ሆሴእ
2 ኣነ ንዅሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ ግና ብልቦም ኣይብሉን።+
ሕጂ ግብርታቶም ኣብ ዙርያኦም ኣሎ፣
ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከኣ ኣሎ።
3 ንንጉስ ብእከዮም፡
ንመሳፍንቲ ብምትላሎም የሐጕሱ።
5 ብመዓልቲ ንጉስና፡ መሳፍንቲ ሓሚሞም ኣለዉ፣
—ብሰሪ ወይኒ ነዲሮም ኣለዉ።+
ንሱ ድማ ኢዱ ናብ መላገጽቲ ዘርጊሑ ኣሎ።
6 ንሳቶምሲ ልቦም ከም እቶን እናነደደ ይቐርቡ።*
ምሉእ ለይቲ ሰንካቲ ይድቅስ፣
ንግሆ ድማ እቲ እቶን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ይነድድ።
7 ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፣
ንገዛእቶም* ከኣ ይውሕጥዎም።
8 ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ይጽምበር።+
ኤፍሬም ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።
9 ካልኦት ንሓይሉ በሊዖምዎ፣+ ንሱ ግና ኣይፈለጦን።
ሽበት መልኦ፣ ንሱ ግና ኣየስተብሃሎን።
11 ኤፍሬም ከም ልቢ ዘይብላ ዓሻ ርግቢ እዩ።+
ንሳቶም ንግብጺ ጸዊዖም፣+ ናብ ኣሶር ድማ ከይዶም።+
13 ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም!
በዲሎምኒ እዮም እሞ፡ ይጥፍኡ!
ኣነስ ክብጀዎም ተዳልየ ነይረ፣ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛሪቦምለይ።+
14 ኣብ ዓራቶም ኰይኖም ዋይዋይ ይብሉ እኳ እንተ ኣለዉ፡
ካብ ልቦም ናባይ ኣይተማህለሉን።+
ብሰንኪ እኽሎምን ጕዕሽ ወይኖምን ገዛእ ርእሶም ይበጥሑ ኣለዉ፣
ኣንጻረይ ኰይኖም ኣለዉ።
15 ዋላ እኳ እንተ ገሰጽክዎምን ቀላጽሞም እንተ ኣበርታዕኩን፡
እከይ ብምሕሳብ፡ ኣንጻረይ ኰይኖም ኣለዉ።
መሳፍንቶም ብሰንኪ ዚዳፈር ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።
በዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ መላገጺ ኪዀኑ እዮም።”+