ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ተስፋ ምምላስ (1-13)

      • ኣብ ትሕቲ እቲ “ጻድቕ ብቋል” ዚርከብ ደሓን (14-16)

      • ምስ ዳዊትን ካህናትን እተኣትወ ኺዳን (17-26)

        • ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳን (20)

ኤርምያስ 33:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 3:25፣ ኤር 32:2፣ 37:21፣ 38:28

ኤርምያስ 33:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 114-115

ኤርምያስ 33:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:52፣ ኤር 32:24

ኤርምያስ 33:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:26፣ ኤር 30:17
  • +ኢሳ 54:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/1996፡ ገጽ 8-9፡ 18

ኤርምያስ 33:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:3፣ ኤር 30:3
  • +ኤር 24:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/1996፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 33:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:2፣ ዘካ 13:1
  • +መዝ 85:2፣ ኢሳ 43:25፣ ኤር 31:34፣ ሚክ 7:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 152-153

ኤርምያስ 33:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 62:3, 7
  • +ነህ 6:15, 16
  • +ሚክ 7:17

ኤርምያስ 33:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰናይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:12
  • +ዘካ 9:17
  • +2ዜና 5:13፣ እዝ 3:11፣ መዝ 106:1፣ ኢሳ 12:4፣ ሚክ 7:18
  • +ዘሌ 7:12፣ መዝ 107:22

ኤርምያስ 33:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 65:10፣ ኤር 32:43

ኤርምያስ 33:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 17:26
  • +ኤር 32:44

ኤርምያስ 33:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 29:10

ኤርምያስ 33:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወራሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 53:2፣ ዘካ 6:12፣ ራእ 22:16
  • +ኢሳ 11:1, 4፣ ኤር 23:5፣ እብ 1:9

ኤርምያስ 33:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 45:17
  • +ህዝ 28:26
  • +ኤር 23:6

ኤርምያስ 33:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:16, 17፣ 1ነገ 2:4፣ መዝ 89:20, 29፣ ኢሳ 9:7፣ ሉቃ 1:32, 33

ኤርምያስ 33:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 1:16፣ ኢሳ 54:10፣ ኤር 31:35-37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2019፡ ገጽ 26

ኤርምያስ 33:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 9:6፣ ሉቃ 1:32, 33
  • +2ሳሙ 7:16, 17፣ 23:5፣ መዝ 89:34, 35፣ 132:11፣ ኢሳ 55:3
  • +ዘዳ 21:5

ኤርምያስ 33:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 11

ኤርምያስ 33:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 1:16
  • +መዝ 104:19፣ ኤር 31:35, 36

ኤርምያስ 33:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 2:1, 70
  • +ኢሳ 14:1፣ ኤር 31:20

ሓፈሻዊ

ኤር. 33:1ነህ 3:25፣ ኤር 32:2፣ 37:21፣ 38:28
ኤር. 33:3ኢሳ 48:6
ኤር. 33:4ዘዳ 28:52፣ ኤር 32:24
ኤር. 33:6ኢሳ 30:26፣ ኤር 30:17
ኤር. 33:6ኢሳ 54:13
ኤር. 33:7ዘዳ 30:3፣ ኤር 30:3
ኤር. 33:7ኤር 24:6
ኤር. 33:8ኢሳ 40:2፣ ዘካ 13:1
ኤር. 33:8መዝ 85:2፣ ኢሳ 43:25፣ ኤር 31:34፣ ሚክ 7:18
ኤር. 33:9ኢሳ 62:3, 7
ኤር. 33:9ነህ 6:15, 16
ኤር. 33:9ሚክ 7:17
ኤር. 33:11ኤር 31:12
ኤር. 33:11ዘካ 9:17
ኤር. 33:112ዜና 5:13፣ እዝ 3:11፣ መዝ 106:1፣ ኢሳ 12:4፣ ሚክ 7:18
ኤር. 33:11ዘሌ 7:12፣ መዝ 107:22
ኤር. 33:12ኢሳ 65:10፣ ኤር 32:43
ኤር. 33:13ኤር 17:26
ኤር. 33:13ኤር 32:44
ኤር. 33:14ኤር 29:10
ኤር. 33:15ኢሳ 53:2፣ ዘካ 6:12፣ ራእ 22:16
ኤር. 33:15ኢሳ 11:1, 4፣ ኤር 23:5፣ እብ 1:9
ኤር. 33:16ኢሳ 45:17
ኤር. 33:16ህዝ 28:26
ኤር. 33:16ኤር 23:6
ኤር. 33:172ሳሙ 7:16, 17፣ 1ነገ 2:4፣ መዝ 89:20, 29፣ ኢሳ 9:7፣ ሉቃ 1:32, 33
ኤር. 33:20ዘፍ 1:16፣ ኢሳ 54:10፣ ኤር 31:35-37
ኤር. 33:21ኢሳ 9:6፣ ሉቃ 1:32, 33
ኤር. 33:212ሳሙ 7:16, 17፣ 23:5፣ መዝ 89:34, 35፣ 132:11፣ ኢሳ 55:3
ኤር. 33:21ዘዳ 21:5
ኤር. 33:25ዘፍ 1:16
ኤር. 33:25መዝ 104:19፣ ኤር 31:35, 36
ኤር. 33:26እዝ 2:1, 70
ኤር. 33:26ኢሳ 14:1፣ ኤር 31:20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 33:1-26

ኤርምያስ

33 ኤርምያስ ገና ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኻልኣይ ሳዕ መጾ፦+ 2 “እቲ ንምድሪ ዝገበራ የሆዋ፡ እቲ ዝደኰናን ብጽኑዕ ዝሰረታን የሆዋ፡ እቲ የሆዋ ዝስሙ ኸምዚ ይብል፦ 3 ‘ጸውዓኒ እሞ ኽምልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ምርዳኡ ዘይከኣልን ነገር ድማ ብቐሊሉ ኽነግረካ እየ።’”+

4 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ብዛዕባ እቲ ብሰሪ ዕርዲ ኸበባን ብሰሪ ሰይፍን ዚፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡+ 5 ብዛዕባ እቶም ምስ ከለዳውያን ኪዋግኡ ዚመጹን ነዚ ቦታታት እዚ ብሬሳታት እቶም ብቝጥዓይን ብነድረይን ዝቐተልክዎም ዚመልእዎን ብሰሪ እከዮም ገጸይ ካብዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ዝሓብእ ዝገበሩንን ከምዚ ይብል፦ 6 ‘እንሆ፡ ክፍውሳን ከጥዕያን እየ።+ ከሕውዮም፡ ብዙሕ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።+ 7 ንምሩኻት ይሁዳን ንምሩኻት እስራኤልን ከኣ ክመልስ እየ፣+ ከም ኣብ መጀመርታ ድማ ክሃንጾም እየ።+ 8 ካብ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደል ከንጽሆም፡+ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደልን ኣበሳኦምን ከኣ ይቕረ ኽብል እየ።+ 9 ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ነቲ ኣነ ዝሃብክዎም ኵሉ ጽቡቕ ዝሰምዑ ኣህዛብ ምድሪ፡ ስም ፍስሃን ውዳሰን ጽባቐን ክትኰነኒ እያ።+ ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት እቲ ዝህባ ዅሉ ጽቡቕን ሰላምን፡+ ኪርዕዱን ራዕራዕ ኪብሉን እዮም።’”+

10 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብዛ ሰብን ማልን ዘይብላ ባድም እትብላ ቦታ እዚኣ፡ ኣብተን ሰብን ነባርን ማልን ዘይብለን እትብለን ዝባደማ ኸተማታት ይሁዳን ጐደናታት የሩሳሌምን፡ ከም ብሓድሽ ደሃይ ኪስማዕ እዩ፣ 11 እወ፡ ደሃይ ፍስሃን ደሃይ ታሕጓስን፡+ ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን፡ ድምጺ እቶም፡ “የሆዋ ሕያዋይ* እዩ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ!” ዚብሉን ኪስማዕ እዩ።’

“‘ንምሩኻት እዛ ምድሪ፡ ከም ኣብ መጀመርታ ኽመልሶም እየ እሞ፡ መስዋእቲ ምስጋና ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም’+ ይብል የሆዋ።”

12 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብዛ ሰብን ማልን ዘይብላ ባድም እዚኣን ኣብ ኵለን ከተማታታን፡ ከም ብሓድሽ ጓሶት ንመጓሰታቶም ዜዕርፉሉ መጓሰዪ ኺህሉ እዩ።’+

13 “‘ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ቈላን ኣብ ከተማታት ደቡብን ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን+ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፡+ መጓሰ ብትሕቲ ኢድ እቲ ዚቘጽረን ኪሓልፋ እየን’ ይብል የሆዋ።”

14 “‘እንሆ፡ ነቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ዝኣቶኽዎ ጽቡቕ ቃል ዝፍጽመለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ።+ 15 ‘በተን መዓልትታት እቲአንን በቲ ግዜ እትን፡ ንዳዊት ጻድቕ ብቋል* ከብቍለሉ እየ፣+ ንሱ እውን ኣብታ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር እዩ።+ 16 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ይሁዳ ኺድሕን እዩ፡+ የሩሳሌም ከኣ ብደሓን ክትነብር እያ።+ ከምዚ ተባሂላ ድማ ክትጽዋዕ እያ፦ የሆዋ ጽድቅና እዩ።’”+

17 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ካብ ዳዊት ኣብ ዝፋን ቤት እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ፣+ 18 ካብ ሌዋውያን ካህናት እውን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርብን መስዋእቲ እኽሊ ኼትክኽን መስዋእቲ ሕሩድ ኬቕርብን ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ኣይኬቋርጽን እዩ።’”

19 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 20 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘መዓልትን ለይትን በብግቡእ ግዜኡ ኸይከውን ንምዕጋት፡ ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳነይ ከተፍርሱ እንተ ትኽእሉ ኔርኩም፡+ 21 ሽዑ፡ ኣብ ዝፋን ኰይኑ ዚነግስ ውሉድ ከይህልዎስ+ እቲ ምስ ጊልያይ ዳዊት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ምፈረሰ፣+ እቲ ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ እውን ከምኡ ምፈረሰ።+ 22 ከምቲ ሰራዊት ሰማያት ዘይቍጸር፡ ሑጻ ባሕሪ ኸኣ ዘይስፈር፡ ከምኡ ድማ ንዘርኢ ጊልያይ ዳዊትን ንዜገልግሉኒ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።’”

23 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 24 “እዞም ህዝቢ እዚኦምሲ፡ ‘የሆዋ ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ዓሌት ኪድርብዮም እዩ’ ይብሉ ኸም ዘለዉዶ ኣስተብሂልካ፧ ንህዝበይ ከኣ ይንዕቕዎ ኣለዉ፣ ከም ህዝቢ ገይሮም እውን ኣይርእይዎን ኣለዉ።

25 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳነይ፡+ ሕግታት ሰማይን ምድርን፡ ብርግጽ ዘቘምኩ፡+ 26 ከምኡ ድማ ካብ ዘርኡ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኸይወስድ ኢለ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ንጊልያይ ዳዊትን ከቶ ኣይክድርብዮን እየ። ንምሩኻቶምሲ ኽመልሶምን+ ክድንግጸሎምን እየ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ