ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሃልየ መሃልይ 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሃልየ መሃልይ—ትሕዝቶ

    • እታ ሹላማዊት ኣብ የሩሳሌም (3:6–8:4)

መሃልየ መሃልይ 5:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 4:16
  • +መሃ 4:13, 14
  • +መሃ 4:11
  • +መሃ 1:2

መሃልየ መሃልይ 5:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 3:1
  • +ሉቃ 2:8

መሃልየ መሃልይ 5:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ነቐለ፡ ነፍሰይ ወጸት።” ወይ፡ “ምስ ተዛረበ፡ ነፍሰይ ሓደገትኒ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 3:1, 3

መሃልየ መሃልይ 5:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከም ዘለላታት ተምሪ” ኪኸውን ይኽእል።

መሃልየ መሃልይ 5:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጥርዝታት ዓይኒ ማይ” ኪኸውን ይኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2015፡ ገጽ 30

    15/11/2006፡ ገጽ 19

መሃልየ መሃልይ 5:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 6:2
  • +መሃ 1:13

መሃልየ መሃልይ 5:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 19

መሃልየ መሃልይ 5:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 92:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 19

መሃልየ መሃልይ 5:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ትንሓጉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 2:3

ሓፈሻዊ

መሃ. 5:1መሃ 4:16
መሃ. 5:1መሃ 4:13, 14
መሃ. 5:1መሃ 4:11
መሃ. 5:1መሃ 1:2
መሃ. 5:2መሃ 3:1
መሃ. 5:2ሉቃ 2:8
መሃ. 5:6መሃ 3:1, 3
መሃ. 5:13መሃ 6:2
መሃ. 5:13መሃ 1:13
መሃ. 5:15መዝ 92:12
መሃ. 5:16መሃ 2:3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሃልየ መሃልይ 5:1-16

መሃልየ መሃልይ

5 “ሓብተየ፡ መርዓተየ፡

ናብ ስፍራ ኣታኽልተይ ኣትየ።+

ከርበይን ሽቶይን ኣርየ።+

ጎጎ መዓረይን መዓረይን በሊዐ፣

ወይነይን ጸባይን ሰትየ።”+

“ኣቱም ኣዕሩኽ፡ ብልዑ!

ስተዩ እሞ፡ ብመግለጺ ፍትወት ስኸሩ!”+

 2 “ኣነስ ደቂሰ፡ ልበይ ግና ነቒሑ ኣሎ።+

እናተዃሕኵሐ ድምጺ ፍቱወይ ሰሚዐ!

‘ሓብተየ፡ ፍቕርተየ፡

ርግበየ፡ ፍጽምተየ፡ ክፈትለይ!

ርእሰይሲ ብኣውሊ፡

ዘው ዝበለ ጸጕረይ ብጠሊ ለይቲ ጠልቅዩ።’+

 3 ወለል ዚብል ክዳነይ ኣውጺአ እየ።

ክኽደኖዶ፧

ኣእጋረይ ተሓጺበ እየ።

ከርስሖዶ፧

 4 ፍቱወይ ኢዱ ኻብ ነዃል ማዕጾ መለሰ፣

ንዕኡ ዘሎኒ ስምዒት ከኣ ተለዓዓለ።

 5 ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ፣

ኣእዳወይ ከርበ፡

ኣጻብዐይ ድማ ፈሳሲ ኸርበ

ኣብቲ መትሓዝ መሸጐሪ ኣንጠብጠበ።

 6 ንፍቱወይ ከፈትኩሉ፣

ፍቱወይ ግና ረሓቐ፡ ከደ።

ምስ ነቐለ፡ ተስፋ ቐበጽኩ።*

ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+

ጸዋዕክዎ፡ ግናኸ ኣይመለሰለይን።

 7 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ።

ወቕዑኒ፡ ኣቝሰሉኒ።

ሓለውቲ መካበብያ ንመጐልበብየይ ወሰድዎ።

 8 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦

ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፡

ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ ንገራኦ።”

 9 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡

ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧

ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡

ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧”

10 “ፍቱወይሲ ዜንጸባርቕን ቀይሕን እዩ፣

ኣብ መንጎ ዓሰርተ ሽሕ ምርኡይ እዩ።

11 ርእሱ ወርቂ፡ ጽሩይ ወርቂ እዩ።

ዘው ዝበለ ጸጕሩ፡ ሰሰው ከም ዚብል ጨናፍር ስየ፡*

ከም ኳዅ ጸሊም እዩ።

12 ኣዒንቱ ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ፡

ኣብ ጥቓ ኽሳዕ ኣፉ ዝመልአ ሓጽቢ* ኸም ዘለዋ

ብጸባ ዚሕጸባ ረገቢት እየን።

13 መዓጕርቱ ኸም መደብ ሽቱ፡+

ከም ኵምራታት ምዑዝ ኣትክልቲ እዩ።

ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕምባባታት ሹሻን እየን።+

14 ኣእዳዉ ክሪሶሊት ዘለዎ ሲሊንደራት ወርቂ እየን።

ከብዱ ብሰፊሮስ እተሸፈነ ዅሉዕ ስኒ ሓርማዝ እዩ።

15 ኣእጋሩ ብጽሩይ ወርቂ ኣብ እተገብረ መቘሚ ዝቘመ እምነ በረድ እየን።

ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ቄድሮሳት መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ።+

16 ኣፉ* ኣዝዩ ጥዑም እዩ፣

ኵለንትናኡ ተባሃጊ እዩ።+

ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ፍቱወይሲ እዚ እዩ፡ ፍቑረይሲ እዚ እዩ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ