ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ቤተ መቕደስ ከም ዘይሃንጽ ተነግሮ (1-6)

      • ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን መንግስቲ (7-15)

      • ዳዊት ዝጸለዮ ጸሎት ምስጋና (16-27)

1 ዜና መዋእል 17:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 1:8፣ 1ዜና 29:29
  • +1ዜና 14:1
  • +2ሳሙ 7:1-3፣ 1ዜና 15:1፣ 2ዜና 1:4

1 ዜና መዋእል 17:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:4-7፣ 1ነገ 8:17-19፣ 1ዜና 22:7, 8

1 ዜና መዋእል 17:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ካብቲ ሓደ ድንኳን ዚትከለሉ ቦታ ናብ ካልእ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 40:2፣ ዘሁ 4:24, 25፣ 2ሳሙ 6:17፣ መዝ 78:60

1 ዜና መዋእል 17:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:11, 12፣ 17:15፣ 25:30፣ 2ሳሙ 7:8-11፣ መዝ 78:70, 71

1 ዜና መዋእል 17:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:14፣ 2ሳሙ 8:6
  • +1ሳሙ 25:29፣ 26:10፣ መዝ 89:20, 22
  • +1ሳሙ 18:30

1 ዜና መዋእል 17:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣይኬብልይዎምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 2:23

1 ዜና መዋእል 17:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:16
  • +መዝ 18:40

1 ዜና መዋእል 17:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:20፣ መዝ 132:11
  • +2ሳሙ 7:12-17፣ 1ነገ 9:5፣ 1ዜና 28:5፣ ኤር 23:5

1 ዜና መዋእል 17:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:5፣ 1ዜና 22:10
  • +መዝ 89:3, 4፣ ኢሳ 9:7፣ ዳን 2:44

1 ዜና መዋእል 17:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:14፣ ሉቃ 9:35፣ እብ 1:5
  • +1ሳሙ 15:24, 28፣ 1ዜና 10:13, 14
  • +ኢሳ 55:3

1 ዜና መዋእል 17:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 2:44፣ ዮሃ 1:49፣ 2ጴጥ 1:11
  • +መዝ 89:36፣ ኤር 33:20, 21፣ ሉቃ 1:32, 33፣ እብ 1:8፣ ራእ 3:21

1 ዜና መዋእል 17:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:8, 18-20

1 ዜና መዋእል 17:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ልዑል ቦታ ኸም ዘለዎ ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 22:42፣ ግብ 13:34፣ ራእ 22:16

1 ዜና መዋእል 17:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 139:1

1 ዜና መዋእል 17:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፍቓድካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:21-24

1 ዜና መዋእል 17:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:11
  • +ኢሳ 43:10

1 ዜና መዋእል 17:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:5፣ መዝ 77:15
  • +ዘዳ 4:34፣ ነህ 9:10፣ ኢሳ 63:12፣ ህዝ 20:9
  • +ዘዳ 4:7፣ መዝ 147:20
  • +ዘዳ 7:1፣ እያ 10:42፣ 21:44

1 ዜና መዋእል 17:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 12:22
  • +ዘፍ 17:7፣ ዘዳ 7:6, 9

1 ዜና መዋእል 17:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:25-29

1 ዜና መዋእል 17:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እሙን ይኹንን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 6:33፣ መዝ 72:19፣ ማቴ 6:9፣ ዮሃ 12:28
  • +መዝ 89:35, 36

1 ዜና መዋእል 17:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”

ሓፈሻዊ

1 ዜና 17:11ነገ 1:8፣ 1ዜና 29:29
1 ዜና 17:11ዜና 14:1
1 ዜና 17:12ሳሙ 7:1-3፣ 1ዜና 15:1፣ 2ዜና 1:4
1 ዜና 17:42ሳሙ 7:4-7፣ 1ነገ 8:17-19፣ 1ዜና 22:7, 8
1 ዜና 17:5ዘጸ 40:2፣ ዘሁ 4:24, 25፣ 2ሳሙ 6:17፣ መዝ 78:60
1 ዜና 17:71ሳሙ 16:11, 12፣ 17:15፣ 25:30፣ 2ሳሙ 7:8-11፣ መዝ 78:70, 71
1 ዜና 17:81ሳሙ 18:14፣ 2ሳሙ 8:6
1 ዜና 17:81ሳሙ 25:29፣ 26:10፣ መዝ 89:20, 22
1 ዜና 17:81ሳሙ 18:30
1 ዜና 17:9ዘጸ 2:23
1 ዜና 17:10መሳ 2:16
1 ዜና 17:10መዝ 18:40
1 ዜና 17:111ነገ 8:20፣ መዝ 132:11
1 ዜና 17:112ሳሙ 7:12-17፣ 1ነገ 9:5፣ 1ዜና 28:5፣ ኤር 23:5
1 ዜና 17:121ነገ 5:5፣ 1ዜና 22:10
1 ዜና 17:12መዝ 89:3, 4፣ ኢሳ 9:7፣ ዳን 2:44
1 ዜና 17:132ሳሙ 7:14፣ ሉቃ 9:35፣ እብ 1:5
1 ዜና 17:131ሳሙ 15:24, 28፣ 1ዜና 10:13, 14
1 ዜና 17:13ኢሳ 55:3
1 ዜና 17:14ዳን 2:44፣ ዮሃ 1:49፣ 2ጴጥ 1:11
1 ዜና 17:14መዝ 89:36፣ ኤር 33:20, 21፣ ሉቃ 1:32, 33፣ እብ 1:8፣ ራእ 3:21
1 ዜና 17:162ሳሙ 7:8, 18-20
1 ዜና 17:17ማቴ 22:42፣ ግብ 13:34፣ ራእ 22:16
1 ዜና 17:18መዝ 139:1
1 ዜና 17:192ሳሙ 7:21-24
1 ዜና 17:20ዘጸ 15:11
1 ዜና 17:20ኢሳ 43:10
1 ዜና 17:21ዘጸ 19:5፣ መዝ 77:15
1 ዜና 17:21ዘዳ 4:34፣ ነህ 9:10፣ ኢሳ 63:12፣ ህዝ 20:9
1 ዜና 17:21ዘዳ 4:7፣ መዝ 147:20
1 ዜና 17:21ዘዳ 7:1፣ እያ 10:42፣ 21:44
1 ዜና 17:221ሳሙ 12:22
1 ዜና 17:22ዘፍ 17:7፣ ዘዳ 7:6, 9
1 ዜና 17:232ሳሙ 7:25-29
1 ዜና 17:242ዜና 6:33፣ መዝ 72:19፣ ማቴ 6:9፣ ዮሃ 12:28
1 ዜና 17:24መዝ 89:35, 36
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 17:1-27

1 ዜና መዋእል

17 ዳዊት ኣብ ቤቱ* ምስ ተቐመጠ፡ ንነብዪ ናታን፡+ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ቄድሮስ እነብር ኣለኹ፡+ ታቦት ኪዳን የሆዋ ግና ኣብ ማእከል ዓለባታት ድንኳን ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+ 2 ናታን ድማ ንዳዊት፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር” በሎ።

3 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጸ፦ 4 “ኪድ እሞ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሃንጸለይን ኢኻ።+ 5 ካብታ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳን፡* ካብ ሓደ ማሕደር እውን ናብ ካልእ ደኣ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ እነብር ኣይነበርኩን።+ 6 ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ኵሎም እስራኤል እተመላለስኩሉ እዋን፡ ንህዝበይ እስራኤል ኪጓሲ ንዝሸምክዎ ዝዀነ ኻብ ፈራዶ እስራኤል፡ ‘ስለምንታይ ቤት ቄድሮስ ዘይሃነጽኩምለይ፧’ ኢለዶ ሓንቲ ቓል ተዛሪበ እየ፧”’

7 “ሕጂ ድማ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፡ ካብ መጓሰዪታት፡ ንመጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲደካ እየ።+ 8 ኣብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ንዅሎም ጸላእትኻ እውን ካብ ቅድሜኻ ኸጥፍኦም እየ።+ ንዓኻ ድማ ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት፡ ስም ክገብረልካ እየ።+ 9 ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኽምድበሉን ከስፍሮን እየ፣ ኣብኣ ኸኣ ኪነብሩ፡ ደጊም እውን ኣይኪርበሹን እዮም። እኩያት ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ገይሮም መሊሶም ኣይኪጭቍንዎምን* እዮም፣+ 10 እወ፡ ደጊም ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈራዶ ዝሸምኩላ መዓልቲ ኣትሒዞም+ ዝገበርዎም ኣይኪገብርዎምን እዮም። ንዅሎም ጸላእትኻ ኸኣ ከምበርክኾም እየ።+ ብዘይካዚ፡ ‘የሆዋ ንዓኻ ቤት* ኪሃንጸልካ እዩ’ ኢለ እነግረካ ኣለኹ።

11 “‘“መዓልትታትካ ምስ ተወድኣን ናብ ኣቦታትካ ምስ ከድካን፡ ብድሕሬኻ ሓደ ኻብ ደቅኻ ዝዀነ ዘርእኻ ኸተንስእ እየ፣+ ነቲ ንግስናኡ እውን ከጽንዖ እየ።+ 12 ንሱ ንዓይ ቤት ኪሃንጽ እዩ፣+ ኣነ ድማ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።+ 13 ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፣ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ።+ ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ፡ ከምቲ ነቲ ኻብቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ዘርሓቕኩሉ ገይረ፡+ ካብኡ ኣይከርሕቕን እየ።+ 14 ኣብ ቤተይን ኣብ ንግስናይን ድማ ንዘለኣለም ከቝሞ እየ፣+ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”’”+

15 ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዝን ብምሉኡ እዚ ራእይ እዝን ነገሮ።

16 ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣትዩ ተቐመጠ እሞ፡ ከምዚ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣነ መን እየ፧ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ቤተይ እንታይ እያ፧+ 17 ኦ ኣምላኽ፡ እዚ ኸይኣክልሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ግዜ ኣብ ቤት ጊልያኻ ዚኸውን እውን ተዛሪብካ ኢኻ፣+ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዝያዳ ልዕል ኪብል ከም ዘለዎ ሰብ* ጌርካ ኸኣ ርኢኻኒ ኢኻ። 18 ንስኻ ንጊልያኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኻብ ኰንካስ፡ ጊልያኻ ዳዊት እሞ ብዛዕባ እቲ እተዋህበኒ ኽብሪ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኪብል ይኽእል፧+ 19 ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ጊልያኻ ኢልካን ምስ ልብኻ* ብምስምማዕን፡ ኵሉ እዚ ዓብዪ ነገራት እዚ ጌርካን ዕቤትካ ገሊጽካን ኢኻ።+ 20 ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ የልቦን፣+ ብዘይካኻ እውን ኣምላኽ የልቦን።+ ኵሉ እቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ፡ ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። 21 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ግብርታት ብምግባር ከኣ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብ ሰጐጕካዮም።+ 22 ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ንሓዋሩ ህዝብኻ ኪኸውን ገበርካዮ፣+ ንስኻ እውን ኦ የሆዋ፡ ኣምላኾም ኰንካ።+ 23 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡ እቲ ብዛዕባ ጊልያኻን ብዛዕባ ቤቱን ዘተስፎኻዮ ነገር ንሓዋሩ እሙን ይኹን፣ ንስኻ እውን ከምቲ ዘተስፎኻዮ ግበር።+ 24 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንእስራኤል ኣምላኹ እዩ’ ምእንቲ ኺብሉ፡ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን* ልዕል ይበልን፣+ ቤት ጊልያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትጽናዕ።+ 25 ኦ ኣምላኸይ፡ ንስኻስ ንጊልያኻ፡ ቤት* ከም እትሃንጸሉ ዕላማኻ ገሊጽካሉ ኢኻ። ስለዚ እዩ ጊልያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ እተኣማመነ። 26 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ እውን ብዛዕባ ጊልያኻ ኣተስፊኻ ኢኻ። 27 እምበኣር፡ ንስኻ ንቤት ጊልያኻ ንምብራኽ ፍታውካ ይኹን፡ ንሳ እውን ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ትኹን፣ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ባሪኽካ ኢኻ እሞ፡ ንዘለኣለም ተባሪኻ እያ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ