መዝሙር
ናይ ዳዊት።
138 ብምሉእ ልበይ ክውድሰካ እየ።+
ኣብ ገጽ ኣማልኽቲ፡
ውዳሰ ኽዝምር እየ።*
2 ንቓልካን ንስምካን ኣብ ልዕሊ ዅሉ* ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡
ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ተኣማንነትካን፡
ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡+
ንስምካ ኸኣ ክውድሶ እየ።+
4 ኦ የሆዋ፡ ዘተስፎኻዮ ተስፋታት ኪሰምዑ እዮም እሞ፡
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኺውድሱኻ እዮም።+
5 ክብሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡+
ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኺዝምሩ እዮም።
7 ብማእከል ሓደጋ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ብህይወት ከተንብረኒ ኢኻ።+
ኣንጻር ቍጥዓ ጸላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፣
የማነይቲ ኢድካ ኸተድሕነኒ እያ።
8 የሆዋ፡ ኵሉ ነገር ኪፍጽመለይ እዩ።