ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ከበባ (1-7)

      • የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ተደምሰሳ፣ ካልኣይ ምርኮ (8-21)

      • ገዳልያ ሹም ኰነ (22-24)

      • ገዳልያ ተቐትለ፣ እቶም ህዝቢ ናብ ግብጺ ሃደሙ (25, 26)

      • ዮያኪን ኣብ ባቢሎን ተፈትሐ (27-30)

2 ነገስት 25:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:8፣ 43:10፣ ዳን 4:1
  • +2ዜና 36:17፣ ኤር 34:2፣ ህዝ 24:1, 2
  • +ኢሳ 29:3፣ ኤር 32:2, 28፣ 39:1፣ 52:4, 5፣ ህዝ 4:1, 2፣ 21:21, 22

2 ነገስት 25:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:26፣ ዘዳ 28:53፣ ኤር 37:21፣ 38:2፣ ድጕ 4:4፣ ህዝ 5:10, 12
  • +ኤር 52:6-11

2 ነገስት 25:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:4፣ 39:2, 4-7፣ ህዝ 33:21
  • +ህዝ 12:12

2 ነገስት 25:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:7

2 ነገስት 25:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:4, 5፣ ህዝ 12:12, 13፣ 17:16

2 ነገስት 25:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:1
  • +ኤር 52:12-14፣ ድጕ 4:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 11

2 ነገስት 25:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:1፣ 9:8፣ መዝ 74:3፣ 79:1፣ ኢሳ 64:11፣ ኤር 7:14፣ 34:22፣ ድጕ 1:10፣ 2:7፣ ሚክ 3:12
  • +2ዜና 36:19

2 ነገስት 25:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 1:3፣ ኤር 39:8

2 ነገስት 25:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:2፣ 39:9፣ 52:15, 30፣ ህዝ 5:2

2 ነገስት 25:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:10፣ 52:16

2 ነገስት 25:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:15
  • +1ነገ 7:27
  • +1ነገ 7:23
  • +2ነገ 20:17፣ ኤር 52:17-20

2 ነገስት 25:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1503

2 ነገስት 25:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:48, 50
  • +2ዜና 24:14፣ 36:18፣ እዝ 1:7, 10, 11፣ ዳን 5:2

2 ነገስት 25:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:47

2 ነገስት 25:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:15
  • +1ነገ 7:16, 20፣ ኤር 52:21-23

2 ነገስት 25:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 7:1
  • +ኤር 21:1, 2፣ 29:25, 29
  • +ኤር 52:24-27

2 ነገስት 25:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:8፣ ኤር 39:9፣ 40:1
  • +ኤር 39:5

2 ነገስት 25:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 34:2, 8፣ 1ነገ 8:65
  • +ዘዳ 28:36, 64፣ 2ነገ 23:27፣ ኤር 25:11

2 ነገስት 25:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:13, 14
  • +ኤር 26:24
  • +2ነገ 22:8
  • +ኤር 40:5, 6

2 ነገስት 25:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:7-9

2 ነገስት 25:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:12

2 ነገስት 25:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:15
  • +ኤር 41:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” መጽናዕቲ ቝ. 3፡ ገጽ 2-3

2 ነገስት 25:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 41:17, 18
  • +ኤር 42:14፣ 43:4, 7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” መጽናዕቲ ቝ. 3፡ ገጽ 2-3

2 ነገስት 25:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ርእሱ ኣልዓሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:8, 12፣ ኤር 24:1፣ ማቴ 1:11
  • +ኤር 52:31-34

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2012፡ ገጽ 5

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 25:1ኤር 27:8፣ 43:10፣ ዳን 4:1
2 ነገ. 25:12ዜና 36:17፣ ኤር 34:2፣ ህዝ 24:1, 2
2 ነገ. 25:1ኢሳ 29:3፣ ኤር 32:2, 28፣ 39:1፣ 52:4, 5፣ ህዝ 4:1, 2፣ 21:21, 22
2 ነገ. 25:3ዘሌ 26:26፣ ዘዳ 28:53፣ ኤር 37:21፣ 38:2፣ ድጕ 4:4፣ ህዝ 5:10, 12
2 ነገ. 25:3ኤር 52:6-11
2 ነገ. 25:4ኤር 21:4፣ 39:2, 4-7፣ ህዝ 33:21
2 ነገ. 25:4ህዝ 12:12
2 ነገ. 25:6ኤር 21:7
2 ነገ. 25:7ኤር 32:4, 5፣ ህዝ 12:12, 13፣ 17:16
2 ነገ. 25:8ኤር 40:1
2 ነገ. 25:8ኤር 52:12-14፣ ድጕ 4:12
2 ነገ. 25:91ነገ 7:1፣ 9:8፣ መዝ 74:3፣ 79:1፣ ኢሳ 64:11፣ ኤር 7:14፣ 34:22፣ ድጕ 1:10፣ 2:7፣ ሚክ 3:12
2 ነገ. 25:92ዜና 36:19
2 ነገ. 25:10ነህ 1:3፣ ኤር 39:8
2 ነገ. 25:11ኤር 15:2፣ 39:9፣ 52:15, 30፣ ህዝ 5:2
2 ነገ. 25:12ኤር 39:10፣ 52:16
2 ነገ. 25:131ነገ 7:15
2 ነገ. 25:131ነገ 7:27
2 ነገ. 25:131ነገ 7:23
2 ነገ. 25:132ነገ 20:17፣ ኤር 52:17-20
2 ነገ. 25:151ነገ 7:48, 50
2 ነገ. 25:152ዜና 24:14፣ 36:18፣ እዝ 1:7, 10, 11፣ ዳን 5:2
2 ነገ. 25:161ነገ 7:47
2 ነገ. 25:171ነገ 7:15
2 ነገ. 25:171ነገ 7:16, 20፣ ኤር 52:21-23
2 ነገ. 25:18እዝ 7:1
2 ነገ. 25:18ኤር 21:1, 2፣ 29:25, 29
2 ነገ. 25:18ኤር 52:24-27
2 ነገ. 25:202ነገ 25:8፣ ኤር 39:9፣ 40:1
2 ነገ. 25:20ኤር 39:5
2 ነገ. 25:21ዘሁ 34:2, 8፣ 1ነገ 8:65
2 ነገ. 25:21ዘዳ 28:36, 64፣ 2ነገ 23:27፣ ኤር 25:11
2 ነገ. 25:22ኤር 39:13, 14
2 ነገ. 25:22ኤር 26:24
2 ነገ. 25:222ነገ 22:8
2 ነገ. 25:22ኤር 40:5, 6
2 ነገ. 25:23ኤር 40:7-9
2 ነገ. 25:24ኤር 27:12
2 ነገ. 25:25ኤር 40:15
2 ነገ. 25:25ኤር 41:1, 2
2 ነገ. 25:26ኤር 41:17, 18
2 ነገ. 25:26ኤር 42:14፣ 43:4, 7
2 ነገ. 25:272ነገ 24:8, 12፣ ኤር 24:1፣ ማቴ 1:11
2 ነገ. 25:27ኤር 52:31-34
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 25:1-30

2 ነገስት

25 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ንግስና ጼዴቅያስ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣንጻር የሩሳሌም መጸ።+ ኣንጻራ ሰፊሩ ድማ፡ ብዙርያኣ መንደቕ ከበባ ሃነጸላ።+ 2 እታ ኸተማ ድማ ክሳዕ መበል 11 ዓመት ንጉስ ጼዴቅያስ ተኸቢባ ነበረት። 3 ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ራብዐይቲ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፣+ ንህዝቢ እታ ምድሪ ድማ እንጌራ ኣይነበረን።+ 4 መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ብሓደ ቦታ ፈረሰ፣+ ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለዉ ድማ፡ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ድርብ መካበብያ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሎም ሃደሙ፣ ንጉስ ከኣ ብመገዲ ዓራባ ኸደ።+ 5 እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና፡ ንንጉስ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ያሪኮ ኣርከብዎ፣ ኵሉ ሰራዊቱ ድማ ካብ ጐድኑ ፋሕ በለ። 6 ሽዑ፡ ንንጉስ ሒዞም+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፣ ፍርዲ ኸኣ ፈረድዎ። 7 ንደቂ ጼዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሓረድዎም፣ ነቡካድነጻር ከኣ ንጼዴቅያስ ኣዒንቱ ኣዖሮ፣ ብመቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ እውን ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ።+

8 ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንሳ ድማ ኣብ መበል 19 ዓመት ንጉስ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።+ 9 ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣንደደ፣+ ንዅለን ኣባይቲ ምርኡያት እውን ኣንደደ።+ 10 እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዝነበረ መካበብያ ኣፍረሶ።+ 11 ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝብን ነቶም ናብ ንጉስ ባቢሎን ከይዶም ዝነበሩ ኸዳዓትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም።+ 12 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና፡ ንገለ ኻብቶም ድኻታት ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንን ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎን ኪዀኑ ኢሉ ሓደጎም።+ 13 እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኣዕኑድ ነሓስን+ ነቲ ዓረብያታትን+ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ባሕሪ ነሓስን+ ሰባበርዎ፣ ነቲ ነሓሲ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።+ 14 ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን መቐዛት መጥፍእን ጽዋኣትን ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግል ዝነበረ ኣቕሑ ነሓስን እውን ወሰድዎ። 15 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቲ ኻብ ናይ ሓቂ ወርቅን+ ብሩርን እተገብረ መትሓዚታት ሓውን ጭሔሎታትን ወሰዶ።+ 16 ኵሉ ኣቕሑ ነሓሲ እቲ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ባሕርን ዓረብያታትን ከኣ ኪምዘን ዚከኣል ኣይነበረን።+ 17 እቲ ሓደ ዓንዲ 18 እመት* ዝቝመቱ ነበረ፣+ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ርእሲ ዓንዲ ኸኣ ካብ ነሓሲ ነበረ፣ ቍመት እቲ ርእሲ ዓንዲ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ርእሲ ዓንዲ ዝነበረ መርበብን ሮማናትን ከኣ ካብ ነሓሲ ነበረ።+ እቲ ኻልኣይ ዓንዲ ምስ መርበቡ ድማ ከምኡ ነበረ።

18 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንሰራያ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ንጸፎንያስ+ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስተ ሓለውቲ ማዕጾን ወሰዶም።+ 19 ካብታ ኸተማ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ተመዚዙ ዝነበረ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስትን ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ምስ ንጉስ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ሓሙሽተ ሰባትን እቲ ንህዝቢ እታ ምድሪ ዚእክቦም ጸሓፊ ሓለቓ ሰራዊትን ካብ ተራ ህዝቢ እታ ምድሪ ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ 60 ሰባትን ወሰደ። 20 ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ወሲዱ፡ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም።+ 21 ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም።+ በዚ ኸምዚ፡ ይሁዳ ኻብ ምድሩ ተማረኸ።+

22 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዘትረፎ ህዝቢ ሸሞ።+ 23 ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ሰቦምን፡ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ኸም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ። ንሳቶም ከኣ እስማኤል ወዲ ነታንያን ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋታውን ያዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን፡ እዚኣቶም ምስ ሰቦም ነበሩ።+ 24 ገዳልያ ድማ፡ “ገላዉ ከለዳውያን ንምዃን ኣይትፍርሁ። ኣብዛ ምድሪ ተቐመጡ፣ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ፣ ጽቡቕ ድማ ኪዀነልኩም እዩ” ኢሉ ንዓታቶምን ንሰቦምን መሓለሎም።+

25 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ* ዝዀነ እስማኤል+ ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕ ምስ ዓሰርተ ሰባት መጸ፣ ንሳቶም ከኣ ንገዳልያ ወቕዕዎ እሞ ሞተ፣ ነቶም ምስኡ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ኣይሁድን ከለዳውያንን እውን ቀተልዎም።+ 26 ድሕሪኡ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ እንተላይ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት፡ ንከለዳውያን ፈሪሆምዎም ነበሩ እሞ፡+ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ።+

27 ኣብ መበል 37 ዓመት ምርኮ ዮያኪን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ኣብ መበል 27 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ፈትሖ።*+ 28 ንዕኡ ኸኣ ጽቡቕ ተዛረቦ፣ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበለ። 29 ዮያኪን ከኣ ክዳውንቲ ማእሰርቱ ቐንጠጠ፣ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ድማ ወትሩ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ። 30 ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኸኣ፡ ወትሩ ኻብ ንጉስ መዓልታዊ ቐለብ ይውሃቦ ነበረ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ