መሃልየ መሃልይ
ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+
ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።
3 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ።+
‘ነቲ ዘፍቅሮ* ርኢኹምዎዶ፧’
4 ቍሩብ ምስ ሓለፍክዎም፡
ነቲ ዘፍቅሮ* ረኸብክዎ።
5 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡
ብሰስሓን ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦
ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+
7 “እንሆ፡ ናይ ሰሎሞን ዓራት እዩ።
ካብ ጀጋኑ እስራኤል፡+
ስሳ ጀጋኑ ኸቢቦምዎ ኣለዉ።
8 ኵላቶም ሰይፊ እተዓጥቁ፡
ኵላቶም ንውግእ ዝሰልጠኑ፡
ካብ ሽበራ ለይቲ ንምሕላው ከኣ፡
ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ጐድኑ እተዓጥቀ እዩ።”
10 ኣዕኑዱ ኻብ ብሩር፡
መደገፊኡ ኻብ ወርቂ እተገብረ እዩ።
መንበሩ ኻብ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ፣
ውሽጡ ድማ ኣዋልድ የሩሳሌም
ብፍቕሪ ዝሰለማኦ እዩ።”