቦምን እዩ፣
ጕዕሽ ወይኒ እውን ኪጠልማ እዩ።+
ከም እንጌራ ሓዘን እዮም፣
ኵሎም እቶም ዚበልዕዎ ኺረኽሱ እዮም።
እንጌራኦምሲ ንዓታቶም* ጥራይ እዩ፣
ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣይኪኣቱን እዩ።
5 ብመዓልቲ ምርኻብ፡*
ብመዓልቲ በዓል የሆዋ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧
6 እንሆ፡ ንሳቶምሲ ብሰሪ ጥፍኣት ኪሃድሙ እዮም።+
ግብጺ ኽትእክቦም፡+ ሞፍ ድማ ክትቀብሮም እያ።+
ነቲ ኽቡር ነገራቶም ኣምዐ ኺወርሶ፡
ኣብ ድንኳናቶም ከኣ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ኪኸውን እዩ።
ነብያቶም ዓያሹ ኪዀኑ፡ ብመንፈስ ዚድረኽ ሰብ ከኣ ኪዓብድ እዩ፣
ስሕተትካ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ኢኻ እትጽላእ።”
ሕጂ ግና ኵሉ መገድታት ነብያቱ+ ኸም መጻወድያ ኣፈንጣሪ ዑፍ እዩ፣
ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ ኣሎ።
9 ከም ብመዓልትታት ጊብዓ፡ ናብ ጥፍኣት ኣመና ጥሒሎም ኣለዉ።+
ንሱ ስሕተቶም ኪዝክር፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኪቐጽዕ እዩ።+
10 “ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዚርከብ ወይኒ ረኺበዮ።+
ንኣቦታትኩም ኣብ ኦም በለስ ከም ዚርከብ መጀመርታ ቐዳማይ በለስ ርእየዮም።
11 ክብሪ ኤፍሬም ከም ዑፍ ይነፍር፣
ሕርስን ድቅን ጥንስን የልቦን።+
13 እቲ ኣብ መጓሰዪ እተተኽለ ኤፍሬም ንዓይ ከም ጢሮስ እዩ ነይሩ፣+
ሕጂ፡ ኤፍሬም ንደቁ ኻብ ማሕረዲ ኼውጽኦም ኣለዎ።”
14 ኦ የሆዋ፡ እቲ እትህቦም ሃቦም፣
ጥንሲ ዚኸዳ ማሕጸንን ዝነጸፋ* ኣጥባትን ሃቦም።
15 “ኣነ ኣብኡ እየ ጸሊአዮም እሞ፡ ኵሉ እከዮም ኣብ ጊልጋል እዩ።+
ብሰሪ ኽፉእ ግብርታቶም ካብ ቤተይ ክሰጕጎም እየ።+
ድሕርዚ ኣይከፍቅሮምን እየ፣+
ኵሎም መሳፍንቶም ነቓጻት እዮም።
16 ኤፍሬም ኪውቃዕ እዩ።+
ሱሮም ኪነቅጽ፡ ፍረ እውን ኣይኬፍርዩን እዮም።
ዋላ እኳ እንተ ወለዱ፡ ነቲ ተፈታዊ ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።”