4 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡
ከረን ቤት የሆዋ+
ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡
ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ድማ ልዕል ኪብል እዩ፣
ናብኡ ኸኣ ኵሎም ህዝብታት ኪውሕዙ እዮም።+
2 ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ኪኸዱ፡
“ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ፡
ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ።+
ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡
ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ኸኣ ኪብሉ እዮም።
ሕግስ ካብ ጽዮን፡
ቃል የሆዋ ድማ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ።
3 ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፡+
ንብርቱዓት ኣህዛብ ድማ ነገር ኬቕንዓሎም እዩ።
ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡
ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም።+
ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣
ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።+
4 ኣፍ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡
ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣+
ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።+
5 ኵሎም ህዝብታትሲ፡ ነፍሲ ወከፍ በብስም ኣምላኹ ኺመላለስ እዩ፣
ንሕና ግና ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክንመላለስ ኢና።+
6 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡
“ነቲ ዚሕንክስ ዝነበረ ኽእክቦ፡
ንእተበተነ ድማ፡
ምስቶም እተገፍዑ ኽእክቦ እየ።+
7 ነቲ ዚሕንክስ ዝነበረ፡ ተረፍ፡+
ነቲ ዝረሓቐ ኸኣ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብሮ እየ።+
የሆዋ ድማ ኣብ ከረን ጽዮን
ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ።
8 ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ግምቢ መጓሰ፡
ኣታ ዅምራ ጓል ጽዮን፡+
ናባኻ ኽትመጽእ፡ እወ፡ እታ ቐዳመይቲ ግዝኣት፡+
እታ መንግስቲ ጓል የሩሳሌም ክትመጽእ እያ።+
9 ሕጂኸ ስለምንታይ ኢኺ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ ዘለኺ፧
ከም ናይ እትሓርስ ሰበይቲ ቕልውላው ዝሓዘክስ፡+
ንጉስዶ የብልክን፡
ወይስ ኣማኻሪኺዶ ጠፊኡ እዩ፧
10 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጅስ ካብ ከተማ ወጺእኪ ኣብ መሮር ክትነብሪ ኢኺ እሞ፡
ከም እትሓርስ ሰበይቲ
ተፍሓስን ግዓርን።
ክሳብ ባቢሎን ክትከዲ፡+
ኣብኡ ድማ ክትናገፊ ኢኺ፣+
ኣብኡ የሆዋ ኻብ ኢድ ጸላእትኺ መሊሱ ኺዕድገኪ እዩ።+
11 ሕጂ ብዙሓት ኣህዛብ ኣንጻርኪ ኺእከቡ እዮም፣
‘ትርከስ፡ ጽዮን ከምኡ ኽትከውን ከላ ኸኣ ኣዒንትና ይርኣያ’
ኺብሉ እዮም።
12 ግናኸ፡ ሓሳባት የሆዋ ኣይፈልጡን፡
ዕላማኡ ድማ ኣይርድኡን እዮም፣
ንሱስ ከምቲ ተር ዝበለ ዕጻድ ናብ ዓውዲ ኺእክቦም እዩ።
13 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ተንስኢ፡ ኣኺዲ፣+
ኣነስ ንኣቕርንትኺ ናብ ሓጺን ክልውጦ፡
ንሸዀናታትኪ ኸኣ ናብ ነሓሲ ኽልውጦ እየ፣
ንስኺ ኸኣ ብዙሓት ህዝብታት ከተድቅቒ ኢኺ።+
ረብሓ ሸፈጦም ንየሆዋ፡
ጥሪቶም እውን ነቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ኽትውፍዪ ኢኺ።”+