ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • እቲ ህዝቢ ህቡብ መገዲ ሓረየ (1-7)

      • ንቓል የሆዋ ንዒቕካስ እንታይ ጥበብ ኣሎ፧ (8-17)

      • ኤርምያስ ብውድቀት ይሁዳ ሓዘነ (18-22)

        • “በለሳንዶ ኣብ ጊልዓድ የልቦን እዩ፧” (22)

ኤርምያስ 8:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:19፣ 2ነገ 17:16፣ 21:1, 3፣ ኤር 19:13፣ ህዝ 8:16፣ ጸፎ 1:4, 5
  • +ኤር 16:4

ኤርምያስ 8:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:3

ኤርምያስ 8:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:1

ኤርምያስ 8:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገርኑቕን” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ግዜ ፍልሰተን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2023፡ ገጽ 16-17

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 6 2016፡ ገጽ 8-9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2002፡ ገጽ 32

ኤርምያስ 8:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትምህርቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:1

ኤርምያስ 8:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:14

ኤርምያስ 8:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 56:11፣ ህዝ 33:31፣ ሚክ 3:11
  • +ኤር 5:31፣ 6:12-15፣ 27:9፣ ድጕ 2:14፣ ህዝ 22:28
  • +ዘዳ 28:30፣ ጸፎ 1:13

ኤርምያስ 8:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ላዕለ ላዕሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:16, 17፣ ህዝ 13:10

ኤርምያስ 8:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:3
  • +ኤር 23:12

ኤርምያስ 8:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:5
  • +ኤር 9:15፣ 23:15፣ ድጕ 3:19

ኤርምያስ 8:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:10፣ 14:19

ኤርምያስ 8:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:19, 20፣ 14:17

ኤርምያስ 8:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዚልከ ፈውሲዶ።”

  • *

    ወይ፡ “ሓኪምዶኸ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:25
  • +ኤር 30:12, 13
  • +ኤር 30:17፣ 33:4, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2010፡ ገጽ 21-22

    ኤርምያስ፡ ገጽ 134-135

ሓፈሻዊ

ኤር. 8:2ዘዳ 4:19፣ 2ነገ 17:16፣ 21:1, 3፣ ኤር 19:13፣ ህዝ 8:16፣ ጸፎ 1:4, 5
ኤር. 8:2ኤር 16:4
ኤር. 8:5ኤር 5:3
ኤር. 8:6ኤር 5:1
ኤር. 8:7ኢሳ 1:3
ኤር. 8:8ኢሳ 8:1
ኤር. 8:9ኢሳ 29:14
ኤር. 8:10ኢሳ 56:11፣ ህዝ 33:31፣ ሚክ 3:11
ኤር. 8:10ኤር 5:31፣ 6:12-15፣ 27:9፣ ድጕ 2:14፣ ህዝ 22:28
ኤር. 8:10ዘዳ 28:30፣ ጸፎ 1:13
ኤር. 8:11ኤር 23:16, 17፣ ህዝ 13:10
ኤር. 8:12ኤር 3:3
ኤር. 8:12ኤር 23:12
ኤር. 8:14ኤር 4:5
ኤር. 8:14ኤር 9:15፣ 23:15፣ ድጕ 3:19
ኤር. 8:15ኤር 4:10፣ 14:19
ኤር. 8:21ኤር 4:19, 20፣ 14:17
ኤር. 8:22ዘፍ 37:25
ኤር. 8:22ኤር 30:12, 13
ኤር. 8:22ኤር 30:17፣ 33:4, 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 8:1-22

ኤርምያስ

8 “በታ ግዜ እቲኣ፡” ይብል የሆዋ፡ “ኣዕጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ኣዕጽምቲ መሳፍንታን ኣዕጽምቲ ኻህናትን ኣዕጽምቲ ነብያትን ኣዕጽምቲ ነበርቲ የሩሳሌምን ካብ መቓብራቶም ኪውሰድ እዩ። 2 ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዓብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኵሎም ሰራዊት ሰማያትን ኪሰጥሕዎ እዮም።+ ኣይኪእከብን፡ ኣይኪቕበርን እውን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ኸም ድዅዒ ኪኸውን እዩ።”+

3 “እቲ ዝተረፈ ተረፍ እዚ ኽፉእ ዓሌት እዚ ኸኣ ኣብቲ ዝበተንክዎ ቦታታት ካብ ህይወትሲ ሞት ኪሓሪ እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

4 “ከምዚ ድማ ክትብሎም ኢኻ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ወዲቖምሲ መሊሶም ኣይኪትንስኡን ድዮም፧

ሓደ እንተ ዚምለስሲ፡ እቲ ሓደኸ ኣይምተመልሰንዶ፧

 5 ስለምንታይ ደኣ እዩ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም፧

ምትላል ኣጽኒዖም ይሕዙ፣

ምምላስ እውን ይኣብዩ።+

 6 ኣቕሊበን ሰሚዐንሲ፡ ኣዘራርባኦም ቅኑዕ ኣይነበረን።

ብእከዩ እተነስሐ ወይ ‘እንታይ እየ ገይረ፧’ ኢሉ ዝሓተተ ሰብ የልቦን።+

ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ናብ ውግእ ዚሓንን ፈረስ፡ ናብ ህቡብ መገዲ ይምለስ ኣሎ።

 7 ራዛ እኳ ኣብ ሰማይ ምዱብ ግዜኡ ይፈልጥ፣

ባሬቶን ለዃዂቶን ጭሩን* ዚምለሳሉ ግዜ* ይሕልዋ።

ህዝበይ ግና ፍርዲ የሆዋ ኣይርዳእን እዩ።”’+

 8 ‘ከመይ ኢልኩም ደኣ፡ “ጥበበኛታት ኢና፡ ሕጊ* የሆዋ ድማ ኣሎና” እትብሉ፧

እኳ ደኣስ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ+ ሓሶት ንሓሶት ጥራይ እዩ ተዓይዩሉ።

 9 ጥበበኛታት ሓፊሮም እዮም።+

ተሸቢሮም እዮም፡ ኪትሓዙ እውን እዮም።

እንሆ፡ ንቓል የሆዋ ንዒቖምዎ ኣለዉ፣

እንታይ ጥበብ ደኣ ኣለዎም፧

10 ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘይግቡእ ረብሓ ይረክብ፡+

ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን፡ ነፍሲ ወከፍ ይዕምጽ ኣሎ እሞ፡+

ኣንስቶም ንኻልኦት ሰብኡት፡

ግራውቶም ንኻልኦት ዋናታት ክህብ እየ።+

11 ሰላም ዘየልቦስ፡

“ሰላም ኣሎ! ሰላም ኣሎ!” እናበሉ+

ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብቐሊሉ* ኼሕውዩ ይፍትኑ።

12 በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገር ይሓፍሩ ድዮም፧

ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም!

ውርደት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም!+

ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝወደቑ፡ ኪወድቁ እዮም።

ምስ ቀጻዕክዎም፡ ኪዕንቀፉ እዮም’+ ይብል የሆዋ።

13 ‘ምስ ኣከብክዎም፡ ክውድኦም እየ’ ይብል የሆዋ።

‘ኣብ ተኽሊ ወይኒ ፍረ ወይኒ፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ ኣይኪተርፍን፣ ኣቝጽልቲ እውን ኪነቅጽ እዩ።

ነቲ ዝሃብክዎም ድማ ኪስእንዎ እዮም።’”

14 “ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ተቐሚጥና ዘለና፧

ንተኣከብ እሞ ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ንእቶ፡+ ኣብአን ድማ ንጥፋእ።

ንየሆዋ ስለ ዝበደልናዮስ፡

የሆዋ ኣምላኽና ኼጥፍኣና እዩ፣

ክንሰትዮ ኸኣ እተመረዘ ማይ እዩ ዚህበና።+

15 ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን።

ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+

16 ካብ ዳን ኵሪፍታ ኣፍራሱ ይስማዕ።

ብደሃይ ምሕምሓም ጅንጕላታቱ፡

ብዘላ እታ ምድሪ ተንቀጥቅጥ።

መጺኦም ነታ ምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን፡

ነታ ኸተማን ንነበርታን ይውሕጡ።”

17 “እንሆ፡ ኣብ መንጎኹም ኣትማን፡

ዘይዕዘሙ መርዛማት ኣትማን እሰድድ ኣለኹ፣

ንሳቶም ድማ ብርግጽ ኪነኽስኹም እዮም” ይብል የሆዋ።

18 ጓህየይ ዘይሓዊ እዩ፣

ልበይ ሓሚሙ እዩ።

19 “የሆዋዶ ኣብ ጽዮን የሎን እዩ፧

ንጉሳዶኸ ኣብኣ የሎን እዩ፧”

ዚብል ኣውያት ካብ ርሑቕ ሃገር፡

ካብ ጓል ህዝበይ ይስማዕ ኣሎ።

“ስለምንታይ ብቕሩጽ ምስልታቶም፡

በቶም ከንቱ ጓኖት ኣማልኽቶም ኣዀርዮምኒ፧”

20 “ቀውዒ ሓሊፉ፡ ሓጋይ ከኣ ተወዲኡ፣

ንሕና ግና ኣይደሓንናን!”

21 ብመስበርቲ ጓል ህዝበይ ተሰይረ ኣለኹ፣+

ጕህየ ኣለኹ።

ራዕዲ ሒዙኒ ኣሎ።

22 በለሳንዶ* ኣብ ጊልዓድ የልቦን እዩ፧+

ፈዋሲዶኸ* ኣብኡ የልቦን እዩ፧+

ስለምንታይ ደኣ ጓል ህዝበይ ዘይጠዓየት፧+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ