መሃልየ መሃልይ
5 “ሓብተየ፡ መርዓተየ፡
ናብ ስፍራ ኣታኽልተይ ኣትየ።+
ከርበይን ሽቶይን ኣርየ።+
ጎጎ መዓረይን መዓረይን በሊዐ፣
ወይነይን ጸባይን ሰትየ።”+
“ኣቱም ኣዕሩኽ፡ ብልዑ!
ስተዩ እሞ፡ ብመግለጺ ፍትወት ስኸሩ!”+
2 “ኣነስ ደቂሰ፡ ልበይ ግና ነቒሑ ኣሎ።+
እናተዃሕኵሐ ድምጺ ፍቱወይ ሰሚዐ!
‘ሓብተየ፡ ፍቕርተየ፡
ርግበየ፡ ፍጽምተየ፡ ክፈትለይ!
ርእሰይሲ ብኣውሊ፡
ዘው ዝበለ ጸጕረይ ብጠሊ ለይቲ ጠልቅዩ።’+
3 ወለል ዚብል ክዳነይ ኣውጺአ እየ።
ክኽደኖዶ፧
ኣእጋረይ ተሓጺበ እየ።
ከርስሖዶ፧
4 ፍቱወይ ኢዱ ኻብ ነዃል ማዕጾ መለሰ፣
ንዕኡ ዘሎኒ ስምዒት ከኣ ተለዓዓለ።
5 ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ፣
ኣእዳወይ ከርበ፡
ኣጻብዐይ ድማ ፈሳሲ ኸርበ
ኣብቲ መትሓዝ መሸጐሪ ኣንጠብጠበ።
6 ንፍቱወይ ከፈትኩሉ፣
ፍቱወይ ግና ረሓቐ፡ ከደ።
ምስ ነቐለ፡ ተስፋ ቐበጽኩ።*
ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+
ጸዋዕክዎ፡ ግናኸ ኣይመለሰለይን።
7 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ።
ወቕዑኒ፡ ኣቝሰሉኒ።
ሓለውቲ መካበብያ ንመጐልበብየይ ወሰድዎ።
8 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦
ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፡
ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ ንገራኦ።”
9 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡
ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧
ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡
ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧”
10 “ፍቱወይሲ ዜንጸባርቕን ቀይሕን እዩ፣
ኣብ መንጎ ዓሰርተ ሽሕ ምርኡይ እዩ።
11 ርእሱ ወርቂ፡ ጽሩይ ወርቂ እዩ።
ዘው ዝበለ ጸጕሩ፡ ሰሰው ከም ዚብል ጨናፍር ስየ፡*
ከም ኳዅ ጸሊም እዩ።
13 መዓጕርቱ ኸም መደብ ሽቱ፡+
ከም ኵምራታት ምዑዝ ኣትክልቲ እዩ።
ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕምባባታት ሹሻን እየን።+
14 ኣእዳዉ ክሪሶሊት ዘለዎ ሲሊንደራት ወርቂ እየን።
ከብዱ ብሰፊሮስ እተሸፈነ ዅሉዕ ስኒ ሓርማዝ እዩ።
15 ኣእጋሩ ብጽሩይ ወርቂ ኣብ እተገብረ መቘሚ ዝቘመ እምነ በረድ እየን።
ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ቄድሮሳት መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ።+
ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ፍቱወይሲ እዚ እዩ፡ ፍቑረይሲ እዚ እዩ።”