ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-22)

        • መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ! (6)

        • ሜዶናውያን ንባቢሎን ኪግልብጥዋ እዮም (17)

        • ሰብ ኣብ ባቢሎን ከቶ ኣይኪነብርን እዩ (20)

ኢሳይያስ 13:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:1
  • +ኤር 25:12፣ 50:1-3፣ ራእ 18:2

ኢሳይያስ 13:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:12, 27, 28

ኢሳይያስ 13:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንቕዱሳተይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 45:1

ኢሳይያስ 13:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 5:28
  • +ኤር 50:15

ኢሳይያስ 13:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:11
  • +ኤር 50:9፣ 51:28

ኢሳይያስ 13:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:18፣ ኤር 50:13

ኢሳይያስ 13:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:43

ኢሳይያስ 13:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 5:6

ኢሳይያስ 13:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:23, 29

ኢሳይያስ 13:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናታቶም ከሲላት።” ምናልባት ንኦርዮንን ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ጭፍራ ኸዋኽብትን የመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 9:9፣ 38:31፣ ኣሞ 5:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 109-110

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 13-14

ኢሳይያስ 13:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 137:8፣ ኤር 51:37፣ ራእ 18:2
  • +ኤር 50:29፣ ዳን 5:22, 23

ኢሳይያስ 13:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:30፣ 51:3, 4
  • +1ነገ 10:11

ኢሳይያስ 13:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:29

ኢሳይያስ 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:16

ኢሳይያስ 13:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:3, 4

ኢሳይያስ 13:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 137:8, 9

ኢሳይያስ 13:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 21:2፣ ኤር 50:9፣ 51:11፣ ዳን 5:30, 31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 10

ኢሳይያስ 13:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:14

ኢሳይያስ 13:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጌጽ መንግስትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 47:5፣ ዳን 4:30
  • +ኢሳ 47:1
  • +ዘፍ 19:24, 25፣ ኤር 50:40

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 3

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 27-28

ኢሳይያስ 13:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:3, 13፣ 51:29, 37፣ ራእ 18:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/1998፡ ገጽ 19-20

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 29

ኢሳይያስ 13:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንቲ ኸኣ ኣብኡ ኺሰራሰሩ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 18:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 261

ኢሳይያስ 13:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጋውሕታታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:33

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 13:1ኢሳ 1:1
ኢሳ. 13:1ኤር 25:12፣ 50:1-3፣ ራእ 18:2
ኢሳ. 13:2ኤር 51:12, 27, 28
ኢሳ. 13:3ኢሳ 45:1
ኢሳ. 13:4ዳን 5:28
ኢሳ. 13:4ኤር 50:15
ኢሳ. 13:5ኤር 51:11
ኢሳ. 13:5ኤር 50:9፣ 51:28
ኢሳ. 13:6ኢሳ 13:18፣ ኤር 50:13
ኢሳ. 13:7ኤር 50:43
ኢሳ. 13:8ዳን 5:6
ኢሳ. 13:9ኤር 50:23, 29
ኢሳ. 13:10እዮ 9:9፣ 38:31፣ ኣሞ 5:8
ኢሳ. 13:11መዝ 137:8፣ ኤር 51:37፣ ራእ 18:2
ኢሳ. 13:11ኤር 50:29፣ ዳን 5:22, 23
ኢሳ. 13:12ኤር 50:30፣ 51:3, 4
ኢሳ. 13:121ነገ 10:11
ኢሳ. 13:13ኤር 51:29
ኢሳ. 13:14ኤር 50:16
ኢሳ. 13:15ኤር 51:3, 4
ኢሳ. 13:16መዝ 137:8, 9
ኢሳ. 13:17ኢሳ 21:2፣ ኤር 50:9፣ 51:11፣ ዳን 5:30, 31
ኢሳ. 13:18ኤር 50:14
ኢሳ. 13:19ኢሳ 47:5፣ ዳን 4:30
ኢሳ. 13:19ኢሳ 47:1
ኢሳ. 13:19ዘፍ 19:24, 25፣ ኤር 50:40
ኢሳ. 13:20ኤር 50:3, 13፣ 51:29, 37፣ ራእ 18:21
ኢሳ. 13:21ራእ 18:2
ኢሳ. 13:22ኤር 51:33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 13:1-22

ኢሳይያስ

13 ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ብራእይ ዝረኣዮ ኣንጻር ባቢሎን+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦

 2 “ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ከረን መላጥ ኣኻውሕ ኣልዕሉ።+

ብኣፍ ደገታት ልዑላን ኪኣትዉስ፡

ተደሃይዎም፡ ኢድኩም ኣወዛውዙ።

 3 ነቶም ዝሸምክዎም* ኣዚዘዮም ኣለኹ።+

ቍጥዓይ ንምግላጽ ንጀጋኖይ፡

ብዅርዓት ንዚፍስሁ ጸዊዐዮም ኣለኹ።

 4 ስምዑ! ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ፣

ናይ ብዙሕ ህዝቢ ደሃይ ኣሎ!

ስምዑ! ናይ መንግስትታትን

ናይ እኩባት ኣህዛብን ያዕያዕታ!+

የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቲ ሰራዊት ንውግእ ይእክቦ ኣሎ።+

 5 የሆዋን ኣጽዋር ቍጥዓኡን፡

ንዅላ ምድሪ ኼጥፍኡስ፡+

ካብ ርሑቕ ሃገር፡+

ካብ ወሰን ሰማያት ይመጹ ኣለዉ።

 6 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ!

ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ።+

 7 ስለዚ፡ ኵለን ኣእዳው ኪለምሳ እየን፣

ልቢ ዅሉ ሰብ ድማ ብፍርሂ ኺመክኽ እዩ።+

 8 ሰባት ሰምቢዶም እዮም።+

ቅልውላው ከም ዝሓዛ ሰበይቲ፡

ብምንፍርፋርን ብቕልውላውን ተታሒዞም እዮም።

ሰኪሖም ንሓድሕዶም ይጠማመቱ ኣለዉ፣

ገጾም ብጓሂ ጓህሪ መሲሉ ኣሎ።

 9 እንሃ፡ መዓልቲ የሆዋ

ነታ ምድሪ መሰክሒ ኽትገብራ፡+

ንሓጥኣን እታ ምድሪ ድማ ካብኣ ኸተጥፍኦም፡

ብነድርን ብዚነድድ ቍጥዓን ትመጽእ ኣላ።

10 ከዋኽብቲ ሰማያትን ናታቶም ጭፍራታት ከዋኽብትንሲ፡*+

ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፣

ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት፡

ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ።

11 ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡+

ንእኩያት ድማ ስለ ስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።

ንዅርዓት ተዳፈርቲ መወዳእታ ኽገብረሉ፡

ንትዕቢት ጨቈንቲ ኸኣ ከዋርዶ እየ።+

12 ንመዋቲ ሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ ንላዕሊ ብርቂ፡+

ንሰብ ድማ ካብ ወርቂ ኦፊር+ ንላዕሊ ብርቂ ኽገብሮ እየ።

13 ስለዚ፡ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፣

ምድሪ ኸኣ ብነድሪ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡

ብመዓልቲ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ፡ ካብ ቦታኣ ኽትናወጽ እያ።+

14 ከም እተሃድነት ሰስሓን ኣካቢ ኸም ዘይብለን መጓሰን፡

ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ኺምለስ፡

ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ ኺሃድም እዩ።+

15 እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡

እተታሕዘ ዘበለ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ።+

16 ደቆም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪሕምሸሹ፡+

ኣባይቶም ኪዝመት፡

ኣንስቶም ከኣ ኪዕመጻ እየን።

17 እንሆ፡ ኣንጻሮም ንሜዶናውያን፡+

ነቶም ንብሩር ከም ዘይረብሕ ዚቘጽሩ፡

ብወርቂ ድማ ደስ ዘይብሎም ከተንስእ እየ።

18 ቀስትታቶም ንኣጕባዝ ኪሕምሽሽ እዩ፣+

ንሳቶም ከኣ ንፍረ ኸርሲ ኣይኪድንግጹን፡

ንውሉዳት ድማ ኣይኪምሕሩን እዮም።

19 ባቢሎን፡ እታ ኻብ መንግስትታት ዝኸበረት፡*+

እታ ጽባቐን ትምክሕትን ከለዳውያን፡+

ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ምስ ገልበጠን ዝዀናኦ ኽትከውን እያ።+

20 ሰብ ኣብኣ ኸቶ ኣይኪነብርን፡

ንውሉድ ወለዶ ኸኣ መንበሪት ኣይክትከውንን እያ።+

ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ፣

ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣይኬዕርፉላን እዮም።

21 ኣራዊት ምድረ በዳ ኣብኣ በጥ ኪብሉ እዮም፣

ኣባይቶም ብጕንጓታት ኪመልእ እዩ።

ሰገናት ኣብኣ ኺነብራ እየን፣+

ኣጣል በረኻ ኸኣ ኣብኡ ኺሰራሰራ እየን።*

22 ዚንቅዉ እንስሳታት ኣብ ግምብታታ፡

ወኻሩ* ድማ ኣብቲ ምሹእ ኣብያተ መንግስታ ኺንቅዉ እዮም።

ግዜኣ ቐሪቡ እዩ፣ መዓልትታታ ኸኣ ኣይኪናዋሕን እዩ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ