ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ንፍርዱ ኣይኪቕይሮን እዩ (1-9)

      • ጥርዓን ኤርምያስ (10)

      • ምላሽ የሆዋ (11-14)

      • ጸሎት ኤርምያስ (15-18)

        • ቃላት ኣምላኽ ምብላዕ ዜምጽኦ ደስታ (16)

      • የሆዋ ንኤርምያስ ኣተባብዖ (19-21)

ኤርምያስ 15:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኣይመበለትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:11፣ 1ሳሙ 7:9፣ መዝ 99:6፣ 106:23

ኤርምያስ 15:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 5:2
  • +ህዝ 12:11

ኤርምያስ 15:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣርባዕተ ዓይነት ፍርዲ” ኪኸውን ይኽእል። ቃ.ቃ.፡ “ኣርባዕተ ዓሌት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 14:21
  • +ዘዳ 28:26፣ ኤር 7:33

ኤርምያስ 15:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:11፣ 23:26፣ 24:3, 4
  • +ዘዳ 28:15, 25፣ ኤር 24:9፣ ህዝ 23:46

ኤርምያስ 15:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናብ ድሕሪት ትኸዲ ኣለኺ” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ብጣዕሳ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:13
  • +ኢሳ 1:4
  • +ጸፎ 1:4

ኤርምያስ 15:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15, 18፣ ኤር 9:21፣ ህዝ 24:21
  • +ኤር 5:3

ኤርምያስ 15:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሳ ትንፋስ ሓጺርዋ ኣሎ።”

  • *

    ወይ፡ “ሓፊራን ሓኒኻን ኣላ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 44:27፣ ህዝ 5:12

ኤርምያስ 15:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:14

ኤርምያስ 15:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:5

ኤርምያስ 15:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:22፣ ኢሳ 42:24, 25፣ ኤር 17:4
  • +ዘሌ 26:38፣ ኤር 16:13

ኤርምያስ 15:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣይትውሰደኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 11:20፣ 12:3፣ 17:18፣ 37:15
  • +መዝ 69:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 118

ኤርምያስ 15:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:1-3፣ ራእ 10:9, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 47

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    5/2017፡ ገጽ 20

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2011፡ ገጽ 30

    15/3/2007፡ ገጽ 10

    ኤርምያስ፡ ገጽ 118

ኤርምያስ 15:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብመልእኽቲ ዅነኔ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 1:1
  • +ኤር 20:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 10

    1/5/2004፡ ገጽ 11-12

ኤርምያስ 15:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 9

    1/3/1998፡ ገጽ 28

ኤርምያስ 15:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣፈኛይ።”

ኤርምያስ 15:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:18፣ ህዝ 3:9
  • +ኤር 20:11

ሓፈሻዊ

ኤር. 15:1ዘጸ 32:11፣ 1ሳሙ 7:9፣ መዝ 99:6፣ 106:23
ኤር. 15:2ህዝ 5:2
ኤር. 15:2ህዝ 12:11
ኤር. 15:3ህዝ 14:21
ኤር. 15:3ዘዳ 28:26፣ ኤር 7:33
ኤር. 15:42ነገ 21:11፣ 23:26፣ 24:3, 4
ኤር. 15:4ዘዳ 28:15, 25፣ ኤር 24:9፣ ህዝ 23:46
ኤር. 15:6ኤር 2:13
ኤር. 15:6ኢሳ 1:4
ኤር. 15:6ጸፎ 1:4
ኤር. 15:7ዘዳ 28:15, 18፣ ኤር 9:21፣ ህዝ 24:21
ኤር. 15:7ኤር 5:3
ኤር. 15:9ኤር 44:27፣ ህዝ 5:12
ኤር. 15:10ኤር 20:14
ኤር. 15:13ኤር 20:5
ኤር. 15:14ዘዳ 32:22፣ ኢሳ 42:24, 25፣ ኤር 17:4
ኤር. 15:14ዘሌ 26:38፣ ኤር 16:13
ኤር. 15:15ኤር 11:20፣ 12:3፣ 17:18፣ 37:15
ኤር. 15:15መዝ 69:7
ኤር. 15:16ህዝ 3:1-3፣ ራእ 10:9, 10
ኤር. 15:17መዝ 1:1
ኤር. 15:17ኤር 20:8
ኤር. 15:20ኤር 1:18፣ ህዝ 3:9
ኤር. 15:20ኤር 20:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 15:1-21

ኤርምያስ

15 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ዚቘሙ፡+ ነዚ ህዝቢ እዚ ሞገስ ኣይመርኣኽዎን።* ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም። ይኺዱ። 2 ‘ናበይ ክንከይድ ኢና፧’ እንተ ኢሎምኻ ድማ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ንመቕዘፍቲ እተመደበ፡ ናብ መቕዘፍቲ!

ንሰይፊ እተመደበ፡ ናብ ሰይፊ!+

ንጥሜት እተመደበ፡ ናብ ጥሜት!

ንምርኮ እተመደበ ኸኣ፡ ናብ ምርኮ!”’+

3 “‘ኣብ ልዕሊኦም ድማ ኣርባዕተ መዓት፡*+ ሰይፊ ንምቕታል፡ ኣኽላባት ንምጕታት፡ ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣራዊት ምድርን ንምብላዕን ንምጥፋእን ክሸይም እየ’ ይብል የሆዋ።+ 4 ‘ብሰሪ ምናሴ ወዲ ህዝቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡+ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ።+

 5 ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ኪርሕርሓልኪ እዩ፧

መን ኪድንግጸልኪ እዩ፧

ብዛዕባ ድሕንነትኪኸ መን ኪሓትተልኪ እዩ፧’

 6 ‘ጠንጢንክኒ’ ይብል የሆዋ።+

‘ዝባንኪ መሊስክለይ ኣለኺ።*+

ስለዚ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ኸጥፍኣኪ እየ።+

ንዓኺ ብምድንጋጽ* ደኺመ ኣለኹ።

 7 ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ምድሪ ብመስአ ኸዝርዎም እየ።

ውሉድ ከስእኖም እየ።+

ካብ መገድታቶም ምምላስ ስለ ዝኣበዩ፡+

ንህዝበይ ከጥፍኦም እየ።

 8 መበለታቶም ኣብ ቅድመይ ካብ ሑጻ ባሕርታት ኪበዝሓ እየን።

ብቐትሪ ኣባታቶም፡ ኣብ ኣዴታትን ኣብ ኣጕባዝን፡ መጥፍኢ ኸምጽእ እየ።

ብሃንደበት ነውጽን ሽበራን ከምጽኣሎም እየ።

 9 ሸውዓተ ዝወለደት ሰበይቲ ደኺማ ኣላ፣

ትንፋስ ሓጺርዋ ኣሎ።*

ገና መዓልቲ ኸሎ፡ ጸሓያ ዓሪባ ኣላ፣

እዚ ኸኣ ኣሕፊርዋን ኣዋሪድዋን ኣሎ።’*

‘ነቶም ሒደት ተረፎም ድማ፡

ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ’ ይብል የሆዋ።”+

10 ኣቲ ኣደይ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኣደዳ ቘየቛን ባእስን ክኸውንሲ፡

ንዓይ ስለ ዝወለድኪ፡ ወይለይ!+

ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ፡

ኵላቶም ይረግሙኒ ኣለዉ።

11 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ብርግጽ ንጽቡቕ ከገልግለካ እየ፣

ብግዜ መዓት ብርግጽ ክልምነልካ፡

ብግዜ ጭንቂ ንጸላኢ ኽልምነልካ እየ።

12 ሓጺን ኪሰብር፡

ሓጺን ሰሜንን ነሓስን ኪሰብር ዚኽእልዶ ኣሎ፧

13 ብሰሪ እቲ ኣብ ብዘሎ ሃገርካ ዝገበርካዮ ዅሉ ሓጢኣትካ፡

ጥሪትካን መዛግብትኻን ንዘመተ ኽህብ እየ።+

14 ብቝጥዓይ ሓዊ ተባሪዑ፡

ኣባኻትኩም ድማ ይነድድ ኣሎ እሞ፡+

ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ኪወስድዎስ፡+

ንጸላእትኻ ኽህቦም እየ።”

15 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ትፈልጥ፣

ዘክረኒ፡ ቈላሕታኻ ድማ ግበረለይ።

ንሰጐጕተይ ሕነ ፍደየለይ።+

ንዅራ ደንጓዪ ብምዃንካ፡ ክጠፍእ ኣይትሕደገኒ።*

ስለኻ ኢለ እዚ ጸርፊ እዚ ኸም ዝጾርኩ ፍለጥ።+

16 ቃላትካ ተረኺቡ፡ ኣነ እውን በሊዐዮ፣+

ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ብስምካ ተጸዊዐ እየ እሞ፡

ቃልካ ፍስሃን ሓጐስ ልበይን ኰይኑኒ።

17 ኣብ ኣኼባ መስሓቕቲ ኣይቅመጥን፡ ምሳታቶም እውን ኣይሕጐስን እየ።+

ኢድካ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝዀነት፡

ብቝጥዓ* መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡+ በይነይ እየ ዝቕመጥ።

18 ስለምንታይ እዩ ስቓየይ ዘየቋርጽ፡ ቍስለይ ከኣ ዘይሓዊ፧

ምሕዋይ ኣብዩ።

ከም ዘየተኣማምን መታለሊ ቐረብ ማይዶ

ክትኰነኒ ኢኻ፧

19 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“እንተ ተመሊስካ፡ ክመልሰካ እየ፣

ኣብ ቅድመይ ከኣ ክትቀውም ኢኻ።

ክቡር ካብ ከንቱ እንተ ፈሊኻ፡

ከም ኣፈይ* ክትከውን ኢኻ።

ንሳቶም ናባኻ ኺምለሱ እዮም እምበር፡

ንስኻስ ናባታቶም ኣይክትምለስን ኢኻ።”

20 “ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እተዓርደ መንደቕ ነሓሲ ኽገብረካ እየ።+

ንሳቶም ብርግጽ ኪዋግኡኻ እዮም፣

ግናኸ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፣+

‘ከናግፈካስ ኣነ ምሳኻ እየ’ ይብል የሆዋ።”

21 “ካብ ኢድ እኩያት ድማ ከናግፈካ፡

ካብ ኢድ ጨካናት ከኣ ክብጀወካ እየ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ