ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • ራእይ 5፦ ቀዋሚ ቐንዴልን ክልተ ኦም ኣውልዕን (1-14)

        • ‘ብመንፈሰይ እምበር፡ ብሓይሊ ኣይኰነን’ (6)

        • ንመዓልቲ ንኣሽቱ ጅመራ ኣይትንዓቑ (10)

ዘካርያስ 4:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 25:31፣ 1ነገ 7:48, 49
  • +ዘጸ 25:37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2022፡ ገጽ 15

ዘካርያስ 4:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 4:11, 14፣ ራእ 11:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2022፡ ገጽ 15

    ራእይ፡ ገጽ 164

ዘካርያስ 4:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:34፣ 15:14
  • +1ሳሙ 17:45፣ ሆሴ 1:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2022፡ ገጽ 15

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2006፡ ገጽ 22-23

ዘካርያስ 4:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መዛዘሚ እምኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 3:2፣ ሃጌ 1:1
  • +ኢሳ 40:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2006፡ ገጽ 23-24፡ 25-26

ዘካርያስ 4:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 3:8, 10፣ 5:14, 16
  • +እዝ 6:14፣ ዘካ 6:12

ዘካርያስ 4:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንኣሽቱ ነገራት።”

  • *

    ወይ፡ “ኣድማስ፣ ቢምቦ።” ቃ.ቃ.፡ “እምኒ፡ መብሸል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 3:12፣ ሃጌ 2:3
  • +2ዜና 16:9፣ ምሳ 15:3፣ ኤር 16:17፣ ራእ 5:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2022፡ ገጽ 15

    3/2022፡ ገጽ 16-17

    ራእይ፡ ገጽ 164-165

ዘካርያስ 4:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 4:2, 3

ዘካርያስ 4:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ፍረ ዝመልኦ ውልዶታት ኦም።

ዘካርያስ 4:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሃጌ 2:4፣ ራእ 11:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2022፡ ገጽ 18

    ራእይ፡ ገጽ 164

ሓፈሻዊ

ዘካ. 4:2ዘጸ 25:31፣ 1ነገ 7:48, 49
ዘካ. 4:2ዘጸ 25:37
ዘካ. 4:3ዘካ 4:11, 14፣ ራእ 11:3, 4
ዘካ. 4:6መሳ 6:34፣ 15:14
ዘካ. 4:61ሳሙ 17:45፣ ሆሴ 1:7
ዘካ. 4:7እዝ 3:2፣ ሃጌ 1:1
ዘካ. 4:7ኢሳ 40:4
ዘካ. 4:9እዝ 3:8, 10፣ 5:14, 16
ዘካ. 4:9እዝ 6:14፣ ዘካ 6:12
ዘካ. 4:10እዝ 3:12፣ ሃጌ 2:3
ዘካ. 4:102ዜና 16:9፣ ምሳ 15:3፣ ኤር 16:17፣ ራእ 5:6
ዘካ. 4:11ዘካ 4:2, 3
ዘካ. 4:14ሃጌ 2:4፣ ራእ 11:3, 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 4:1-14

ዘካርያስ

4 እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ተመሊሱ፡ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ ዜበራብሮ ገይሩ፡ ኣበራበረኒ። 2 “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ድማ በለኒ።

ኣነ ኸኣ ከምዚ በልኩ፦ “እንሆ፡ ኵለንትናኡ ኻብ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐንዴል፡+ ኣብ ርእሱ ኸኣ ጭሔሎ እርኢ ኣለኹ። ኣብኡ ድማ ሸውዓተ ቐንዴል፡+ እወ፡ ሸውዓተ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ቐነዲል ከኣ ሸውዓተ ሻምብቆ ኣለዎ። 3 ኣብ ጥቓኡ ኸኣ ክልተ ኦም ኣውልዕ፡+ ሓንቲ ብየማን እታ ጭሔሎ፡ ሓንቲ ብጸጋማ ኣለዋ።”

4 ሽዑ፡ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ጐይታይ፡ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ። 5 እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፡ “እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

ኣነ ኸኣ፡ “ኣይፋልን፡ ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።

6 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል የሆዋ እዚ እዩ፦ ‘“ብመንፈሰይ እምበር፡+ ብሰራዊትን ብሓይልን ኣይኰነን”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 7 ኣታ ዓብዪ ኸረን፡ መን ኢኻ፧ ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል+ ጐልጐል ክትከውን ኢኻ።+ “ክንደይ ይጽብቕ! ክንደይ ይጽብቕ!” ተባሂሉ እናተጨደረ፡ ንሱ እምኒ ርእሲ* ኼውጽእ እዩ።’”

8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 9 “ኣእዳው ዘሩባቤል ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ሰሪተናኣ እየን፣+ ኣእዳዉ እውን ኪፍጽማኣ እየን።+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኸኣ ክትፈልጥ ኢኻ። 10 ንመዓልቲ ንኣሽቱ ጅመራ* ዚንዕቕሲ መን እዩ፧+ ንሳቶምሲ ኺሕጐሱን ኣብ ኢድ ዘሩባቤል መለክዒ መንደቕ* ኪርእዩን እዮም። እዘን ሸውዓተሲ እተን ኣብ ኵላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ የሆዋ እየን።”+

11 ሽዑ፡ “እዘን ኣብ የማንን ኣብ ጸጋምን እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዘለዋ ኽልተ ኦም ኣውልዕሲ እንታይ ማለት እየን፧” ኢለ ሓተትክዎ።+ 12 ካልኣይ ሳዕ እውን፡ “እዞም በቲ ኽልተ ሻምብቆ ወርቂ ኣቢሎም ፈሳሲ ወርቂ ዜፍስሱ ኽልተ ጕጅለ ውልዶታት* ኣእዋም ኣውልዕ እንታይ ማለት እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ።

13 ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶም እንታይ ምዃኖምዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” በለኒ።

ኣነ ድማ፡ “ኣይፋልን፡ ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።

14 ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶምሲ እቶም ኣብ ጐድኒ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ