ኤርምያስ
15 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ዚቘሙ፡+ ነዚ ህዝቢ እዚ ሞገስ ኣይመርኣኽዎን።* ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም። ይኺዱ። 2 ‘ናበይ ክንከይድ ኢና፧’ እንተ ኢሎምኻ ድማ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ንመቕዘፍቲ እተመደበ፡ ናብ መቕዘፍቲ!
ንሰይፊ እተመደበ፡ ናብ ሰይፊ!+
ንጥሜት እተመደበ፡ ናብ ጥሜት!
ንምርኮ እተመደበ ኸኣ፡ ናብ ምርኮ!”’+
3 “‘ኣብ ልዕሊኦም ድማ ኣርባዕተ መዓት፡*+ ሰይፊ ንምቕታል፡ ኣኽላባት ንምጕታት፡ ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣራዊት ምድርን ንምብላዕን ንምጥፋእን ክሸይም እየ’ ይብል የሆዋ።+ 4 ‘ብሰሪ ምናሴ ወዲ ህዝቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡+ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ።+
5 ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ኪርሕርሓልኪ እዩ፧
መን ኪድንግጸልኪ እዩ፧
ብዛዕባ ድሕንነትኪኸ መን ኪሓትተልኪ እዩ፧’
6 ‘ጠንጢንክኒ’ ይብል የሆዋ።+
ስለዚ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ኸጥፍኣኪ እየ።+
ንዓኺ ብምድንጋጽ* ደኺመ ኣለኹ።
7 ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ምድሪ ብመስአ ኸዝርዎም እየ።
ውሉድ ከስእኖም እየ።+
ካብ መገድታቶም ምምላስ ስለ ዝኣበዩ፡+
ንህዝበይ ከጥፍኦም እየ።
8 መበለታቶም ኣብ ቅድመይ ካብ ሑጻ ባሕርታት ኪበዝሓ እየን።
ብቐትሪ ኣባታቶም፡ ኣብ ኣዴታትን ኣብ ኣጕባዝን፡ መጥፍኢ ኸምጽእ እየ።
ብሃንደበት ነውጽን ሽበራን ከምጽኣሎም እየ።
9 ሸውዓተ ዝወለደት ሰበይቲ ደኺማ ኣላ፣
ትንፋስ ሓጺርዋ ኣሎ።*
ገና መዓልቲ ኸሎ፡ ጸሓያ ዓሪባ ኣላ፣
እዚ ኸኣ ኣሕፊርዋን ኣዋሪድዋን ኣሎ።’*
‘ነቶም ሒደት ተረፎም ድማ፡
ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ’ ይብል የሆዋ።”+
10 ኣቲ ኣደይ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኣደዳ ቘየቛን ባእስን ክኸውንሲ፡
ንዓይ ስለ ዝወለድኪ፡ ወይለይ!+
ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ፡
ኵላቶም ይረግሙኒ ኣለዉ።
11 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ብርግጽ ንጽቡቕ ከገልግለካ እየ፣
ብግዜ መዓት ብርግጽ ክልምነልካ፡
ብግዜ ጭንቂ ንጸላኢ ኽልምነልካ እየ።
12 ሓጺን ኪሰብር፡
ሓጺን ሰሜንን ነሓስን ኪሰብር ዚኽእልዶ ኣሎ፧
13 ብሰሪ እቲ ኣብ ብዘሎ ሃገርካ ዝገበርካዮ ዅሉ ሓጢኣትካ፡
ጥሪትካን መዛግብትኻን ንዘመተ ኽህብ እየ።+
15 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ትፈልጥ፣
ዘክረኒ፡ ቈላሕታኻ ድማ ግበረለይ።
ንሰጐጕተይ ሕነ ፍደየለይ።+
ንዅራ ደንጓዪ ብምዃንካ፡ ክጠፍእ ኣይትሕደገኒ።*
ስለኻ ኢለ እዚ ጸርፊ እዚ ኸም ዝጾርኩ ፍለጥ።+
17 ኣብ ኣኼባ መስሓቕቲ ኣይቅመጥን፡ ምሳታቶም እውን ኣይሕጐስን እየ።+
18 ስለምንታይ እዩ ስቓየይ ዘየቋርጽ፡ ቍስለይ ከኣ ዘይሓዊ፧
ምሕዋይ ኣብዩ።
ከም ዘየተኣማምን መታለሊ ቐረብ ማይዶ
ክትኰነኒ ኢኻ፧
19 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንተ ተመሊስካ፡ ክመልሰካ እየ፣
ኣብ ቅድመይ ከኣ ክትቀውም ኢኻ።
ክቡር ካብ ከንቱ እንተ ፈሊኻ፡
ከም ኣፈይ* ክትከውን ኢኻ።
ንሳቶም ናባኻ ኺምለሱ እዮም እምበር፡
ንስኻስ ናባታቶም ኣይክትምለስን ኢኻ።”
20 “ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እተዓርደ መንደቕ ነሓሲ ኽገብረካ እየ።+
21 “ካብ ኢድ እኩያት ድማ ከናግፈካ፡
ካብ ኢድ ጨካናት ከኣ ክብጀወካ እየ።”