ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዝቐረበ ጻውዒት (1-6)

        • ‘ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየ’ (3)

      • ራእይ 1፦ ኣብ መንጎ ኣእዋም ኣደስ ዚመላለሱ ፈረሰኛታት (7-17)

        • ‘የሆዋ ንጽዮን ከም ብሓድሽ ኬጸናንዓ እዩ’ (17)

      • ራእይ 2፦ ኣርባዕተ ቐርንን ኣርባዕተ ኢደ ጥበበኛታትን (18-21)

ዘካርያስ 1:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “የሆዋ ዘከረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 4:24፣ ሃጌ 1:1
  • +እዝ 5:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 29

ዘካርያስ 1:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:16, 17፣ ኤር 44:5, 6

ዘካርያስ 1:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 33:11፣ ሚል 3:7

ዘካርያስ 1:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:16፣ 55:7፣ ሆሴ 14:1
  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 11:7, 8

ዘካርያስ 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17፣ ዳን 9:11, 12
  • +ዘዳ 28:20, 45፣ ኤር 23:20

ዘካርያስ 1:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 4:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1509፡ 1604

ዘካርያስ 1:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 1:15

ዘካርያስ 1:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:20, 21፣ ኤር 25:11, 12፣ ዳን 9:2፣ ዘካ 7:5
  • +መዝ 74:10፣ 102:13

ዘካርያስ 1:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 2:18፣ ዘካ 8:2

ዘካርያስ 1:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:11፣ ዘካ 1:11
  • +ኢሳ 54:8
  • +መዝ 137:7፣ ኢሳ 47:6፣ ኤር 51:35

ዘካርያስ 1:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 12:1፣ ኤር 33:14፣ ዘካ 8:3
  • +እዝ 6:14, 15፣ ኢሳ 44:28፣ ሃጌ 1:14
  • +ኤር 31:38, 39፣ ህዝ 40:2, 3፣ ዘካ 2:1, 2

ዘካርያስ 1:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 51:3
  • +መዝ 132:13፣ ዘካ 2:12፣ 3:2

ዘካርያስ 1:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 1:21

ዘካርያስ 1:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12, 14
  • +2ነገ 15:29፣ 17:6፣ 18:11፣ ኤር 50:17
  • +2ነገ 25:11፣ 2ዜና 36:17, 19

ሓፈሻዊ

ዘካ. 1:1እዝ 4:24፣ ሃጌ 1:1
ዘካ. 1:1እዝ 5:1
ዘካ. 1:22ነገ 22:16, 17፣ ኤር 44:5, 6
ዘካ. 1:3ህዝ 33:11፣ ሚል 3:7
ዘካ. 1:4ኢሳ 1:16፣ 55:7፣ ሆሴ 14:1
ዘካ. 1:42ዜና 36:15, 16፣ ኤር 11:7, 8
ዘካ. 1:62ዜና 36:17፣ ዳን 9:11, 12
ዘካ. 1:6ዘዳ 28:20, 45፣ ኤር 23:20
ዘካ. 1:7እዝ 4:24
ዘካ. 1:11ዘካ 1:15
ዘካ. 1:122ዜና 36:20, 21፣ ኤር 25:11, 12፣ ዳን 9:2፣ ዘካ 7:5
ዘካ. 1:12መዝ 74:10፣ 102:13
ዘካ. 1:14ዮኤ 2:18፣ ዘካ 8:2
ዘካ. 1:15ኤር 48:11፣ ዘካ 1:11
ዘካ. 1:15ኢሳ 54:8
ዘካ. 1:15መዝ 137:7፣ ኢሳ 47:6፣ ኤር 51:35
ዘካ. 1:16ኢሳ 12:1፣ ኤር 33:14፣ ዘካ 8:3
ዘካ. 1:16እዝ 6:14, 15፣ ኢሳ 44:28፣ ሃጌ 1:14
ዘካ. 1:16ኤር 31:38, 39፣ ህዝ 40:2, 3፣ ዘካ 2:1, 2
ዘካ. 1:17ኢሳ 51:3
ዘካ. 1:17መዝ 132:13፣ ዘካ 2:12፣ 3:2
ዘካ. 1:18ዘካ 1:21
ዘካ. 1:192ነገ 24:12, 14
ዘካ. 1:192ነገ 15:29፣ 17:6፣ 18:11፣ ኤር 50:17
ዘካ. 1:192ነገ 25:11፣ 2ዜና 36:17, 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 1:1-21

ዘካርያስ

1 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡+ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዘካርያስ*+ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ መጸ፦ 2 “የሆዋ ንኣቦታትኩም ኣዝዩ ተቘጥዖም።+

3 “ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “‘ናባይ ተመለሱ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”’

4 “‘ከምቶም እቶም ቀዳሞት ነብያት፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ካብ እኩይ መገድታትኩምን ካብ እኩይ ግብርታትኩምን ተመለሱ’ ይብል ኣሎ” ኢሎም ዝኣወጁሎም ኣቦታትኩም ኣይትኹኑ።’+

“‘ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣየቕለቡን እውን’+ ይብል የሆዋ።

5 “‘ሕጂ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ፧ ነብያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ነይሮም እዮም፧ 6 እቲ ንገላዎይ ነብያት ዝኣዘዝክዎም ቃላተይን ትእዛዛተይን ግና ንኣቦታትኩምዶ ኣየርከቦምን እዩ፧’+ ስለዚ ናባይ ተመሊሶም፡ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም መገድታትናን ከም ግብርታትናን፡ ከምቲ ዝወሰኖ ገይሩና’ በሉ።”+

7 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡+ ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ መበል 11 ወርሒ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ሸባጥ፡* ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ዘካርያስ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ መጸ፦ 8 “ብለይቲ ራእይ ረኣኹ። እንሆ፡ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣእዋም ኣደስ ኣብ ስንጭሮ ደው በለ፣ ድሕሪኡ እውን፡ ብሩህ ሓመርን ደባን ሓመርን ኣምበላይን ዝሕብሮም ኣፍራስ ነበሩ።”

9 ኣነ ድማ፡ “ጐይታይ፡ እዚኣቶም መን እዮም፧” በልኩ።

እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ “እዚኣቶም መን ከም ዝዀኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ።

10 ሽዑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣእዋም ኣደስ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “እዚኣቶምሲ እቶም የሆዋ ኣብ ምድሪ ኺመላለሱ ዝሰደዶም እዮም” በለ። 11 ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኣእዋም ኣደስ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ የሆዋ፡ “ኣብ ምድሪ ተመላሊስና፣ እንሆ ኸኣ፡ ብዘላ ምድሪ ኸይተረበሸት ሃዲኣ ኣላ” በልዎ።+

12 ስለዚ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ፡ “ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ነዘን በተን 70 ዓመት እተቘጣዕካየን+ የሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ዘይትምሕረን፧”+ በለ።

13 የሆዋ ኸኣ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ብጽቡቕን ብዜጸናንዕን ቃላት መለሰሉ። 14 ሽዑ፡ እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከምዚ በለኒ፦ “ከምዚ ኢልካ ኣውጅ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ምእንቲ የሩሳሌምን ምእንቲ ጽዮንን ዓብዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ።+ 15 ነቶም ቀሲኖም ዘለዉ ኣህዛብ ብዓብዪ ቝጥዓ ተቘጢዐዮም ኣለኹ፣+ ከመይሲ፡ ቍሩብ ተቘጢዐ ነይረ፡+ ንሳቶም ግና ነቲ መዓት ወሲኾምሉ።”’+

16 “ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ብምሕረት ናብ የሩሳሌም ክምለስ እየ፣+ ቤተይ ከኣ ኣብኣ ኽትህነጽ እያ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ገመድ መለክዒ ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ኪዝርጋሕ እዩ።”’+

17 “መሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ኣውጅ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ከተማታተይ ከም ብሓድሽ ብሰናይ ኪመልኣ እየን፣ የሆዋ ድማ ንጽዮን ከም ብሓድሽ ኬጸናንዓ፡+ ንየሩሳሌም እውን ከም ብሓድሽ ኪሓርያ እዩ።”’”+

18 ሽዑ፡ ኣዒንተይ ኣልዒለ ኣርባዕተ ቐርኒ ረኣኹ።+ 19 ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ “እዚኣቶም እንታይ እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “እዚኣቶምሲ እቶም ንይሁዳን+ ንእስራኤልን+ ንየሩሳሌምን+ ዝበተንዎም ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ።

20 የሆዋ ኸኣ ኣርባዕተ ኢደ ጥበበኛታት ኣርኣየኒ። 21 ኣነ ድማ “እዚኣቶም እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚመጹ ዘለዉ፧” ኢለ ሓተትኩ።

ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶምሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኽሳዕ ዘየልዕል ንይሁዳ ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም። እቲኣቶም ድማ ኬሸብርዎም፡ ነቶም ኪብትንዋ ኢሎም ኣቕርንቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ይሁዳ ዘልዓሉ ኣህዛብ እውን ኣቕርንቶም ኬውድቑ ኺመጹ እዮም” በለ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ